ҽ

ቫቲካን ብዛዕባ ጽገና ግብሪ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዘተ ተአንግድ ቫቲካን ብዛዕባ ጽገና ግብሪ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዘተ ተአንግድ 

ቫቲካን ብዛዕባ ጽገና ግብሪ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዘተ ተአንግድ

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ናይ ስነ - ቑጠባ ሊቅ ጆሴፍ ስቲግሊትዝን መደብ ሕቡራት ሃገራት ምክልኻል ሕማም ኤችኣይቪ/ኤይድስ (UNAIDS) ዋሃ ሓላፊት ዊኒ ቢያንይማን ብዛዕባ’ቲ ብጳጳሳዊ ማሕበራዊ ስነ - ፍልጠት ተቕዋም ዝተኣንገደ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ጽገና ግብሪ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ጽገና ግብሪ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ሕብረተሰብ ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰበስልጣን ሃገራውያን መንግስታትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ዕለት 13 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተኣኪቦም ብዛዕባ ‘ፍትሓዊ ግብርን ምትሕግጋዝን’ ኣብ ዝብል ቅውሙ ሓሳብ ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ብማሕበራዊ ስነ - ፍልጠት ጳጳሳዊ ተቕዋም (PASS) ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ፡ ናይ ሎሚ ኣህጉራዊ ስርዓተ ግብሪ፡ ንዓለማዊ ዘይምዕሩይነት ኣብ ምዕባይ ዘለዎ ግደ ዝዳህሰሰ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቁጠባዊ ጽገና ዘለዋ ‘መሪሕ’ ተራ

ጽገና ግብሪ ወሳኒ ምዃኑ ናይቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ኣደ መንበር እናቴ ሄለን ኣልፎርድ ድሕሪ እቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣህጉራዊ ስርዓት ግብሪ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝገበረ ኮይኑ፡ ምስ’ዚ እዋናዉ ኩነታት ዓለም “ብሓቂ ክገጥም ዘይክእል እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ዓበይቲ ህብረ - ትካላትን ኣዝዮም ሃብታማት ውልቀሰባትን ኣዝዩ ትሑት መጠን ግብሪ ክኸፍሉ ዝገብርን እዚ ድማ ብግዲኡ ንመንግስታት ወሳኒ ጸጋታት ከይህልዎም ዝድርኽ ስለ ዝኾነ” ቢለን፣ ኣስዒበን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ጸገም ኣብ ምምካት ክትጻወቶ እትኽእል ተራ እንክሕብራ፣ ኣብ ቫቲካን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰበስልጣን መንግስትን ዓለምለኻውያንን ኣካላትን ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ስርዓት ግብሪ ከመያየጡን ዝደረኾም፡ ቤተ ክርስቲያንን ብፍላይ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም ዝጻወትዎ “ወሳኒ መሪሕ ተራ” ስለ ዘስተውዕሉን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብ ዓለም ዘለዎም ግብረ ገባዊ ስልጣን ግምት ስለ ዝሃቡሉ እዩ” ኢለን።

ቫቲካን ብዛዕባ ጽገና ግብሪ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዘተ ተአንግድ
ቫቲካን ብዛዕባ ጽገና ግብሪ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዘተ ተአንግድ

ጽገና ስርዓተ ግብርን ኢዮቤልን

ካብቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ናይ ጳጳሳዊ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቕዋም ናይ ክብሪ ኣባል ናይ ስነ-ቑጠባ ሊቅ ጆሴፍ ስቲግሊትዝ ምስ ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዳይ ጽገና ስርዓት ግብሪ ዘለዋ “ግብረ ገባዊ መሪሕነት” ብምንኣድ፡ እቲ ዘተ “ንፍትሕን ማዕርነትን” ዝተወፈየ ናይ 2025 ዓ.ም. ዓመተ ኢዮቤል ዓቢይ ግምት ዝሃበ ምዃኑ ኣብሪሁ፣ “ፍታሓዊ ዝኾነ ስርዓት ግብሪ የድልየና ኣሎ” ምስ በለ ኣስዒቡ፣ ቢልዮነራትን ሃብታማት ህብረ - ትካላትን ግቡእ ግብሪ እንተ ኸፊሎም ጥራይ ኢዩ፣ "ናብ ዝዓበየ ማዕርነት ዝመርሕ ምንቅስቓስ" ከምኡውን "ኣብ ስርዓትና ክህሉ ዝግብኦ ምትእምማን” ክምምለስ ዝኽእል ይብል።

