ҽ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ንሰላም ንኹሉ ዝሓቁፍ ኣቀራርባ የድልየና እዩ’ ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ንሰላም ንኹሉ ዝሓቁፍ ኣቀራርባ የድልየና እዩ’ 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ንሰላም ንኹሉ ዝሓቁፍ ኣቀራርባ የድልየና እዩ’

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን “L’Eco di Bergamo - መቓልሕ ቤርጋሞ” ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት፣ ሰላም ብዘተ ዝረጋገጽ ምዃኑ ዝኣምንን ትብዓት ዘለዎን ‘ብዝሓ ጐናውነት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተስፋ፣ ኣዚዩ ህጹጽ ምዃኑ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣህጉራዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣገዳስነቱን ኣድማዕነቱን ዝሰኣነሉ ኣብ ዝመስለሉ እዋን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፣ ቅድስቲ መንበር ንናይ ኩሉ ሰላም ዝኣመተ ብዝሓ - ጐናውነት ምትእስሳር ዝብል ኣመለኽኽታ ዘለዋ ደገፍ ደጊሞም የረጋግጹ።

መፍትሒ ግርጭታት ብሓደ ወገን ፈጺሙ ክጽዓን የብሉን

"ኩሉ ሰብ ንሰላም ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል'ዩ፡ እንተኾነ ግን መሰላት መላእ ህዝብታት ንምርግጋጽ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ብሓደ ወገን ዝግበር ጸቕጢ ፈጺሙ ፍታሕ ንምምጻእ ዝብል ኣገባብ ክህሉ የብሉን፡ እንተዘይኮይኑ ግን ፍትሓውን ነባርን ሰላም ፈጺሙ ኣይክህሉን እዩ፣” እንክብሉ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣስሚሮም፣ ኣብቲ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ካርዲናል ፓሮሊን ንሓያሎ ተኣፈፍቲ ፖለቲካዊ ስነ ኣቐማምጣ መልክዓ ምድራዊ ጉዳያት ኣልዒሎም፣ ኣብ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ዘጋጥሞ ብድሆታት ዘመንናን፣ ንኣብነት ኣብ ቓዛን ዩክሬንን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝቕየር ዘሎ ኩነታትን ተራ ኤውሮጳ ኣብ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ብድሆታት ዘመንናን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከም ዝሃቡን፣ ሓደ ጐናዊ ኣገባብ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ንኸይምስረት ስለ ዝዓግት፡ ፍታሕ ግርጭታት ብሓደ ወገን ፈጺሙ ጸቕጢ ኮይኑ ዝቐርብ ክኸውን ከም ዘይብሉ የስተብህሉ።

ንቕድስቲ መሬት ናይ ተስፋ ብልጭታ

ብዛዕባ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ግዝያውን ዘይተረጋገጸ ዕርቅን ብጥንቃቐ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፣ "እዚ ፍረታት እዚ ብርግጽ ብስራት ኢዩ ከመይሲ እስራኤላውያን ጅሆታት ናጻ ምውጻኦምን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ወሽመጥ ቓዛ ምእታውን ከምኡውን ስቓይ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ቓዛ መወዳእታ ዝገብር ነባሪ ውግእ ደው ምባል ተስፋ ምግባር ንኽልቲኡ ወገን ብስራት ኢዩ" ኢሎም።

ንሶርያ ንምሕጋዝ ኣህጉራዊ ደገፍ የድሊ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝመጸ ናይ ስርዓት ለውጢ ኣብ ሶርያ ብዝምልከት ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ምርግጋእ ዝምልከት ጉዳይ ዘለዎም ስክፍታኦም ብምግላጽ፡ እታ ሃገር ግዝኣታዊ ሓድነታ ንምዕቃብን ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ እምነት ዝስዕብ ህዝባ ስኒት ​​ዘለዎ ሓባራዊ ህይወት ንምምዕባልን ዝሕግዝ ኣህጉራዊ ደገፍ ከምዘድሊ ኣጽኒዖም ይሕብሩ።

