ҽ

ሃገረ ቫቲካን፥ “ኣብ ሕብረተሰብ ስነ ጥበባውያን ተስፋ ምዃን!” ሃገረ ቫቲካን፥ “ኣብ ሕብረተሰብ ስነ ጥበባውያን ተስፋ ምዃን!” 

ሃገረ ቫቲካን፥ “ኣብ ሕብረተሰብ ስነ ጥበባውያን ተስፋ ምዃን!”

ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንስነ ጥበባውያን እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ምኽንያት፣ ዕለት 17 ለካቲት ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ፣ “ስነ ጥበባውያን ተስፋ” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተመርሐ ዓውደ ጉባኤ ከም እተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ካቶሊካውያን ባህላዊ ማእከላት፣ ኣብ ምድጋፍን ምድንፋዕን ባህሊ ብኸመይ ከምዝተዋፈራ ዘርኢ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኣብ ዓውዲ ባህሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘማእክለ ምስክርነት ከም ዝቐረበ እውን ኣፍሊጡ።

ወንጌል ባህሊ ምግባር

“ዕላማ ናይ ባህሊ ማእከላት እንታይ እዩ? ስለምንታይከ ቤተ ክርስቲያን ንማእከላት ባህሊ ኣድላይት ትኸውን? ኣብ ዘመንና እውን እንተኾነ ስለምንታይ እዩ ወንጌል ኣብ ባህሊ ምስራጽ ዘድሊ? ዝብል ሕቶታት ኣማእኪሎም ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ኣቕሪቦም፣ እዚ ኣብ መንጎ ባህልን ካቶሊካውነትን ዘሎ ሲኖዳውነት ኣካይዳ ዝምስክር እዩ። ሓድሕዳዊ ምስማዕ ዘማላኽት እውን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መርበባዊ ምትእስሳር

ናይ ባህሊ ማእከላት መርበባዊ ምትእስሳር ክህልወን ከም ዘድሊ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መድረ ዘስምዑ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጳጳስ ፖል ትግሄ ኣመላኺቶም፣ እዚ መርበባዊ ምትእስሳር እዚ እውን ኣብ ፍልልያትና ሓደ ዓይነት ‘ማእከል’ ክንከውን ኣብ ፍልልያት ሓደ ዝገብር ባህሊ ንምርግጋጽ ዝድግፍ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ማእከል ባህሊ ካቶሊክ ኣብ ታሪኽ ዝምርኮዝ ብምዃኑ፣ ብዘካይዶ ንጥፈታት ኣቢሉ ብዓቢኡ ኣብ ባህላውን ማሕበረ - ፖለቲካውን ኵነታት ይዋሳእ፣ ስለዚ ድማ ንሕብረተሰብ ዘጋጥሙ ብድሆታት፣ ብምልላይ ብኸመይ ክፍትሖ ከም ዘለዎ ዝሕግዝ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣ “ካቶሊካውያን ባህላዊ ማእከላት” ሳላ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ትካላት ተፈላጥነት ከም ዝረኸባ፣ ምዕራፍ ክልተ ውሳኔ Gaudium et Spes - ሓጎስን ተስፋን መሰረት ገይሮም ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቡ የመላኽት።

ናይ ምስማዕን ምክብባርን ምጽውዋርን ቦታታት

“ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ኣብ 1975 ዓ.ም. ኣብ Evangelii Nuntiandi - ብስራተ ወንጌል  ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን፣ ነቲ ድሮ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ መንጎ ባህልን እምነትን ዝነበረ ምርሕሓቕ ንምእላይ፣ ወንጌል ኣብ ባህሊ ምስራጽ ዝብል ኣምር ከም ዘተኣታተዉ ካርዲናል ደ መንዶንሳ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ 1995 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሕሪ እቲ ቤተ ክስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣብ ዝለገስዎ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ፣ መግለጺ ካቶሊካዊ ባህላዊ ማእከላት ንቤተክርስትያን ኣብ ዓውዲ ባህላዊ ለውጢ ህልውቲ ክትከውንን ክትዋሳእን ተኽእሎታት ዝህብ ምዃኑ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፣ “ቀጻሊ ለውጢ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን’ውን ኢና ንነብር ዘሎና . . . ስለዚ ካቶኪካውያን ናይ ባህሊ ማእከላት ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ፣ ናይ ምስማዕን ምክብባርን ምጽውዋርን ቦታታት እያቶም ቢሎም፣  “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ብዙሕነት ክፉት ዝኾነ ዘተ ንኸነማዕብል ሓጊዙና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እምነት ኣብ ማሕበረሰብ

ኣብቲ ‘Evangelii Gaudium - ወንጌላዊ ሓሴት’  ዘርስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን፣ ቅዱስነቶም ‘ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተሰካሚ ናይ ገዛእ ርእሱ ውልቃዊ ሓቅነት ክኸውን ዝድርኽ ባህሊ፡ ዜጋታት ንውልቃዊ ረብሓን ውልቃዊ ህርፋንን ዝሰግር ሓባራዊ ውጥን ንምሕንጻጽ ከጸግሞም ይገብሮ ኣሎ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝኽካር፣ እዚ ድማ “ካቶሊካዊ ባህላዊ ማእከላት” ካብ ውልቃዊ ብልጫታትን ድሌታትን ንላዕሊ ዝኸይድ ውጥን ዘቕርብ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘተሓሳስብ እዩ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

Photogallery

ሃገረ ቫቲካን፥ “ኣብ ሕብረተሰብ ስነ ጥበባውያን ተስፋ ምዃን!”
21 Feb 2025, 15:52