ҽ

2025.01.28 La Messa dell'arcivescovo Gallagher nel Principato di Monaco 2025.01.28 La Messa dell'arcivescovo Gallagher nel Principato di Monaco  (Terza Loggia)

ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር 'ዲፕሎማሲ ተስፋ ንሰላም ኣገዳሲ መሳርሒ እዩ'

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክባት ምስ መንግስታትን ኣህጉራዊ ውድባትን፣ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ግዝኣት ሞናኮ ኣብ ዝገበርዎ ዘለዉ ምብጻሕ፣ ምስ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን መራሕቲ ሓውርያዊ ጉስነትን ተራኺቦም፣ ውግእን ግጭታትን ብሰንኪ ዘስዕቦ ዘሎ ሞትን ዕንወትን ኪርሳዕ ከም ዘይብሉን፣ ከምኡ ውን ማእከላይ ባሕሪ ናብ መቓብር ስደተኛታት ይቕየር ከም ዘሎ ኣጠንቂቖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር፣ ምስ መንግስታት ዓለምን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝግበር ርክባት ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር፣ ኣብቲ ብቀዳማዊ ልዑል ኣልበርት ካልኣይ ተዓዲሞም ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ግዝኣት ሞናኮ ዘካየድዎ ዘለው ምብጻሕ ምስ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን መራሕቲ ሓዋርያዊ ጉስነትን ተራኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፦ ዓመተ ኢዮቤል 2025ን፡  ናይ ቅድስቲ መንበር ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ሓደ "ተስፋ" ዝብል ሓባራዊ ኣቕዋም ይኽተሉ ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም።

ውግእ ዩክረይንንን ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋርም ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን

ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 27 ጥሪ ንግሆ፣ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ኣብ ካቴድራል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም። ድሕሪ ቐትሪ ድማ ምስ ቤተ ክህነት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ  ብዛዕባ ፍረ ነገር ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ መግለጺ ኣቕሪቦም። ብፁዕነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ከም ዝጠቐስዎ "ቀጻሊ ዝዀነ ውግኣትን፣ እቲ እናኣስፋሕፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት ውግእ ዓለምን እኳ እንተ ሃለወ" እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቅዱስ ዓመት "ነቲ ንብዙሓት ሃገራት ዘሳቕየን ዘሎ ግዝያዊ እከይ፣ መንፈሳዊ ምላሽ ንምሃብ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ" በሉ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅድስቲ መንበር በቲ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታታ ኣቢላ "ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብርሕራሔር ትዕዘቦ ከም ዘላን፣ ብልኡም መንፈስ ኣተኲራ ከም ትጥምቶን፣ ነቲ ኣገዳሲ ነገራት ጽን ትብልን ከምኡውን ኣብ ዩክረይን፡ ማእከላይ ምብራቕን፡ ኮውካሰስን ከምኡ ውን የመን ንዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ንምፍታሕ ሓድሽ ምፍትሒ ዝኸውን ሓሳባት ውን ተቕርብ ኣላ" ክብሉ ገለጹ።

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳን፡ ዞባ ሳህለ ሰሃራን፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ሞዛምቢክን ከምኡውን ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ንዘጋጥም ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመታት ጠቒሶም ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። እዚ ኸባቢታት እዚ ኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ ህጹጽ ጉዳያት ኣከባዊያዊ ኩነታት ኣየርን ከምኡውን ኣብ ገሊኡ መዳያት "ጸገማት ግብረ-ሽበራን" ተኸሲቱ ከም ዘሎ ውን ኣመልከቶም።

ብዘይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ሓቀይና ሰላም የልቦን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዲፕሎማሲ፣ ኣብ ርእሲ እቲ "ንቅልውላውላዋት ንምውጋድ" ዝገብሮ ጻዕሪ፣ ኣብ ከም ሰላም፡ ሕውነት፡ ወገነ ብዝሓዊ ርክባት፡ ሥስነ ኣከባቢ ዑቕባ፡ ስርዓተ ምክትታትል ስደተይናታት፡ ቅኑዕ ቝጠባዊ ፖሊሲታት፡ ብዛዕባ ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ዝሰርሑ ሰባት ዚግበር ቃልሲ ከምኡውን ኣብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓታት ዘረኰረ እዩ። ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መግለጺኦም፣ ንኣገዳስነት "ሃይማኖታዊ ናጽነት ድማ ከም ሓደ ኻብቲ ክቡር ህይወት ንምንባር ኣድላዪ ኮይኑ ዝሕተት ጽኑዕ መርገርጺ ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ፣ ብዘይ ሃይማኖታዊ ነጻነት ኸኣ "ሓቀይና ሰላም ክህነጽሖ ኣይከኣልን" ውን በሉ።

ግዳያት ውግእ ዝዀኑ ሰባት ኣሃዛዊ ጸብጻብ ዘይኰነስ ህይወት ደቅሰባትን እተቖጽየ ጽሕፍቶታትን ኢዮም

ብፁዕነቶም ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዓለምለኻዊ ግጭታት ደው ንምባል ዝገብርዎ ዘለዉ ሓያሎ ምሕጽንታታን ተበግሶታትን ውን ዘከሩ። ኣስዒቦም ድማ ከምዚ ድማ በሉ - "እቲ ኣገዳሲ ነገር እዚ ምሕጽንታት እዚ ብኡንብኡ ውጽኢታዊ እኳ እንተዘኮነ፣ የግዳስ እቶም ግዳያት እዚ ኩነታት እዚ፣ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦን ሓድነትን ከም ዝረኽቡ ብምግባር፣ ውግእን ግጭታትን ከም ዘይርሳዕ ዝገብር ተበግሶ ኢዩ።" ብድሕሪ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ከኣ "ህይወት ሰባትን፡ ዝተቖጽየ ጽሕፍቶ ደቂሰባትን ኣሎ። ውግእ ፈጺሙ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ኣይክእልን ኢዩ፣ ነዚ ግና ስም ምሃቡን፡ ኣቓልቦ ዓለም ናባኡ ገጹ ከም ዘተኩር ምግባርን ግን ንሓጺር እዋን እውን ከይተረፈ ሰብኣዊ ስፍሓት ከም ዝኽህልዎ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።"

