ҽ

ምርጫ ሩዋንዳ ንካጋመ ናይ ምዕዋት ተኽሎ ዘለዎ ምዃኑ ይንገር ምርጫ ሩዋንዳ ንካጋመ ናይ ምዕዋት ተኽሎ ዘለዎ ምዃኑ ይንገር 

ምርጫ ሩዋንዳ ንካጋመ ናይ ምዕዋት ተኽሎ ዘለዎ ምዃኑ ይንገር

መራሒ ሃገራዊ ግንባር ሩዋንዳ፡ ካብ 1994 ዓ.ም. ጀሚሩ ንሃገረ ሩዋንዳ ዝመርሕ ዘሎ፡ “ምልካዊ - ስርዓተ ምሕደራ” ዝብል ካብ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፌታ እኳ እንተቐረበሉ፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ክዕወት ዝያዳ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ሩዋንዳውያን ዕለት 15 ሓምለ መራሔ መንግስትን ኣባላት ባይቶን ንምምራጽ ናብ ናይ ምርጫ ኑቕጣታት ከም ዝኸዱን፡ ኣብዚ ምርጫ ኣብ ስልጣን ዘሎ ርእሰ ብሔር ፖል ካጋመ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብዘይ ብድሆ ዝቕጽሎ ዘሎ ምሕደራ ኣንጻር ክልተ ድኹማት ሕጹያት ተቓወምቲ ክዕወት ዝብል ትጽቢት ይግበር።

ወዲ 66 ዓመት መራሒ ሃገራዊ ግንባር ሩዋንዳ ካብ 1994 ዓ. ም. ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ፡ ብብሔር ቱትሲ ዝምራሕ ስልጣን ካብ መንግስቲ ሁቱ ብምምንዛዕ ነቲ ካብ 800 ሽሕ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ቱዚን ማእከላይ ኣመለኻኽታ ዘለዎም ሁቱን ዝቐተለ ምጽናት ዓሌት ከም ዘብቀዔን ካብ 1994 ዓ.ም. ክሳብ 2000 ዓ.ም. ብወግዒ ርእሰ ብሔር ኮይኑ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ከም ምኽትል ርእሰ ብሔር ከም ዝነበረን፡

ርእሰ ብሔር ካጋመ ንራብዓይ ተኸታታሊ መርሕነት ስልጣን ይቐርብ

ካብ 2000 ዓ.ም. ኣትሒዙ ርእሰ ብሔር ሩዋንዳ ዝኾነ ካጋመ ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ምርጫታት ብዓብላልነት ዝተዓወተ ኮይኑ ኣብ 2015 ዓ.ም. ሩዋንዳውያን ነቲ ንኽልተ እብረ ጥራሕ ዝብል ቅዋማዊ ገደብ ናይ ስልጣን ዘመን ርእሰ ብሔር ዝብል ዓንቀጽ ንምልዓልን ካብ 7 ዓመት ናይ ስልጣን ዘመን ናብ ሓሙሽተ ዓመት ንምሕጻርን ረፈረንደም ተኻይዱን ጸዲቑን ድማ እነሆ ካጋመ ክሳብ 2034 ዓ.ም. ኣብ ስልጣን ክጸንሕ መንገዲ ከም ዝኸፈተሉ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ርእሰ ብሔር ሕጂ’ውን ዘለዎ ሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ ይቕጽል ኣሎ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1994 ዓ.ም.  ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታት ንሩዋንዳ ብምጥርናፉን ንሃገር ማእከላይ ኣፍሪቃ ሓያል ቁጠባዊ ዕብየት ከተስተማቕር ዘኽኣላ መደባት ልምዓት ብምምራሕን ብደገፍቱ ይምስገኑ።

ሩዋንዳ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ቁጠባ ዘለዋ ሃገራት

ብመሰረት ባንኪ ዸም ኣብ መንጎ 2008ን 2022ን ዓ.ም. ብማእከላይ ገምጋም ልዕሊ 7% ዕብየት ከምዘርኣየ፡ እዚ ለውጢ ኣብ ደረጃ መነባብሮ ብዓቢኡ ምምሕያሽ ዝተሰነየ እዩ። ትሕቲ መለክዒ ድኽነት ዝነብር ህዝቢ ሩዋንዳ ካብ 75.2% ኣብ 2000 ዓ.ም. ናብ 53.5% ኣብ 2013 ዓ.ም. ከም ዝወረደን፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ 52% ደው ዝበለ’ኳ እንተኾነ ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር መጠን ሞት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ብሓያል ምንቁልቋል ከም ዘመዝገበን፡ ሩዋንዳ ምስ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ትቃለስ ሃገር እንተኾነት እውን ሓንቲ ካብተን ብቕልጡፍ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ዕብየት ካብ ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት እያ።

