ҽ

The Holy See Secretary of State Cardinal Pietro Parolin visits Serbia The Holy See Secretary of State Cardinal Pietro Parolin visits Serbia  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ሓውርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተራኺቦም

ካብ ቅድስ መንበር እተላእከ መግለጺ ከም ዘመልከቶ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ምስ ተወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ከተማ ኦማን ኣኼባ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ፣ ኣብኡ ድማ "ኣብ ኵሉ ግንባራት" ተዅሲ ደው ንምባልን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንምስፋንን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቲ ብዕለት 13 ጥሪ ምስቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ርእሲ ኸተማ ዮርዳኖስ ዝዀነት ከተማ ኦማን ምስ ሓዋርያውያን ልኡካን ቅድስቲ መንበር  ንዝተገብረ ኣኼባ መሪሖም። ዝሓለፈ ዓርቢ ድማ ሓዳስ ቤተ-ክርስትያን ደብረ ምጥማቅ ኣብ ገማግም ፈለግ ዮርዳኖስ ሥርዓተ ቡራኬ ቤተክርስቲያን መርሖም።

ብመሰረት እቲ ትማሊ ሰኑይ ምሸት ካብ ቤት ጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልከቶ ኣብቲ ኣኼባ ምስቶም ካብ ንግስነት ባህረይ፡ ሪፓብሊክ ዓረብ ግብጺ፡ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ኢማሬት፡ ሓሻማዊ ንግስነት ዮርዳኖስ፡ እስላም ሪፓብሊክ ኢራን፡ ሪፓብሊካዊ ሃገረ ዒራቕ፡ ሃገረ እስራኤል፡ ሃገረ ኩዌት፡ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሊባኖስ፡ ሱልታናት ኦማን፡ ሃገረ ፍልስጥኤም፡ ሃገረ ቀጠር፡ ሪፓብሊካዊት ዓረብ ሶርያን ከምኡውን ሪፓብሊካዊት ሃገረ የመንን ምስ ዝመጹ ተወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተራኺቦም  ።

ድሕሪ ቡራኬ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዮርዳኖስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ እተኻየደ ቃለ-መሕትት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሶርያ ምስ ምርጫ ሓዲስ ርእሰ ብሔር ኣወንታዊ ምዕባለታት ክህሉ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።

ተስፋ ማእከላ ምብራቕ ከም "ምድሪ ሰላም"

ብዛዕባ እቲ ዝተኻይደ ኣኼባ እቲ ዝወጸ መግለሲ ከምዚ ይብል - "ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዞባ ዘጋጥም ዘሎ ቀጻሊ ቅልውላው ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘሎ ፖለቲካውን ዘይንጹርን ኵነታት ኣብ ገሊኡ ቦታታት ምልክት ተስፋ ከም ዘሎን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብግጭታት ኣጸቢቑ ዝተጸልወ ህዝቢ ዝትንክፍ ከቢድ ናይ ግብረ - ሰናይ ኵነታት ውን ተመያዪጦም።"

እቲ መግለጺ ቐጺሉ ከምዚ ይብል - "እቲ ኣብ ኵሉ ግንባራት ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት ደው ምባል ድሕሪ ሓጺር እዋን ክውን ክኸውንን፣ ማእከላይ ምብራቕ ከኣ ምድሪ ሰላም ክኸውን ተስፋ ንገብር፣ ኣብኡ ኸኣ ክርስትያን ምእመናን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ሓድነት ንምምስራት ከምኡውን ንዕቤት ሃገራቶም ኣገደስቲ ኣካልት ዀይኖም ክቕጽሉ ኢዮም።"

ናይ መስመር ተሌፎን ዝርርብ ምስቲ ሓድሽ እተመርጸ ርእሰ ብሔር ሊባኖስ

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ምስቲ ብዕለት 9 ጥሪ እተመርጸ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሊባኖስ ጆሴፍ ኣዩን ብናይ ስልኪ መስመር ከም እተዘራረቡ ተገሊጹ ኣሎ።

"ኣብቲ ምሕዝነታዊ ናይ ስልኪ መስመር ዝርርቦም ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሊባኖስ ኮይኑ  ብምምራጹ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሰናይ ምንዮቶም ገለጹሎም፣ ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ውን ኣመልከቱሎም" ክብል ውን እቲ ካብ ቅድስቲ መነብር ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

ብተወሰኺ ድማ "ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ሎሚ ኣቐድም ኣቢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ እተመርጸ ናዋፍ ሳላም ዘተሰምዖም ሓጐስ ውን ገለጹ" ክብል የመላኽት።

14 Jan 2025, 13:02