ቅድስቲ መንበር፣ ማሕበረሰባዊ ሓድነት ንምስጓም ሕንጸት ስድራ ቤት ምንቕቓሕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ካቶሊካዊ ትምህርቲ ብዛዕባ ስድራቤት ከም ዝሕብሮ፡ ስድራቤት መሰረት ሕብረተሰብ እዩ ዝብል ኮይኑ፡ ፍቕርን ሓላፍነትን እምነትን ጥራይ ዘይኮነስ ነጸብራቕ ናይቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዘለዎ መለኮታዊ መደብ እውን ምዃኑ የብርህ፣” ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዕለት 12 ለካቲት ኣብ መበል 63 ኣኼባ ሽማግለ ማሕበራዊ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ክኾኑ እንከለዉ፣ ስድራቤት ኣብ ሕብረተሰብ ከም ዓንዲ ደገፍን ሓድነትን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ዋዕላ "ምስ መብጽዓታት ማሕበራዊ ምዕባለ ኮፐንሃገን መርሓ ግብሪ ስጕምቲ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ማሕበራዊ ምዕባለ ከምኡውን ትግባረ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ክብጻሕ ዝተሓንጸጸ መደብ ዘላቒ ምዕባለ ንምቅልጣፍ፣ ምትሕግጋዝ ምድልዳል ማሕበራዊ ምትእትታውን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ውሑስ ምግባር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመረሐ ኮይኑ፣ ኣብቲ ዋዕላ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ሕመረት ናይቶም ነፍሲ ወከፍ ኣርእስታት ስድራቤት እያ ቢሎም፣ ስድራቤት “ቤት ትምህርቲ ዓሚቝ ሰብኣውነት እያ . . . ከምኡ’ውን ናይ መጀመርታ ክብርታት ፍቕርን ሕውነትን፡ ሓድነትን ምክፋልን፡ ሓልዮትን ርህራሄን ንኻልኦት ዝንብረላን ዝመሓላለፈላን ቦታ እያ፣” . . . ኣባይቲ ስድራ ንኣባላቱን ብፍላይ ድማ ነቶም ብሕብረተሰብ ዕሽሽ ክበሃሉ ወይ ከም ጾር ክረኣዩ ዝኽእሉ፣ ኣብ ምውህሃድን ምክንኻንን ወሳኒ ተራ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም፣ ሓደ እኳ ከይርሳዕን ድሕሪት ከይሕደግን ሓያል ኣብነት ምትሕግጋዝን ምትእትታውዋትን ዝረጋገጸላ መሰረት ሕብረተሰብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ "ስድራ ከም መሰረታዊ ጉጅላዊ ኣሃዱ ሕብረተሰብ መጠን፡ ካብ ሕብረተሰብን መንግስትን ግቡእ ክብሪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዋ . . . ቅድስቲ መንበር ሃገራት ንህይወት ስድራቤት ከሰጉማን ከኽብራን ከምኡ’ውን ንስድራቤት ንምቛም ዝሓሸ ኩነታት ከዕብያ ትላቦ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ማሕበራዊ ምትእትታውን ወፍርን ኣብ ውሁድ ልምዓት
ኩሎም ውልቀሰባት ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ህይወት ዕድላት፡ ጸጋታትን ተሳትፎን ከም ዘለዎም ምርግጋጽ፡ ማሕበራዊ ምትእትታው ክብርን ምክብባርን የዕቢ፡ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ጽቡቕ ሂወት ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን የስፍሕ . . . እንክብሉ ዘስተብሃሉ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ “ምትሕግጋዝ ዝረጋገጽ ንኹሎም ኣባላት ሰብኣዊ ስድራ ብዘጠቓለለ ደረጃ ጥራይ እዩ፣” ቢሎም፣ "እቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ መሰረታዊ ድሌታቶም ንምምላእ ዝቃለሱ፣ ንሓደ እኳ ዘይንጽል ምሉእ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ከም ዘየለ ዘረጋግጽ እዩ . . . ከም ኣረጋውያን፡ ዘይተወልዱን ስንኩላንን ዝኣመሰሉ ተቓላዕቲ፡ በቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ጓሓፋይ ባህሊ መሰረት ከም ዝግለሉ ኣነጺሮም፣ ዘይንጽል ሓቛፊ ማሕበረሰብ ንምቛም፣ ኩሉ ሰብ ዘሰስን ኣብ ኩለንተናዊ ምዕባለ ኩሉ ወዲ ሰብ ወፍሪ ንምግባር ማሕበራዊ ተሳትፎ ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሮም፣ "ድኽነት ንምጥፋእ ውጽኢታዊ መምርሕታት መሰረት እዮም፡ እዚ ድማ ንኹሉ ጽፉፍ ትምህርቲ ምርግጋጽን ኣብ ነንሕድሕድካን ሕብረተሰብን ናይ ሓባር ሓላፍነት ስምዒት ምዕባይን የጠቓልል" እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ማሕበራዊ ምትእስሳር
ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ብሰንኪ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ንሓድሕዳ ዝተኣሳሰረት እኳ እንተኾነት፣ “ብሰንኪ ምትፍናንን ውልትውናን ኣብ መንጎ ዜጋታትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሃገራትን ዝሰፍሕ ዘሎ ምትእምማን ምጥፋእን” እናተበታተነት ትኸይድ ኣላ . . . "ሰባት ኣብ ኩሉ ዓውድታት ሕብረተሰብ፣ ከም ወነንቲ መሰላትን ግቡእነትን ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም፣ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ዝርከቡ መራሕትን ሓንጸጽቲ ሕግታትን መምርሕታትን፣ ታሪኻውን ባህላውን ኵነታት ብግቡእ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ንበርገሳውያን ማሕበራት፡ ምሁራት፡ ውልቃዊ ጽላት፡ ከምኡ’ውን ኣብ እምነት ዝተመርኮሳ ትካላት፡ ንጸገማት ኣብ ምልላይን ምላሽ ንምሃብን ብንጥፈት ዘሳትፍ ክኸውን ይግባእ . . . ነቲ ማሕበራዊ ምትእስሳር ክውን ንኽኸውን ክብርታትን ተራን ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ሕብረተሰብ ክኽበር ኣለዎ ዝብል ኣፍልጦ ዝህብ መትከል መሐገዝታ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሮም፡
"መሐገዝታ"፡ "ንሰባት ካብ ማህሰይቲ ላዕለዎት ሰበ - ስልጣንን ማሕበራዊ ማህሰይትን የዕቍቦም ነዞም ሰበ - ስልጣን እዚኣቶም ከኣ ንውልቀ - ሰባትን ማእከላይ ደረጃ ንዝርከቡ ሓላፍነቶም ንኽፍጽሙ ክሕግዝዎም ይሓትት” እንክሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።