ҽ

ኣኼባ ኣተሓባበርትን ዋና ጸሓፍትን ዓሰርተ ጉጅለታት መጽናዕቲ ሲኖዳውነት ኣኼባ ኣተሓባበርትን ዋና ጸሓፍትን ዓሰርተ ጉጅለታት መጽናዕቲ ሲኖዳውነት  (ANSA)

ኣኼባ ኣተሓባበርትን ዋና ጸሓፍትን ዓሰርተ ጉጅለታት መጽናዕቲ ሲኖዳውነት

ወከልቲ ናይተን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ ዝቖማ ዓሰርተ ጉጅለ መጽናዕቲ ሲኖዳውነት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ብዛዕባ ስርሖም ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 18 ለካቲት ንግሆ ወከልቲ ናይተን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝተልዓሉ ሕቶታት ንምፍታሕ ዘቖምወን ጉጅለታት ወከልቲ ዓውደ ዘተ ከም ዘካየዱን፣ ነፍሲ ወከፍ ኣተሓባባሪ ድሕሪ እቲ ዘካየድዎ ዓውደ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታት፡ ኣብ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለታት ትኹረት ዝገበረ ሓድሽ ሓበሬታ ኣቕሪቦም፡ ዝተጠቕሙሉ ኣገባብ፡ ዝሳተፉ መዳርግቲ ኣካላት፡ ጸብጻብ ንምቕራብ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ግዜ ገደብ፡ ዘጋጠሙ ብድሆታትን ዝኾነ ዘይተፈትሑ ሕቶታትን ከም ዘተኮሩን እቲ ኣኼባ ብጸሎት ምእንቲ ቅልጡፍ ሕይወት ር.ሊ.ጳ. ዝተኸፍተ ምንባሩ እውን ከም ዘፈልጡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣተሓባባሪ ዝመጸ ሓድሽ ሓበሬታ

ብድሕሪ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ኣተሓባባሪ በብተራ ምዕባለ ናይቲ ዝውክሎ ናይ ዘተ ጉጅለ ከም ዘቕረበን፣ እዚ ድማ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ፣ ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ሰባትን ትካላትን፣ ናይ መወዳእታ ጸብጻቦም ንምቕራብ ትጽቢት ዝግበረሉ ግዜ፣ ዘጋጠሞም ጸገማትን ገና መልሲ ክወሃቦም ዝግብኦም ሕቶታትን ከም ዘቕረበን። እቲ መግለጺ እዚ "ሃብታም ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ  ግዜ፡ ብፍላይ ነቶም ግዳማዊ ጉዳያት ዝከታተሉ ጉጅለታት መጽናዕቲ ኣዚዩ ጠቓሚ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣተሓባባሪ ድሕሪ ዘስመዖ መደረ፡ ኣማኻሪ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣባ ጂያኮሞ ኮስታ፡ "ኣብ ምሕንጻጽን ምቕራብን ጸብጻባት ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ መምርሒ" ከም ዝሃቡ ኣፍሊጡ።

ካብ ቀኖናዊ ሽማግለ ዝመጽእ ደገፍ

ብፍላይ ሕጋዊ ወይ ቀኖናዊ ሸነኽ ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ሽማግለ ጉዳያት ሕገ ቀኖና ክሕግዞም ድሉው ምዃኑ ነቶም ኣተሓባበርቲ ከም ዘፍለጠን፣ ናይ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ንተሳተፍቲ ካብ ደገ ዝመጹ ኣበርክቶታት ዓቢ ግምት ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2025 ዓ.ም. synodus@synod.va ብዝብል ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኣድራሻ ኣቢሎም ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ክቐርቡ ከም ዝኽእሉ ኣዘኻኺሮም፣ ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ መኽፈቲ ካልኣይ ውዕሎ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ዝኾነ ዝርከብ ሓድሽ ኣበርክቶ ብቕልጡፍ ናብ ዝምልከቶም ጉጅለታት መጽናዕቲ ክመሓላለፍ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘመላኸቶ እንክብሉ ከም ዘነጸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጉጅለታት መጽናዕቲ

እተን ዓሰርተ ጉጅለ መጽናዕቲ ድሕሪ ቀዳማይ ጉባኤ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝቖማ ከም ዝኾናን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዓይኒ ሲኖዶስ ንህይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ዝምልከቱ ኣገደስቲ ጉዳያት ብምልላይ ዘቕርብን፣ ኣብዞም ጉዳያት እዚኣቶም ሰፊሕ ምርድዳእ ክህሉ ዝገብር፣ ኣገዳስነቶም ኣብ ግምት ብምእታው ብደረጃ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስተንትኖን ዝያዳ ዓሚቝ መጽናዕትን ክህሉ ዝገብሩ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ። እተን ጉጅለታት መጽናዕቲ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ምስ ኩርያ ሮማ ምትሕብባር ንኽህሉ ብዝብል ዕላማ ክቖማ ዝእዝዝ ናብ ሓፈሻዊ ጸሓፊ ሲኖዶስን ካርዲናል ማሪዮ ግሪኽ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መሰረት ኣብ መጋቢት 2024 ዓ.ም. ዝቖማ ከም ዝኾና ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብቲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካርዲናል ግሪች ንዕዮ ጕጅለታት መጽናዕቲ፣ "ብሓቂ ብሲኖዳውነት መንፈስ ብመሰረት ባዕሎም ብዝሃብዎ መምርሕታት ክቈጻጸርዎ ሓላፍነት እውን ከም ዝሃብዎም የዘኻኽር።

19 Feb 2025, 16:24