ሓድሕዳዊ ዘይምትእምማንን ፍርሕን ንዘተ ይዕንቅፍ

ብዛዕባ ኣህጉራዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ከም ውግኣት ቓዛን ዩክሬንን ዝኣመሰሉ ዝተሓላለኹ ኩነታት ኣብ ምፍታሕ ዘጋጥሞ ዘሎ ባህርያዊ ጸገማት ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ካርዲናል ፓሮሊን እንክምልሱ፣ ቀንዲ ዕንቅፋት እቲ ውልትውና ዘወዓውን ሃናጺ ዘተ ዝዕንቅፍን ሰፊሕ ሓድሕዳዊ ዘይምትእምማንን ፍርሕን ምዃኑ ኣመልኪቶም። ኣብ ዓለማዊ ፖለቲካ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ‘ቀጽራዊ ኣተሓሳስባ’ - ተዋሳእቲ ካብ ተጻራሪ ኣረኣእያታት እናሃደሙ ምስ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጥራይ ርክብ ይገብሩ - እዚ ዓይነት ኣካይዳ እዚ ድማ ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተ ዘዳኽም ከም ዝኸውን ኣረጋጊጾም፡ እዚ ትርጉም ንዘለዎ ሽምግልናን ፍታሕን ዕድላት ዝድርት እዩ ኢሎም።

ኣድላይነት ብዝሓ - ጐናውነትን ሓድሽ ‘ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተስፋን’

ነዚ ብድሆታት እዚ ንምስጋር ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምይይጥን ትዕግስትን ምትእምማንን ዘተኰረ "ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተስፋ" እንክብሉ ዝገለጽዎ እተፈልየ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ኣቀራርባ ምእማን የድሊ እንክብሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ነቲ ነባሪ ምርዳእን ዕርቅን ቀዳምነት ዝህብን ሰላም ኣብ ምድንፋዕ ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእልን ማዕቅፍ ምቕራብ፣ ካብ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ግጭት ናጻ ንምዃን ዝድርኽ ኣማራጺ ምዃኑ ገሊጾም። . . . "ኣብ 'ብዝሓ ጐናውነት' ምእማን ከምኡውን ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ኣህጉራውያን ትካላት ዝያዳ ውጽኢታውን ተወካልነትን ብዘለወን መገዲ ንኽዓያ ዘኽእለን ግደ ምድልዳል ኣድላዪ እዩ” ኢሎም።

ካርዲናል ፓሮሊን፣ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቃላት ብምቅላሕ፣ ሰላም ትብዓትን ፍትሕን ይቕሬታን ከም ዝሓትት ኣስሚሮም፣ እዚኦም ሰለስተ ክብርታት፣ ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ዝጎደሉ ከም ዝመስሉ ኣስተብሂሎም። “ሎሚ ናይ ዘተ ትብዓት መብዛሕትኡ ግዜ ድኽመት ተባሂሉ ይግለጽ፣ ስለዚ ድማ ወተሃደራዊ ሓይልን ሰልፍታት ሓይልን ከም መጋበርያ መፍትሒ ግጭት ፍሉይ ዕድል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ . . . ሰላም ኣብ ፍትሒ ኣብ ይቕሬታ ​​ክህነጽ ኣለዎ፣ “ብዘይ ፍትሓዊ ስርዓት ሓቀይና ሰላም ክህሉ ዘይከኣል እዩ” ይብሉ።

“ትብዓትን ፍትሕን ይቕሬታን ከም ብሓድሽ መሰረታዊ ክብርታት ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ሓቀይና መንገዲ ሰላም ክትጅምር ዝከኣል።”

ኤውሮጳ ራእይ የድልያ

ምስ በሉ፣ ተራ ኤውሮጳ ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣቃሊቦም፣ ህሉው ብድሆታት እታ ኣህጉር፡ ኣብ ቅዋም ኤውሮጳ ንክርስትያናዊ ውርሻ ኣፍልጦ ዘይምሃባ፣ መንነትን ሓድነትን ኤውሮጳውያን ንኽዳኸም ኣበርክቶ ይገብር። ኤውሮጳ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዓለማዊ ኵነታት ድምጽን ተራን ዘለዋ ኮይና ክትቅጽል፡ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ፡ ር.ሊ.ጳ.  ፍራንቸስኮ ዘቃልሕዎ፡ ናብቲ ሓደ እዋን ሓይላን ራእይን ዝሃባ ታሪኻውን ባህላውን ሱር ክትምለስ ኣለዋ ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራቸስኮ ዘቃልሕዎ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰይንት ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ጻውዒት ሎሚ እውን ጠቓሚ ኢዩ ኣብ መድረኽ ዓለም ኣገዳሲ ግደ ክህልወና እንተድኣ ደሊና። ኣዚ ኸኣ ንቕድሚት ዘሰጒመና መገዲ ኢዩ"

እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Feb 2025, 15:25