ሓዋርያዊ ዑደት ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ናይ ሃገረ ቫቲካን ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር፡ ክሳብ ዕለት 28 ጥሪ ዝቕጽል ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት፡ ዕለት 26 ጥሪ ከም ዝጀመሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ኮርሲካ ዝተወልደ ክርስትያን ሰማዕት ሓላዊ ቅዱስ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ቅዱስ ደቮታ ንምዝካር ኣብ ዝካየድ መንፈሳዊ መደባትን ስርዓተ ቅዳሴን ንኽሕባሩ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብመሰረት መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ሰንበት ዕለት 26 ጥሪ ምስ ልዑል ኣልበርት ዳግማዊ ኣብ ቤተ መንግስቲ ግሪማልዲ ከም እተራኸቡ የመላኽት።
ብጹዕነቶም ድሕሪ እቲ ምስ ልዑል ኣልበርት ዳግማዊ ዘካየድዎ ርክብ፡ ምስ ንጉሳዊ ስድራቤትን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ሓቢሮም፡ ኣብቲ ንዝኽሪ ሓላዊ ቅዱስ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ቅዱስ ደቮታ ዝተኻየደ ዑደት ከም እተሳተፉን፡ ሶኑይ ዕለት 27 ጥሪ ኣብ ካቴድራል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም፡ ንዝኽሪ ቅዱስ ደቮታ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብታ ሃገር ምስ ዘገልግሉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣባላት ውሉደ ክህነትን፡ ኣብ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።