ሓድሽ ሰነድ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ተኽእሎታትን ሓደጋታትን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሰ.ዝ.ኣ. ዘቕረብዎ መጠንቀቕታት፣ ነዚ “,” (ጥንታዊ ወ ሓዲስ) ዝተሰምየ “መብርሒ ብዛዕባ ርክብ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን፡ ሰብኣዊ ኣስተውዕሎትን” ሓዲስ ሰነድ ኣስተዋጽኦ ገይሩ ኢዩ። እዚ ድማ በቶም ላእለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓልን ከምኡውን ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ብዝገበርዎ ናይ ሕብረት ኣስተንትኖታት ዝተሰናደወ ኢዩ። እዚ ሓድሽ ሰነድ እዚ፡ ብፍላይ ነቶም "እምነት ናይ ምምሕልላፍ ሕድሪ እተዋህቦም ሰባት" ጥራይ ዘይኰነስ፣ ከምኡ ውን "ነቶም ኣብ ስነ-ፍልጠታውን ተክኖሎጅያውን ምዕባለታት ንሰብኣውን ንሓባራውን ጥቕሚ፣ ኣብ ምግልጋል ንዘተኰሩ ሰባት ውን ክኸውን ብዝብል እምነት" [5] ዝተመሓልለፈ ኢዩ።
እዚ ሰነድ እዚ “ጥንታዊ ወሓዲስ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 117 ሕጥበ ጽሑፋት፣ ኣብ ዓውዲ ትምህርትን፡ ቍጠባን፡ ስራሕን፡ ጥዕናን፣ ከምእኡ ውን ኣብ ሰብኣውን ኣህጉራውን ርክባትን ውግኣትን፣ ምዕባለ ሰ.ዝ.ኣ. ዜምጽኦ ብድሆታትን ተኽእሎታት የጕልሕ። ንኣብነት ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል እቲ ሰነድ፣ ሰ.ዝ.ኣ. "ካብ ቍጽጽር ደቅሰብ ንላዕሊ ዝኾነ መሳርሒታት ውʵእ ንምምዕባል፣ ከምኡውን ንሰብኣዊ መሰላት ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘለዎ ውድድር ኣጽዋር ንምቅጻል" ዘለዎ ተኽእሎ ውን የጠንቅቕ።[99]
ሓደጋታትን ዕቤትን
እቲ ሰነድ ከም ዝገልጾ፣ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኼስዕቦ ዚኽእል ሓደጋታት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብዛዕባ እቲ ምስ ሰ.ዝ.ኣ. ተተሓሒዙ ዝኸይድ ምዕባሌታት ውን ብምጥቓስ፣ “ከም ክፍሊ ናይቲ ንሕና ምስ ኣምላኽ እንገብሮ ምትሕብባር” ጌርይሩ ብምቕራብ የተባብዕ። ይኹን እምበር ሰ.ዘ.ኣ. ንዅሉ እቲ ውጽኢታቱ ክትግምቶ ዘይከኣል ዝኾነ ሓድሽ ምህዞታት ንዜምጽኦ ሻቕሎት ግን ኣየወግዶን እዩ ።
ኣብ መንጎ ሰ.ዝ.ኣ.ን ሰብኣዊ ኣስተውዕሎትን ዘሎ ፍልልይ
እተፈላለየ ክፍልታት ናይዚ ሰነድ ነቲ ኣብ መንጎ ሰ.ዝ.ኣ.ን ሰብኣዊ ኣስትውዕሎትን ዘሎ ፍልልያት ዝገልጽ ኢዩ። እዚ ሰነድ እዚ፣ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋዝሚ ዝተዛረብዎ ቃላት ብምጥቃስ፣ "ምስ መወከሲ ሓበሬታታት እና ኣአተሓሓዘ፣ ነታ 'ምስትውዓል' ንእትብል ቃል፡ ኣብዚ ኩነት እዚ ምጥቃም 'ከሰሓሕት ይኽእል ኢዩ' ብምባል የረጋግጽ።. . . ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ከም ሓደ ሰብ ዝሰርሖ፡ ሓደ ዓይነት ኣአስተውዕሎት ደኣ እምበር፣ ከም ሰብኣዊ ኣስተውዕሎት ክርአ የብሉን፣ ከመይሲ፡ ሰ.ዝ.ኣ. ውጽኢት ሰብኣዊ ምስትውዓል ክንዲ ዝኾነ" [35]። "ልክዕ ከም ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ብልሒ ናብ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ኩነታት እውን ኬምርሕ ይኽእል እዩ" [40]። "ሰ.ዝ.ኣ.፡ ሓድሽን ኣገዳስን ዝኾነ ምህዞታት ኬተኣታቱ ይኽእል እዩ" [48]፣ እንተዀነ ግን ከም ኣድልዎ፡ ድኽነት፡ "ዲጂታል ምፍልላይ፡" ከምኡውን ከም ማሕበራዊ ዘይማዕርነት [52] ዝኣመስሉ ኣብ ሓደጋ ወን ከስዕብ ይኽእል እዩ። "ኣብ ልዕሊ እዚውን ኣብ ኢድ ውሑዳን ሓያላት ኩባንያታት ኣብ ዘሎ ቀንዲ መወከሲታት ዘተኰረ ስልጣነ፡ ዓቢ ስነ-ምግባራዊ ሻቕሎት ኢዩ ዘለዓዕል፣ እዚ ኸኣ "ንብሕታዊ ወይ ንንግዳዊ ረብሓታት፡ ወይ ውን ንረብሓ ሓደ ኢንዱስትሪያዊ ተቕዋም ተባሂሉ ንህዝቢ ኣብ ናይ ምምእዛን ሓደጋ" ምዳቕ ዘስዕብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።" [53]
ውʵእ
እዚ "ጥንታዊ ወሓዲስ" ዘርእስቱ ሰነድ፡ ንውʵእ ብዝምልከት "ብዘይ [ናይ ደቂ ሰባት] ቀጥታዊ ጣልቃ ምእታው፡ ንዕላማታት ምልላይን ምውቃዕን" ዘኽእል፣ ርእስኻ ናይ ምክልኻልን ቀታልን ኣጽዋር ብምፍራዩ፣ "ከቢድ ስነ-ምግባራዊ ሻቕሎት" [100] ምዃኑ ውን የጉልሕ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መግለጺታቶም ከም ዘመልከትዎ፣ ንድሕነት መላእ ዞባታት ወይ እውን ንደቅሰብ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ብዚኽእል መገዲ ስጕምቲ ክወስድ ስለ ዚኽእል፣ ኪእገድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ውን ይገልጽ [101] ። እቲ ሰነድ ኣስዒቡ፣ "እዚ ሓደጋታት እዚ፡ ነቲ ኣብ ውʵእ፡ 'ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ንጹሓትን ሰላማውያንን ሰባት ዘውርዶ፣ ክትቆጻጸሮ ዘይከኣል ኣዕናዊ ሓይሊ' ዘለዎ ተክኖሎጂ፣ ንነዊሕ እዋን ዘሻቕል ኩነታት ክንዲ ዝኾነ፣ ረዚን ቈላሕታ ዝሓትት ኢዩ" [101] ይብል።
ሰብኣዊ ርክባት
እቲ ሰነድ ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ርክባት ከም ከምዚ ክብል ይገልጽ፣ "ናብ ጐዳኢ ርእሰ ምግላል" [58] ከምርሕ ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ድማ "ሰብኣዊ ባህሪ ዝተላበሰ ሰ.ዝ.ኣ.(anthropomorphizing AI)" ንዕቤት ቈልዑን ህጻናት ዘጸግም ክንዲ ዝኾነ ኢዩ [60]፣ ከምኡውን ንሰ.ዝ.ኣ.፣ ከም ሰብ ገይርካ ብጌጋ ምቕራብ፣ "ንምትላል ኢልካ" እንተድኣ ተገይሩ፡ "ከቢድ ስነ-ምግባራዊ ምጥሓስ" ኢዩ ዝኸውን። ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ "ኣብ ከም ትምህርቲ ወይ ጾታዊ ርክባት ዝኣመሰለ ካልእ መዳያት ውን፡ ንምትላል ኢልካ ንሰ.ዝ.ኣ. ኣብ ጾታዊ ርክብ ምጥቃም፡ ከም ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባር ጌርካ እዩ ዚርአ፣ ብጥንቃቐ ድማ ቍጽጽር ዘድልዮ ኢዩ"[62]።
