ҽ

2025.02.07 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ‘ናይ ሰላም ትብዓት ክህልወና ኣለዎ’ 2025.02.07 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ‘ናይ ሰላም ትብዓት ክህልወና ኣለዎ’ 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ‘ናይ ሰላም ትብዓት ክህልወና ኣለዎ’

ኣብ ሮማ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ምኽንያት ኣብ ዝተዳለወ ዕለት 7 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ሰላም ኣብ ፍትሕን ፍቕርን - ግብረ ሰናይን ዝተመርኮሰ ስርዓት ንምህናጽ፡ ናይ ሓባር ቤትና ምሕላው፡ ከምኡ’ውን ናይ ሓባር ረብሓ ንምድንፋዕ ዝድርኽ ትብዓት ዝጠልብ ምዃኑ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ትብዓት ሰላም “ኣብዚ ሎሚ እንነብሮ ዘለና ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኩነታት ኣብ ምድላይ ተኹሲ ደው ምባልን ንሰላማዊ ህዝቢ ንምሕላው ስጉምትታት ምውሳድን ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር፣ "ዓመጽ ቅድሚ ምፍንጃሩ ምንቅስቓስ ከም ዝከኣል ምእማን፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ግርጭታት ዘሎ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ስነ - መጎት ምንጻግ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ምትሕግጋዝን ሕውነትን ንምህናጽ ምጽዓር፡ ተጻብኦታት ንምብዳህ ሓይሊ ኣእምሮን ቆራጽነትን ምጥቃም፣" ከምኡ'ውን "ምስ ሰባት ንሓቀይናን ነባርን ዕርቂ ምስራሕ" ማለት እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሰነ 2014 ዓ.ም ምስ ርእሰ ብሔር እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ሰላም ንምዕዋት ትብዓት የድሊ ዝብል ቃሎም ኣማእኪሎም ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ክውንነት ዝመጽእ ለውጢ ኣጒሊሖም፣ "ሎሚ ዘሎ ሰላም ድሕሪ ደጊም ከም ንቡር ክውሰድ ከምዘይክእል" ከምኡ'ውን "ማሕበረሰብ ዓለምን ትካላቱን ኣብ መንጎ ሃገራት ምትእምማን ንምዕቃብ ኣብ ዘለዎም ዓቕሚ ናይ ምጥርጣር ዝምባለ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝተፈላለየ ባህሪ ዘመናዊ ግርጭታት

ብፍላይ ኣብ ባህሪ ዘመናዊ ግጭታት ኣተኲይሮም፣ ሰላም ግጭታት ዘይምህላው ናብ ዝብል ኣምር ይንቆልቁል ምህላዉ ኣዘኻኺሮም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎም ዘመናዊ ግጭታት "ኩለ መዳያዊ ኣቀራርባ ድሕነት" ይሓትት። "መግቢ፡ ከባብያዊ፡ ጥዕናን ቁጠባዊ ድሕነትን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።”

"ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሰላም ኣብ ፍትሕን ግብረ ሰናይን ዝተመርኮሰ ስርዓት ምህናጽ ይጠልብ። ውጽኢት ምትሕግጋዝ፡ ምሕላው ናይ ሓባር ቤትና፡ ከምኡ'ውን ናይ ሓባር ረብሓ ምድንፋዕን እዩ።"

ኣብ ርእሲ’ቲ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ምድላይ ሰላም፡ እንታይነት ግርጭታት ኣብ ግምት ዝኣቱ ምዃኑን ኣስሚሮም፣ . . . "ኪኖ ቀጥታዊ ልሙድ ውግኣት፡ ሎሚ ውክልና ውግኣት፡ ውግኣት ሓድሕድ፡ ድቀ - ውግኣት፡ ዝተዓቖረ ኣብ ሓደ እዋን ክባራዕ ዝክል ዝተናውሐን ግጭታት፡ ናብ ስግረ - ሃገራዊ ግጭታት ክቕየሩ ዝኽእሉ ውግኣት ንዕዘብ ኣለና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋርን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምጥቃምን

ሳልሳይ መዳይ ናይ ዘመናዊ ግጭታት፣ ምጥቃም ሓደስቲ ዓይነታት ኣጽዋር እዩ፣ ስለዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ኣጽዋር እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ብፍላይ ብዙሓት ሃገራት ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር ዝውንና ኮይነን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ይጥቀማ። እዚ ምዕቡል ዕደ ጥበባዊ ስርዓታት ምጥቃም "ከቢድ ስነ -ምግባራዊ ስክፍታታት የለዓዕል" እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብልሕን ሰብኣዊ ብልሕን ዘሎ ርክብ ዝምልከት ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ብምዝካር፣ "ቀተልቲ ርእሰ -ምምሕዳር ስርዓታት ዝኽተል ሰብ ኣልቦ ኣጽዋር ብግዲኡ ንኲናት ዝያዳ 'ተፈጻሚ' ዝገብሮ ስግኣት ዝዓቖረ እዩ እንክብሉ የጠንቅቑ።

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣስዒቦም፥ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ንብዙሓት ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ክጎድእ ዝኽእል ኣዕናዊ ሓይሊ፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ኣካላት ዘተ፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምትእምማን ንምፍጣርን ናብ ዓለምለኻዊ ወተሃደራዊ ምትእስሳር ክንስጉም ዘኽእለና እኩብ ሕግታት ንምፍጣርን ብቕልጡፍ ክንሰርሕ ቆራጽነት ክንገርብ ዕቱብ መተሓሳሰቢ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ሓድሽ ኣቀራርባ የድሊ

ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘመልክቶ፣ "ፍጹም ሓድሽ መንፈስን ሓድሽ ኣቀራርባ ጉዳይ ጸጥታን" ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፣ እዚ ኣገባብ እዚ ብቐንዱ ዘይጎነጻዊ ክኸውን ኣለዎ፣ "ኣብ ዘመናዊ ግዜ ንኲናት ከም ዘተኣማምን መሳርሒ ፍታሕ ኣህጉራዊ ዘይምርድዳእ ገይርካ ንምጥቃም ዝግበር ጻዕርታት ዘይጎነጻውነት ሓለፋ ዝብል እዩ።

ኣብ ማእከላይ ዘመን ከይተረፈ፡ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ንዘይጎነጻዊ ኣምር ተጣበቕቲ ከም ዝነበረት ኣዘኻኺሮም፡ ከምኡ'ውን ናይ ዘመንና ር.ሊ. ጳጳሳት፣ "ንውግእ፡ ንዝኾነ ዓይነት ውግእ፡ ዋላ'ውን ኪኖ እቲ 'ፍትሓዊ ውግእ' ዝብል ኣምር መሰረት ዝገበረ፡ ብቅዱስ ኣውጉስጢኖስን ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖን ግብረ ገባዊ ተቐባልነት ኣለዎ ዝብል ኣምር ብትሪ ኮኒኖምዎ እዮም" እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምኽባር

ካልኣይ፡ እዚ "ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ መንፈስ" ኣብ ምሕሳብ ኲናት፣ "ኣብ መንጎ ተጻብኦታት ክብርን ቅንዕናን ደቂ ሰባት ንምሕላው ዝዓለመ ሕጋዊ ቅርጺ ምትእስሳር ብዕቱብ ምፍታሽ ይሓትት፣" ማለት "ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዘኽብር ምዃኑ . . . ዓይነት ግጭት ብዘየገድስ፡ ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ ማእከል ተጻብኦታት፡ ግቡእ ቦታኡ ክሕሉ ኣገዳሲ እዩ። ብርግጽ ሰላማውያን ሰባትን ተዋጋእትን በቲ ህዝባዊ ሕልና ዝእዝዝ ሕጊ ተደሪኾም ሰብኣዊ መትከላት ክሕለዉ ኣለዎም” እንክብሉ ኣነጺሮም፣ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ "ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታትን ናይ ቀረባ ግጭታትን፣ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ መብዛሕትኡ ግዜ ሸለል ተባሂሉ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኮነ ኢልካ ዝገሃስ እዩ ዝመልስ" ብምባል ጓሂኦም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ምውሳኽ ግፍዒታት'ውን ኣካል ናይቲ ኣብ ብዙሓት ዞባታት ግጭት ዝፍጸም ዓመጽ ንእሽቶይ ንምግባር ዝኸይድ ዘሎ ዝንባለ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ሰብኣዊ መሰላትን ንኣካይዳ ኲናትን ዝምልከት ሕግታት ምግሃስ ኣዝዩ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ስለዘሎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ዘይተርፍ ኣጋጣሚ እውን ተገይሮ ዝረኣ ምዃኑ" ኣጒሊሖም፣ ይኹን እምበር "እዚ ሕጋዊ ቅርጺ ሰብኣዊ ሕጊ እንተዘይተኸቢሩ፡ ሓቀይናን ነባርን ሰላም፡ 'ፍትሓዊ' ሰላም'ውን ክህሉ ዘይከኣል እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ትርጉም ክብሪ ወዲ ሰብ ምድላይን ዳግማይ ምርካብን እዩ።

መትከላት ሰብኣዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ክውንነት ዝመጽእ ለውጢ ብፍላይ ድማ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝተሓላለኸ ግርጭታት ምፍላጥ እውን ከምዘድሊ ገሊጾም፣ እዞም ግጭታት እዚኦም፡ ብሓቂ "ናይ ግድን ተዋሳእቲ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነስ ዕጡቓት ጉጅለታትን ናይ ብሕቲ ምልሻታትን'ውን ዘጠቓልል'ዩ።" ብሓደ ወገን "ነዚ ሕጋዊ ቅርጽን ብኸመይ ከም ዝትግበርን ምትዕርራይ ኣድላዪ እዩ"፡ በቲ ካልእ ወገን ግን "እዚ ጥራይ እኹል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ብውልቅን ብሓባርን ንኹሉ ጭቡጥ ተግባራትና ክመርሑ ዘለዎም መሰረታዊ ስነ - ምግባራዊ መትከላት እውን ዳግማይ ክንዕወቶም ስለዘለና፡ ዋላ'ውን ኣብቲ ሓደ ሓደ ግዜ ንምልላይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ኩነታት ከይተረፈ . . . ትርጉም ሰብኣዊ ክብርን ንሰብኣዊ ማሕበረሰብና ዝድግፉን ኪኖ ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ ወይ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ዘራኽቡናን ግብረ ገባዊ መትከላትን ምድላይን ዳግማይ ምርካብን፡ ንዕኡ ምጽናዕን ትብዓት ዝሓትት እዩ፡ እዚ'ውን ሓቀይና ሰላም ንምህናጽን ስኒት ዘለዎ ኣህጉራዊ ስርዓት ንምፍጣርን ቅድመ ኩነት እዩ" ክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

10 Feb 2025, 17:22