ҽ

FILE PHOTO: Vatican Secretary of State Cardinal Pietro Parolin receives a Distinguished Guest recognition in Mexico City FILE PHOTO: Vatican Secretary of State Cardinal Pietro Parolin receives a Distinguished Guest recognition in Mexico City  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ቅድስቲ መንበር ንጻዕርታት ሰላም ሃገረ ቡርኪኖ ፋሶ ዝገበረቶ ደገፍ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ናብ ቡርኪኖ ፋሶ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ኣብቲ ግብረ-ሽበራውያን ስግኣት ኣብ ዝፈጥሩሉ ዘለዉ ኩነታት፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሰላምን ብልጽግናን ንምምላስ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ጻዕርታት፣ ቅዱስቲ መንበር ከም እትድግፎም ገለጹ። እዚ ብላዕለዋይ ኣካል ቅድስቲ መንበር እተኻየደ ምብጻሕ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝዝከር ዘሎ ኢዮቤል መበል 125 ዓመት ዝኽሪ ስብከተ ወንጌል ንምዝዛም እዩ ዝነበረ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ጐኒ ጐኒ እቲ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ቡርኪና ፋሶ ካፕቴን ኢብራሂም ትሮሬ ዝገብርዎ ርክብ፣ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ምስቲ ንዅሎም ዜጋታት ክቡር ህይወት ንምምጻእ እተገብረ ናይ ምዕባለ ተበግሶታት ምዝማዱ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ። "በቲ ሓደ ሸነኽ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ምውሳድ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ናይ ምዕባለ ስጕምትታት ምውሳድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ" ውን በሉ። "ሰባት ነቲ መሰረታዊ መሰሎም ዝዀነ ምግብን ትምህርትን ጥዕናን ሰላማዊ ህይወትን ከም ዚህልዎም ዝገብር፣ ዝዀነ ይኹን ነገር ንኺረኽቡ ማለት ንህዝቢ ዝበቅዕ ህይወት ንኺረኽቡ ኣገዳሲ እዩ" ክብሉ ውን ተላበዉ።

ትስፉው ረባሓታትን ብድሆታትን

ሃገረ ቫቲካን ኣብታ ሃገረ እትገብሮ ዘላ ደገፍ፣ ንሥነ -ምግባር ኣብ ምድንፋዕን ከምኡውን ንኸም ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዝኣመሰለ ኣድላዪ ኣገልግሎት ዘድሊ ነገራት ብምትሕብባርን፣ ንሕዝቢ ቡርኪና ፋሶ ብዙሕ ረብሓታት ከተወፍየሎም ከም እትኽእል ዘተስፉ ኢዩ። ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ነታ ኣብዚ ኸባቢ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወትን ንጥፈታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ኣብ ዘለዋ ተሳትፎ ንድግፋ ኢና።”

ይኹን እምበር ብፍላይ ወተሃደራዊ ጻዕርታት እዚ ዞባ፣ ነቲ ንምዕባለ ኣብ ዝግበር ተበግሶታት ከም ዘይዕብልል ንምግባር ብድሆታት ይቕጽል ምህላዉ ውን ተገሊጹ ኣሎ።

እተፈላለየ ኣረኣእያ

ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ብዛዕባ እቲ ሃገረ ቫቲካን እተካይዶ ዘላ ተሳትፎ ውን ዝለዎም ሓሳባት ኣካፊሎም ኢዮም ። ገሊኦም ተቐማቶ ከም ፖል ኡየድራኦጎ ዝስሙ መራሕቲ ማሕበረሰብ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዘሎ ኢዩ ዘመልከተ፦ "ቤተ-ክርስትያን ኣብ እዋን ቅልውላው ወትሩ ዓንድን ደገፍ እያ። እዚ ምብጻሕ እዚ ከአ ኣብቲ እንገብሮ ቓልሲ በይንና ከም ዘይኰንና ኢዩ ዘርኢ" ውን በለ።

ብኣንጻሩ ግና ገለ ገለ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ነዊሕ እዋን ዜሕድሮ ጽልዋ እውን ክገልጹ ተረኺቦም  እዮም። "ቃላት ጥራይ ኣይኰነን ዜድልየና” ውን ይብሉ። ፋጡማታ ዲያሎ እትበሃል ተጣባቒት ከምዚ ዝስዕብ ትብል - "መንግስቲ ንዝዀነ ይኹን ደገፍ ናብ ሓቀይና ለውጢ ብምትርጓም ኣብ ባይታ ከም ዝርኣ ክገብር ኣለዎ።”

ምላሽን ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ መጻኢ ዝትግበር ምዕባለታት

እዚ ቅድስቲ መንበር ዘካየደቶ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ነበርቲ እታ ሃገር ብዛዕባ መጻኢ ቡርኪና ፋሶ ምይይጥ ከም ዝለዓዓል ገይሩ እዩ። ብዙሓት ሰባት ውን እዚ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ናብ ተወሳኺ ረድኤትን ዝሓሸ ናይ ድሕንነት ስጕምትን ክመርሖም ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ፦ "እዚ ምብጻሕ እዚ ምልክት ተስፋና እዩ” ውብ ይብሉ። ማሪያም ሳዋዶጎ እትበሃል መምህር ውን ቅኑዕ ደገፍ እንተድኣ ረኺብና ነዚ ብድሆታት እዚ ክንሰግሮ ከም እንኽእል ንኣምን ኢና ትብል።

ንመጻኢ ኣብ ምጥማት መንግስትን ቤተ-ክርስትያንን ነቲ ዝቐረበ ተበግሶታት ኣብ ምትግባር ክሳዕ ክንደይ ብውጽኢታዊ መገዲ ኺተሓባበሩ ኸም ዚኽእሉ እቲ ዘገድስ። እዚ ጻዕርታት እዚ ዘምጽኦ ኣሳልጦ ንህይወት እቶም ብዓመጻ ኻብ መረበቶም እተመዛበሉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሕዝብታት ቡርኪና ፋሶ ኣወንታዊ ጽልዋ ከሕድረሎም ይኽእል ኢዩ።

ቡርኪና ፋሶ ናብ ሰላም ገጻ ኣብ እትጕዓዘሎ ዘላ የዒንቲ ዓለም ኪርእያ እየን ። ሃገረ ቫቲካን ንዕቤትን ድሕንነትን እታ ሃገር ንምድጋፍ ዝገበረቶ ቘራጽነት ድማ ንመጻኢ ናይዚ ተጻዋርነት ዘለዎ ማሕበረሰብ ኣብ ምህናጽ ወሳኒ ግደ ኣለዋ ።

20 Feb 2025, 14:51