ቍጠባን ስራሕን
ኣብ ቍጠባውን ገንዘባውን መዳያት እውን ተመሳሳሊ ጥንቃቐ ኺግበር ኣለዎ። እዚ "ጥንታዊ ወሓዲስ" ዝተሰምየ ሰነድ፣ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ስራሕ፣ "ሰ.ዝ.ኣ.፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት፡ ነቶም ክኢላታትን ሰራሕተኛታት ብሓደ ኤክትሮኒካዊ መሳርሒ ገይሮም ክከታተልዎም፣ ከምኡውን ከቢድን ተደጋጋምን ዕዮታት ከም ዝፍጽሙ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ [67]።
ኣብ ዓውዲ ጥዕና
ብዘይካዚ፡ እዚ ሓድሽ ሰነድ ብዛዕባ ጕዳይ ክንክን ጥዕና እኹል ቦታ ሂቡ ውን ሰፊሕ መግለጺ ዘቕርብ ኢዩ። ኣብ ዓውዲ ሕክምና ኣብ እተፈላለየ መወከሲታት "ዓብዪ ተኽእሎታት" ከም ዘለዎ ብምዝካር፣ ነቲ ምስ ሓካይምንምን ሕሙማንን ዘሎ ርክብ እንተ ደአ ክትክኦ ተረኽቡ፣ "ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕሙማን ክስዕብ ንዝኽእል ጽምዋ ኼጋድዶ" ከም ዚኽእል ውን የጠንቅቕ [73]። ብተወሳኺ "ንሰ.ዝ.ኣ ኣብ ክንክን ጥዕና ምትእትታው፣ ኣብ ርስቲ ዘሎ ጸገማት ክንክን ጥዕና፣ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ንዘሎ ምፍልላያት ዘጋድዶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ"፣ እዚ ኸኣ "ነቶም ቍጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባ ካብቲ ምዕቡል ናይ ምክልኻል መሳርሒታትን ብሕታዊ ሓበሬታ ጥዕናን ክጥቀሙ ኸለዉ፣ ካልኦት ግና መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ክቃለሱ ኢዮም፣ 'ንሃብታማት ጥራይ ዝኸውን መድሃኒት' ከደላድል ውን" ከም ዝኽእል ውን የጠንቅቕ [76]።
ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ
ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፡ እዚ ሰነድ ከም ዘመልክቶ፣ "ሰ.ዝ.ኣ. ተኽእሎታትን ብድሆታትን ውን ኣለዎ " ይብል። ብጥበብ እንተ ደኣ ተጠቒምናሉ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኸመሓይሽን፣ ንተመሃሮ ቅልጡፍ ምላሽ ክህቦምን ይኽእል ኢዩ [80]። ሓደ ሓደ ጸገማት ግን ኣለዎ፣ መብዛሕትኡ መተግበሪታት ሰ.ዝ.