ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ንመሪር ሰባዊ ፍጻሜታት ብህድኣትን ትዕግስትን ምምልካት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብጹዕነቶም ኣብ ሰዝምዕዎ ስብከት፡ ደያኑ ቫቲካን ኣብ ኣገልግሎቶም፡ ካብ ንቕሓት ዝውለድ ትዕግስትን ርህራሄን ክህልዎም ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡ ፍርዳዊ ኣካል፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣገልግሎት ንሓቂ እዩ፡ ንዝለዓለ ሰናይ ብዝብል ዕላማ ዝምራሕ፡ ንነፍሳት ዝወሃብ ኣገልግሎት እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ፍርዳዊ ኣገልግሎት "ኣገልግሎት ሓቂ" እዩ
ካርዲናል ፓሮሊን “ትዕግስቲ” ኣብ ዝብል ኣምር ኣተኲይሮም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ . . . “ትዕግስትን ርህራሄን ናይ ሓደ ሳንቲም ገጻት እያቶም” ቢሎም፡ እምበኣር፡ “እቲ ፍርዳዊ ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣገልግሎት ሓቂ ምዃኑ ኣዘካኺሮም፡ ሓደ ሰብ ክበጽሖ ተስፋ ዝገብረሉ፡ ዝለዓለ ሰናይ ብዝብል ዕላማ ዝምራሕ፡ ንነፍሳት ዝወሃብ ኣገልግሎት ምዃኑ ካብ ምፍላጥ ዝውለድ፡ ነቲ ክንፈርዶ ዝተጸዋዕና ዘይፍጽምና ካልኦት ርህሩህ ምርዳእ” ዝብልን፡ “ብዙሕ ግዜ፡ ምስ ናትና ዘይመሳሰልን፡ ኩሉ ግዜ ካብ ዝኾነ ጽልኢ፡ ወገናውነት፡ ውልቃውነት ወይ ቅድመ ፍርዳዊ ኣተሓሳስባን መርገጽን ምርሓቅ” ዝብል ምዃኑ ኣረዲኦም፡ . . . “ንሕና ነዚ ዕብየት እዚ ትሕትና ዝመልኦ ምትሕብባር ከነቕርብ ንኽእል ኢና፣ ንተግባር እቲ ኣብ ልብና ዝነብር መንፈስ ቅዱስ ክፉታት ክንከውን፣ ዕንቅፋታት ከነወግድ፣ ኣምላኽ ለይትን መዓልትን ኣባና ከም ዝሰርሕ ኣብ ዝተረጋገጸ እምነት ክንነብር ንኽእል ኢና።”
እቲ ዘዋርድ ግራጭነት ዘይምግዳስ
"ታሪኽ መንግስቲ ኣምላኽ ብውድቀትና ክምዘን ኣይክእልን እዩ፡ ዋላ'ውን ሓላፍነትናን ቅኑዕ ተወፋይነትናን ኣብ ሕቶ ዝኣትው እውን እንተኾነ፡ በቲ ብሕቡእ ኣብ ነፍሳት ዝሰርሕ መለኮታዊ ጸጋ እንተዘይተሰኒና፣ ዕላማና ቅኑዕን ንጹርን እንተዘይኮይኑ፡ ስንፍናና ንመገዲ መንግስቲ ኣምላኽ ክዕንቅፍን ጭንቀትና እውን ከቀላጥፎን ኣይክልን እዩ፡ . . . ቤተ ክርስቲያን፡ “እዛ መንግስቲ ኣምላኽ እዚኣ ኣብ ድሙቕን ርጉእን መዓልታትን ኣብ ጸልማት ለይትታት ስደትን ወይ ኣብቲ ዘዋርድ ግራጭ ዘይምግዳስ ከም እትዓቢ ኣጸቢቓ ትፈልጥ እያ” እንክብሉ የዘኻኽሩ።
"ለባም" ቃላት ናይ ሕጊ ክኢላ ካላማንድረይ
ካርዲናል ፓሮሊን ደጊሞም፥ “ህድኣትን ትዕግስትን” ዝብሉ፥ ኣድለይቲ ጽቡቕ ባህርያት ምልስ ቢሎም ብምሕሳብ . . . ብቕዋማዊ ደረጃ ማለት ምስቲ “መዓልታዊ ኣገልግሎት ቤት ፍርዲ ቤተ ክስቲያን ዝተታሓዘ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ዳይና ሕያዋይ መታን ክኸውን፡ በዚ መንጽር ሓደ ዓቢ ዓለማዊ ዳይና ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝነበረ ፒየር ካላማንድሪያ፥ ንቤተ ንዓቕለሲያውያን ዳያኑ እውን ዝምልከት ኮይኑ ዝስምዓኒ፥ "ዳይና ዓሚቝ ናይ ሕጊ ምሁር ክኸውን ኣይግደድን፣ ናይ ክልሰ ሓሳብ ሕግታት ሊቕ ክኸውን ኣይሕተትን፡ ኣንታይ ደኣ ልቦናን ሰብኣዊ ተመክሮን ዘለዎ እሞ ነቲ ጭብጥታት ብትግሃትን ብምስትውዓልን ብኸመይ ከም ዚሃንጾ ዚፈልጥን ምስቲ ክውንነት ጥብቂ ርክብ ዘለዎን ክኸውን ኣለዎ” ዝበሎ ጠቒሶም ዝልገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።