እስራኤል ሰባት ብተወሳኺ ካብ ቃዛ ክወጹ ትእዝዝ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሰበ-ስልጣን እስራኤል ሕዝብታት ካብ ቦታ ክግዕዙ ዘውጽእዎ ሓድሽ ትእዛዝ ተኸቲሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቃዛውያን እንደገና ካብ ከባቢ ካን ዮኒስ ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ እቲ መምርሒ ነቶም ኣብ ምብራቓውን ማእከላይን ካን ዩኒስን ዲር ኣል ባላን ዚነብሩ ሰባት ዝጸልዎም እዩ ።
ልዕሊ 15,500 ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ንልዕሊ 30 ሰፈታታት ዚሽፍን ከባቢ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ይግመት።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣህጉራዊ ውድብ ውጥን ምግቢ ዘረፋን ዘይውሑስ መገድታትን ከምኡውን ጕድለት ህዝባዊ ስርዓትን ድሕንነትን ነቲ ኣብ ቃዛ ዚግበር ዝነበረ ንጥፈታት መጓዓዝያ ምግቢ ኣመና ኸም ዚዓናቐፎ እዚ ድማ ዕለታዊ መቝነን ከም ዚንኪ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እስራኤል ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት ብዛዕባ ውዕል ውግእ ቃዛ ዘተ ንምቕጻል ልኡኻት ትሰድድ ከም ዘላ ብምርግጋጽ ነቶም ብመንጐይናነት ዝሰርሓ ዘለዋ ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኳታርን ግብጽን ምላሽ ሂባ ኣላ።
ቤት ጽሕፈት መራሒ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ እታ ጕጅለ ዘተ ነቲ ናይ ስምምዕ ውዕላት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዝርዝር ንምዝታይ ክትለኣኽ ምዃና ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ግዝያዊ ሓይሊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒፊል) ንስድራቤታት እቶም ምስታ ትካል ዝሰርሑ ወተሃደራት ሰላም ካብታ ሃገር ክወጹ ይምሕጸኖም ኣሎ።
ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ኣብ መንጎ ህዝቦላህን ሰራዊት እስራኤልን ኣብ ዶብ ደቡባዊ ሊባኖስ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ እናተጋደደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ገሊአን ሃገራት ዜጋታተን ካብ በይሩት ክወጻ ህጹጽ ጻውዒት ከቕርባ ኸለዋ ከም ኤስየትን ሉፍታንሳን ዝኣመሰላ ብዙሓት መንገዲ ኣየር ከኣ ነቲ ናብ በይሩት ዝገብራኦ በረራታት ኣቋሪጸን ይርከባ ።