ቫቲካን ብዛዕባ ጽገና ግብሪ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዘተ ተአንግድ
ቫቲካን ብዛዕባ ጽገና ግብሪ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዘተ ተአንግድ

ቃልሲ ኣንጻር ኤችኣይቪን ኤይድስን...

ኣብ ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየደት ኣመሓዳሪት ሓባራዊ መደብ ሕቡራት ሃገራት ጸረ ሕማም ኤችኣይቪ/ኤይድስ (UNAIDS) ዊኒ ቢያንይማ፣ እቲ ትካል ክሳብ 2030 ዓ.ም. ነቲ ሕማም ንምውጋድ ዝዓለመ ምዃኑን፡ እዚ ዕላማ እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ መደብ ካብ ሃብታማት ሃገራት ዝረኸቦ “ሓያል ደገፍ” ክብጻሕ ከም ዝኽእልን ገሊጻ፣ ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብተን ሃገራት ዝመጽእ ዘሎ ቁጠባዊ ሓገዝ ምንቁልቋል – ብፍላይ ድማ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዳርጋ ኩሉ ናይ ወጻኢ ሓገዛት ክዓጽው ዝወሰዶ ስጉምቲ – ናይቲ ትካል ውጥን ከሰናኽል ከም ዝኽእል ተመላኽት።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ን73% ናይ ሓባራዊ መደብ ሕቡራት ሃገራት ምክልኻል ሕማም ኤችኣይቪ/ኤይድስ (UNAIDS) ስራሕ ትምውል፡ ክሳብ ሕጂ’ውን ዋላ’ኳ እትህቦ ቁጠባዊ ሓገዝ እንተ ዘየቋረጸት፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምዝወሃብ ግን ገና “ብዙሕ ዘይንጹር ኩነታት” ከምዘሎ ገሊጻ፣ “ህይወት ሰባት ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝረኽብዎ መድሃኒት ዝምርኮስ ብምዃኑ ድማ እዚ ጉዳይ እዚ ዓቢይ ትኹረት ዝሓትት እዩ፡” ምስ በለት ኣተሓሒዛ፣ ኣብ ምትእምማን ዝተመስረታ ትካላት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኤይድስን ኤችኣይቪን ክጻወታኦ ዝኽእላ ወሳኒ ተራ ኣጉሊሓ፣ ብቐዳምነት “ዓለማዊ ምትሕግጋዝ” ምትብባዕ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ ሕማም እዚ ንምብዳህ ዝግበር ቃልሲ ክትድግፍ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ዝያዳ ኣበርክቶ ክገብራ ትብዓትን ድላይን ክህልወን ይግባእ፣ ሃይማኖታውያን ትካላት፡ ነቶም ብኤችኣይቪ/ኤይድስ ዝሳቐዩ ሰባት ዘጋጥሞም ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገማት ኣብ ምብዳህ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዘለወን ተራ ዓቢይ ምዃኑ ኣዘኻኺራ፣ ንቕድስቲ መንበርን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን "ንጕዳይ ናይ ቀረጽ ምጕዳል ፍትሒ ከም ቍጠባዊ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ግብረ ገባውን ስነ ምግባራውን ጕዳይ ገይሮም ብምቕራጾም" ኣብ ዓለም ኣብ ኩሉ መዳይ ፍትሕን ማዕርነትን ክህሉ ዝገብዎ ጻዕሪ ንኢዳ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።

15 Feb 2025, 17:29