ኣ. "ተመሃሮ ባዕሎም መልሲ ንኽረኽቡ ወይ ናይ ገዛእ ርእሶም መልእኽቲ ንኽጽሕፉ ኣብ ክንዲ ዝሕግዞም፣ መልሲ ንምርካብ ናቱ ጽግዕተይናታት" ከም ዝኾኑ ኢዩ ዝገብሮም። እዚ ኸኣ ሚዛናዊ ናይ ምዃንን፣ ናይ ምሕሳብ ክእለትን ከም ዘይህልወካ ኢዩ ዝገብር [82]። እቲ ሰነድ ብተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ገሊኡ መተግበሪታት ሰ.ዝ.ኣ. ከስዕቦ ዝኽእል "ዝተዛብዐ ወይ እተማህዘ ሓበሬታን"፣ ከምኡውን ብዛዕባ "ናይ ሓሶት ዜናታት" ዘለዎ ሓደጋታት ውን የጠንቅቕ።
ናይ ሓሶት ዜናታትን ከበድቲ ሓሶታትን
እዚ ሰነድ ኣስዒቡ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ዜናታት እንክገልጽ፣ "እተመስርሐ ትሕዝቶን፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ኣብ ምምንጫው" [85] ከቢድ ሓደጋ ኸም ዘለዎ የጠንቅቕ፣ እዚ ድማ ንምትላል ወይ ንምጕዳእ ተባሂሉ ምስ ዝጋዋሕ ዝገደደ ኢዩ ዝኸውን [87]። እዚ “ጥንታዊ ወሓድስ” ዘርእስቱ ሰነድ ከምዚ ብምባል ኣትሪሩ ውን ይገልጽ - "እቶም ነቲ ሰ.ዝ.ኣ ኣብ ኵሉ መዳያት ሓብሬታ ዝጥቀሙ ሰባት፣ 'ንደቅሰብ ኣብ ዜዋርድን፡ ጽልእን ዘይተጻዋርነትን ዜተባብዕን፣ ንሰናይን ቅርበትን ደቅሰብ ዜሕስር ወይ ንድኹማትን ተነቀፍትን ኣካላት ሕብረተሰብ ዚምዝምዝ' ቃላትን ምስልታትን ካብ ምክፋል ክቑጠቡ ኣለዎ።"[89]
መሰል ብሑትነትን ምቍጽጻርን
ንመሰል ብሑትነትን ምቍጽጻርን ብዚምልከት ገሊኡ ዓይነት ሓበሬታታት፡ "ንብሕታዊ መንነት ውልቀ-ሰባት፡ ምናልባት እውን ንሕልናኦም" [90] ክሳዕ ምትንካፍ ክበጽሕ ከም ዚኽእልን፣ እዚ ድማ ንኵሉ ነገር "ከም ሓደ ኪምርመርን ክፍተሽን" [92] ከም ዘለዎ ጌሩ ግዳይ ዝገብሮም። ኤለክትሮኒካዊ ምክትታል "ንህይወት ምእመናን ንምቍጽጻርን፡ እምነቶም ንምግላጽን ብዘይ ኣግባብ ክትጥቀመሉ ዘኽእል ውን ኢዩ።" [90]
ሓባራዊት ቤትና
ብዛዕባ ምክንኻን ተፈጥሮ፡ እዚ ሰነድ እዚ ምስቲ “ጥንታዊ ወሓዲስ” ዝብል ኣርእስቱ፣ "ሰ.ዝ.ኣ. ምስ 'ሓባራዊት ቤትና' ዘሎና ርክብ ንኸነመሓይሽ ብዙሕ ዘተኣማምን ምልክታት" [95]ከም ዝለዎ ውን ይገልጽ። "እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ውጥናት ሰ.ዝ.ኣ.፣ ከምኡውን ነዚ ንምድጋፍ ዜድሊ መሳርሒታትን፡ ኣዝዩ ብዙሕ ጸዓትን ማይን የህልኽ ዘሎ ኢዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ናብ ኣየር ዝፍኖ ዘሎ ብከላ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩሉ ኢዩ፣ ኣብ ባህርያዊ ሃብቲ ውን ጸቕጢ ይገብርን ኣሎ" [96]
ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ
ኣብ መወዳእታ እዚ ሰነድ፣ ደቅሰብ "ባሮት ዕዮ ገዛእ ርእሶም" ከይኰኑ የጠንቅቕ [105]። እዚ "ጥንታዊ ወሓዲስ" ዘርእስቱ ሰነድ ብዛዕባ ሰ.ዝ.ኣ. "ንሰብኣዊ ምስትውዓል ዝድግፍ ኣብክንዲ ምዃኑ፣ ከም ሓደ መተካእታ ሰብኣዊ ኣስተውዕሎት ኮይኑ ክውሰድ የብሉን" [112] ክብል ውን ይድምድም።