ҽ

ቅድስቲ መንበር፡ “ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዕዳ ኣለዎ!" ቅድስቲ መንበር፡ “ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዕዳ ኣለዎ!" 

ቅድስቲ መንበር፡ “ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዕዳ ኣለዎ!"

ኣብ ውድብ ሃገራት ኣሜሪካ ናይ ቅድቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ የኔታ ኣባ ኹዋን ኣንቶንዮ ክሩዝ ሴራኖ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ውድብ ሃገራት ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ዞባታት ሃገራት ኣመሪካ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሓልዮትን ክብርን ዝያዳ ተወፋይነት ክህሉ ሓቲቶም፡ "ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዕዳ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራፕ ክትግበር ዘመሓላለፎ ሓድሽ ናይ ስደተይናትት መመሓደሪ ውሳነ፣ ኣብታ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ሃገራት ኣመሪካ ዘጋጥሞ ዘሎ ተቓውሞ ኣባ ክሩዝ ሴራኖ ብምዝኽካር፣ እዚ እውን ኣብቲ ዞባ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮም ማሕበራት ሰብ ውፍሁ ህይወትን እቲ ናይ ትራምፕ መመሓደሪ ጉዳይ ስደተይናታት፣ ሰብኣውነት ዘማእከል ክኸውን ጻውዒት ይቕርብ ምህላዉ እውን ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን “ዘይርአ ግን ከኣ ወሳኒ ኣበርክቶ” ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ኣፍልጦ ከም እትህብ ዘረጋገጹ ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ቅልውላው “መንጐይናታት፡ ጽኑዓትን ኣለይትን ሓለውቲ መጻኢናን” ኮይነን ማእከላይ ተራ ከም ዘለዎም ድማ ኣዘኻኺሮም . . . ይኹን እምበር ኣወዳድባ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ንደቂ ኣንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ክብርን መሰልን ካብ ምውሓስ ጌና ርሑቕ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍድራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝገለጽዎ ሓሳብ መሰረት ገይሮም ዝተፈላለዩ ኣብነታት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣባ  ክሩዝ ሰራኖ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንመበል 30 ዓመት ኣዋጅ ቤጂንግ 1995 ዓ.ም. ከምኡውን ኣብ ኮሎምቢያ ክካየደ ዝኾነ መበል 40 ዓመት ዓውደ ኣኼባ ሽማግለ ደቂ ኣንስትዮ ሃገራት ኣመሪካን ኣስተብሂሎም፣ እዚ ፍጻመታት እዚ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንምሕላው ብብዙሕ ወገን ዚግበር ምትሕብባር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርእይ እዩ ቢሎም፣ ቅድስቲ መንበር ብፍላይ ኣብቲ ብቐሊሉ ተነቃፊ ዝኾነ ሕብረተሰባት ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ንምድንፋዕ ተወፋይነት ከም ዘለዋ እውን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዕዳ ኣለዎ” ዝበሉ ኣብ ውድብ ሃገራት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣስዒቦም፣ ኣብ ኣባይቲ ስድራ፣ ትምህርትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ግደ ደቂ ኣስንትዮ ማእከላይ ክነሱ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ዕሽሽ ከም ዝበሃል ገሊጾም፣ ስለዚ ኣህጉራውያን ትካላት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣስንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ፡ ኣድልዎን ቁጠባዊ ዕንቅፋታትን ንምውጋድ ዝያዳ ተወፋይነት ክህልወን ይግባእ። እቲ ዕላማ ድማ ደቂ ኣንስትዮ “ማዕርነትን ክብርን ምክብባርን” ዘለዎ ህይወት ክነብራ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም . . . ኣብ ክንዲ ቀሊል ጭሮሓዊ መግለጺታት ጭቡጥ ስጉምትታት ክውሰድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕበረሰበን ከም ማዕረ ናይ ተዋሳእነት ተራአን ክጻወታ ዘኽእለን ህሉው መምርሕታትን ውዕላትን ዘላቒ መደባትን ብቐጻሊ ምትግባር የድሊ። በዚ መንገዲ ጥራሕ እዩ ሓቀይና ፍትሒ ክረጋገጽ ዝኽእል እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 Feb 2025, 16:02