ነቐፌታ ኣሉታዊ መዝገብ ሰብኣዊ መሰላትን ምትእትታው ኣብ ዲ.ሪ.ኮ

ይኹን እምበር ካጋመ “ምልካዊ” ምሕደራ ዘለዎ ብምባል ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ከም ዝነቕፈኦን

ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እውን ዝኾነ ብርቱዕ ተቓዋማይ ኣካል ከይህሉን፡ ዋላ’ውን ስግረ - ዶባዊ ቅትለት ተቓወምቲ ዘዳሉ ዝብል ክሲ ካብ ጉጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ከም ዝቐርቦ እዩ ዝፍለጥ።

ሩዋንዳ ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኲናት ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ ዓመጽቲ M23 - መጋቢት 23 ብዝብል መጸውዕ ንዝፍለጥ ከምኡ’ውን ኣብ ብሩንዲ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሓይሊ ንልዕልና ሕጊ (RED-Tabara) እትህቦ ወተሃደራዊ ደገፍ ምስ እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ክኸይድ ይገብር ምህላዉን ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ናይ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት ዝሓቁፍ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ማእከላይ ኣፍሪቃ (ACEAC) ብዛዕባ ምብራኽ እቲ ወጥሪ ዓሚቝ ስክፍታኦምን ሓዘኖምን ገሊጾም ከምዝነበሩን እቲ ምስ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዝካየድ ውግእ ከብቕዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣስታት 4000 ሰራዊት ሩዋንዳ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ይሕብር።

ስምምዕ ምስጓግ ሓተቲ ዑቕባ ዓባይ ብሪጣንያን ሩዋንዳን

መንግስቲ ካጋመ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓድሽ መራሔ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር ምስቲ ዝሓለፈ ዓቃባዊ መንግስቲ ዝፈረሞ ስምምዕ ምስጓግ ሓተትቲ ዑቕባ ክስረዝ ምዃኑ ዝሃቦ መግለጺ ንካጋመ ውርደት ምዃኑ ተንተንቲ እንክሕብሩ። እዚ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተነቐፈ ኣካታዒ ስምምዕ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ዝፍረም ኣትሒዙ ዳያኑ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስርዓተ ዑቕባ ሩዋንዳ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ድኹም ምዃኑ ዝወሃብ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም ከም ዝነጸግዎ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካጋመ ብወገኑ ነዚ ክስታት ብምንጻግ፡ ሃገሩ ንፖለቲካዊ ናጽነት ተኽብር እያ እንክብል፡ ንመዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ሩዋንዳ ወትሩ ብትሪ ይጣበቕ።

ክልተ ድኹማት ሕጹያት ተቓወምቲ

ካልኦት ንኸይወዳደሩ ስለዝተኸልከሉ ካጋመ ምስ ካልኦት ክልተ ሕጹያት ተቓወምቲ ፍራንክ ሃቢነዛን ፊሊፕ ምፓይማናን ጥራይ እዩ ዝወዳደር ዘሎ። ወዲ 47 ዓመት ሃቢነዛ መራሒ ውድብ ዲሞክራስያዊ ሓምላይ ሩዋንዳ፡ ኣብታ 70 ሚእታዊ ህዝቢ ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈረላ ሃገር ተበጻሕነት ማይ ንምዕባይን ንምእዋን ቁጠባ ሕርሻ ቃል ከም ዝኣተወን፡ ወዲ 54 ዓመት ምፓይማና ካብቲ ምጽናት ዓሌት ሃዲሙ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብረ ጋዜጠይናን፡ ፕሮፌሰርን ደራስን፡ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ ንጻዕርታት መንግስቲ ካጋመ ብፍላይ ኣብ ጽላት ሕርሻ ክቕጽልን ደረጃ መነባብሮ ንምምሕያሽን ቃል ዝኣተወ እዩ። ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ንምምካት ካብ ሓንቲ ስድራ ክሳብ ሰለስተ ቆልዑ ጥራሕ ዝብል መምርሒ ክሕንጽጽ እውን ቃል ዝኣተወ እዩ። ክልቲኦም ድሮ ካብ ዝሓለፈ ሓፈሻዊ ምርጫ 2017 ዓ.ም. እትሒዞም ከም ተቓወምቲ ሕጹያት ዝቐርቡ ኣብ መንጎኦም ልዕሊ 1% ድምጺ ዝረኸቡ ከም ዝኾኑን ኣብዚ ናይ 2024 ዓ.ም. ምርጫ እውን ናይ ምዕዋት ዕድል ዳርጋ ዘይብሎም ምዃኖም እዩ ዝንገር፡ ውጽኢት ክልቲኡ ምርጫ ማለት ርእሰ ብሔርን ባይቶኣውን ክሳብ ዕለት 20 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ክንገር ትጽቢት ይግበር።

16 July 2024, 16:12