ҽ

ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ቤሩት፡ ለውጢ ካብ መንእሰያት እዩ ዝጅምር ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ቤሩት፡ ለውጢ ካብ መንእሰያት እዩ ዝጅምር 

ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ቤሩት፡ ለውጢ ካብ መንእሰያት እዩ ዝጅምር

ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብቲ ካብ ዕለት 19 – 23 ለካቲት ኣብ በይሩት ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ቀዳማይ ውዕሎ፣ ኣብ ሊባኖስ ምስ መንእሰያት ክርስትያን ኣብ ተቕዋም መሪሕነት ንሰላምን ዘተን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ህዝቢ ሊባኖስ ብኸቢድ ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣብቲ ዞባ ብቐጻሊ ዝረአ ብግጭትን ውጥረትን ምኽንያት መንእሰይ ወለዶ እታ ሃገር ይስደድ ከም ዘሎን፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ድሮ ካብ ሃገሮም ከም ዝወጹን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዛ ሸውዓተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ሊባኖስ ሰለስተ ሚልዮንን ፈረቓን ስደተይናታት እውን ተአንግድ እያ፡ ሶርያውያን፡ ፍልስጤማውያን፡ ከምኡ’ውን ስራሕ ንኸናድዩ ዝተሰዱ ኣፍሪቃውያንን እሲያውያንን እውን ዝተኣንገዱላ ሃገር ምዃና ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቀጻሊ ውግእ

ብፁዕ ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ - በይርቱ ኣብታ ሃገር ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ቦርጃን ኣብ ሊባኖስ ናይ ከተማ ትሪፖሊ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ዩሴፍ ሱይፍን ኣቀባብላ ከም እተገበረሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሊባኖስ ካብ ናይ 1975 ዓ.ም. ኲናት ሓድሕድ ጀሚራ ወትሩ ኣብ ​​እናተኾላለፈ ኣብ ዝኸይድ ዑደት ውግኣት እትርከብ ሃገር ከም ዝኾነት ይፈለጥ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ቅርበት ንምርግጋጽ

ካርዲናል ቺዘርንይ ኣብቲ ንህዝቢ ሊባኖስ ቅርበት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ንምርግጋጽ ኣብ ዘካየድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት፣ ሊባኖሳዊት ከተማ ትሪፖሊን ናይታ ሃገር ካልኦት ዞባታትን ክበጽሑ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዕለት 20 ለካቲት ንግሆ ኣብ ጉባኤ ካቶሊካውያን ፓትርያርክን ጳጳሳትን ሊባኖስ (APECL) መደረ ከም ዘስምዑን፣ ዕለት 19 ለካቲት ምሸት ኣብ በይሩት ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ቤቻራ ቡትሮስ ራይ ከም ተራኸቡን፣ ኣስዒቦም እውን ምስ መንሰያት ኣባላት ተቕዋም መርሕነት ንሰላምን ዘተን ከም እተራኸቡን ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ጀርመናዊ ኢየሱሳዊ ካህን ካብ 1983 – 2008 ዓ.ም. ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝነበሩ ብፍቓዶም ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ክሰናበቱ ዝቐረብዎ ሕቶ በነዲክቶስ መበል 16 ይኹንታ ምስ ሃቡሉ ናብታ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገላ ሃገር ሊባኖስ ዝተመልሱ ኣባ ፐተር ሃንስ ኮልቨንባኽ ዝተቐብርሉ ስፍራ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ይሕብር።

Photogallery

ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ቤሩት፡ ለውጢ ካብ መንእሰያት እዩ ዝጅምር
21 Feb 2025, 15:56