ҽ

ቅድስቲ መንበር ጻውዒት ሰላም ኣብ ዲ.ሪ.ኮ. ቅድስቲ መንበር ጻውዒት ሰላም ኣብ ዲ.ሪ.ኮ.  (ANSA)

ቅድስቲ መንበር ጻውዒት ሰላም ኣብ ዲ.ሪ.ኮ.

ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝተኻየደ መበል 37 ፍሉይ ጉባኤ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ኣብቲ ኣህጉራዊ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባለስትረሮ፡ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንሰላማውያን ሰባት ምክልኻል ከም ዘድሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት የቃልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓመጽቲ ኤም - 23 ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ጒናት “ዓሚቝ ስክፍታ” ቅድስቲ መንበር ዝሓበሩ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ፣ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብልን ሰላማዊ ህዝቢ ክሕሎን ጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ደጊማ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቶም ብሩዋንዳ ዝድገፉ ዓመጽቲ ዘበገስዎ በርቃዊ መጥቓዕቲ ብዙሓት ክፋላት እታ ሃገር ክቆጻጸሩ የብቆዖም ከም ዘሎን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣውራጃ ሰሜን ኪቩ ዝርከብ ብጸጋታት ተፈጥሮ ዝተዓደለ ዞባ ዝገብርዎ ዘለዉ ምቁጽጻር ይሰፍሑ ከም ዘሎ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ኤም - 23 ነታ ዝዓበየት ከተማ ምብራቕ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ጎማ ሒዞም፡ ዋላ እኳ ብሓደ ወገን ተኹሲ ደው ምባል ዝተቐበሎ ይኹን፡ ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኪቩ ቡካቩ ገጾም ይምርሹ ከም ዘለዉ እዩ ዝንገር።

ዘሕዝን ክሳራ ህይወትን ኣሰካፊ ወሰኽ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን

ኣብ መበል 37 ፍሉይ ኣኼባ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት መደረ ዘስምዑ ሊቀ ጳጳስ ኤቶረ ባለስትረሮ፣ ቅድስቲ መንበር “ብዙሕ ዘሕዝን ክሳራ ህይወት ዘስዓበ፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጥረላ ዘሎ ስክፍታ ይዛይድ ከም ዘሎን” ከምኡ’ውን “ብተደጋጋሚ ኣብቲ ዞባ ዝርአ ግጭት ምኽንያት እቲ ድኻ ህዝቢ ንኽመዛበል ይድርኽ ምህላውን ገሊጾም፣ ነቲ መጥቓዕቲ ከም ዝኾነኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ኣብቲ ዕለት 7 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፣ እቶም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣባላት ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም እውን ሞትን ማህሰይትን የጋጥሞም ከም ዘሎ ገሊጾም፣ እዚ እውን ዘሕዝን ምዃኑ ብምዝኽካር፣ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምዝሓል፡ እንተወሓደ ንኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዛትን ንምውጻእ እቶም ኣዝዮም ዝተጎድኡን ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ፣ ዕጡቓት ሓይሊ ኤም - 23 ነታ ከተማ ካብ ዝሕዛ ንደሓር ተዓጽዩ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ጎማ ብቕልጡፍ ክኽፈት ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድጋፍ ቅድስቲ መንበር “ንመስርሕ ሰላም ሉዋንዳ"

ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ ቅድስቲ መንበር ንኣባይቲ ስድራ እቶም ኣብቲ ውግእ ዝሞቱ ቅርበትን ሓገዝን ኣረጋጊጾም፣ ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዘለዎም ግዴታታት ከኽብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ነቲ ተቛሪጹ ዘሎ መስርሕ ሰላም ሉዋንዳ (ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ሩዋንዳን ዲ.ሪ.ሲን ዝነበረ ወጥሪ ንምህዳእ ዝተጀመረ) ደገፍ ቅድስቲ መንበር ኣረጋጊጾም፣ “ኣብ ውሽጢ’ቲ ማዕቀፍ’ቲ ዘተ ብቕልጡፍ ዳግማይ ክጅመር” ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ብተወሳኺ ቅድስቲ መንበር ኣብ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ኩነታት ዝምርምር ናጻ ልኡኽ ኣካል ክቐውም ዝቕረበ ሓሳብ ብሓጎስ ከምእትቕበሎ እውን ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ግዝኣታዊ ሓድነት ዲ.ሪ.ኮ ምሉእ ብምሉእ ክኽበር ኣለዎ

ኣብ መደምደምታ ሊቀ ጳጳስ ባሌስትረሮ፡ ዓማጽያን ኤም - 23 ካብቲ ዝተጎበጠ ዞባታት ክወጽእ ኣተሓሳሲቦም፡ “ግዝኣታዊ ሓድነት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ምሉእ ብምሉእ ክኽበር ኣለዎ” እንክብሉ ደጊሞም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ኣብ ታንዛንያ ዝተኻየደ ዋዕላ

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ዞባታት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት፡ ከምኡ’ውን ንምቁጽጻር ማዕድናዊ ጸጋታት ኮንጎ ዓሚቱ ዝተበገሰ ቅልዋል ንምፍታሕ፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዳረስ - ሰላም ከም እተራኸቡ ኣዘካኺሩ፣

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብዛዕባ ኩነታት ዲ.ሪ.ኮ.

ኣብቲ ግጭት ክሳብ ሕጂ ዳርጋ 3 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ሰራሕተይናታት ጥዕና ሬሳታት ንምቕባር ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ከም ዝርከቡን ኣብ ጎማ ኣባይቲ ሕክምና ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝከኣል ኩሉ ይግበር ከም ዘሎን ኣኽበርቲ ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ነቲ ምፍሳስ ደም ብቐረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉን፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ዓመጽ፡ ብጉጅለ ዓመጽቲ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዝገልጽ ጸብጻባት ይቐርብ ምህላዉ ብወግዒ ከም ዝሓበረ ኣፍሊጡ።

10 Feb 2025, 17:19