ማእከላይ ባሕሪ መቓብር ኪኸውን የብሉን

እዞም ዋና ጸሓፊ ናይቲ ምስ መንግስታት ዝግበር ርክባት ወሲኾም ከም ዝገለጽዎም፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ማእከላይ ባሕሪ ናብ መቓብርና ኸይቅይሮ ንዘቕረብዎ ምሕጽንታ ውን ደጊሞም ኣመልከቱ። ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ኣስዒቦም ነቶም "ካብ ደቅሰባ ማዕጾና ዝዅሕኵሑ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን" ሓንጐፋይ ኢልና ክንቅበሎም ኣሎና ክብሉ ውን ተማሕጸኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ስደተይናታት እዚኣቶም ጥራሕ ኢዶም ዘይኮኑስ ምስኣታቶም "ክእለትን ጕልበትን" ሒዞም ኢዮም ዝመጹና በሉ። ወሲኾም ድማ እንህቦም እንግዶት "ንሕጋጋትን ማሕበራውን ባህላውን ሚዛን ኣብ ምኽባር እተመርኰሰ ክኸውን ኣለዎ"፣ ኣብ ርእሲ እዚውን ምስተን መበቈል ስደተኛታት ዝዀና ሃገራት ምትሕብባር፣ ንዜጋታተን "ከም ናጻን ዕጉባትን ውልቀ-ሰባት መጠን፣ ኣብ ሃገሮም ብኽብሪ ክነብሩ" ከም ዘኽእሎም ገለጹ።

ቅድስቲ መንበር ንሓባራዊ ረብሓ ደኣ እምበር ንውልቃዊ መኽሰብ ኣይተተባብዕን ኢያ

ስለዚ እዞም በዓል መዚ ቅድስቲ መንበር ንሰብኣዊ ኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ብምጥባቕ ኣብ ዘቅረብዎ ጻውዒት፣ "ንዝሓሸ መጻኢ" መገዲ ንምጽራግ ከምዚ ብምባል ኣጕልሑ - "ዝዀነ ይኹን ሰብ ብህይወት ንምንባር ጥራይ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ገበናዊ ስምዒት ክስምዖ የብሉን፣ ዝዀነ ይኹን ብዕድመ ዝደፍአ ወይ ዝሓመመ ሰብ ከኣ ተስፋ ክንፈጎ ወይ ክንጸግ የብሉን።" ኣብዚ ዓውዲ እዚ፣ እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ብምቕጻል፣ እቲ ብተስፋን ምሕረትን ዝልለ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ቅድስቲ መንበር "ናይ ሓድነትን ምትሕግጋዝን መሳርሒ፣ ሓይሊ ስነ-ምግባራዊ ተግባራትን" ከምኡውን "ንሕልና ደቂሰባት ዝመርሕ ኮምፓስ" ክኸውን ኣለዎ። ንጉዳያት ሓባራዊ ረብሓ ንምጥባቕ ብዝብል መርገጺ ተደሪኻ፣ ቅድስቲ መነብር "ንውልቃዊ መኽሰብ ኣብ ክንዲ እትከላኸል፣ ነቲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከተደንፍዕ እያ እትጽዕር" ውን በሉ።

ናይ ወጻኢ ዕዳታት ምስራዝ

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕላማታት ከአ ናብ ከም እኒ "ነተን ዝደኸያ ሃገራት፣ ናይ ወጻኢ ዕዳታትን ንምስራዝ ምድጋፍ፡ ቅኑዕ ሥነ ኣከባቢያዊ መሰጋገሪ ምድንፋዕ፡ ንኹሉ ሰብ ዘማእከለ ምኡእ ሥልጣኔ ምውሓስ፡ ኣህጉራዊ ፖሊሲ ምጕዳል ኣጽዋር ኣብ ምትግባር፡ ከምኡውን ኣብ ዝቕጽሉ ዘለዉ ግጭታት ነባሪ ፍታሕ ምድላይ" ዝኣመሰለ ጭቡጥ ስጕምትታት ክትርጐም ይከኣል ኢዩ።

ባህሊ ሓባራዊ ርኻብት ምድንፋዕ

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ከም ዝገለጽዎ፣ እምኒ መኣዝን እዚ ሜላታት እዚ እዚ ድማ፣ እቲ "ኣብ መንጎ እተባእሱ ወገናት መን ምዃኖምን ብዘየገስ" ዘተን ምቅርራባትን ዜተባብዕ ከምኡ ውን "ነቶም እተሳዕሩ ኸየዋረደ ንሓቀይናን ነባርን ሰላም እምነ መሰረት ዜንብር" ቅልውላው ንምፍታሕ ዚዓዪ፣ "ባህሊ ምርኻብን ምዝታይን" እዩ።

ስለዚ እዞም ዋና ጸሓፊ መንግስታዊ ርክባት፣ ነቲ "ኣብዛ እናሰፍሐት እትኸይድ ዘላ ዓለምና ኣድላዪ ዝዀነ ስልቲ" ምስታ ናይቲ ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ብምትሕብባርን ከምኡውን ኣብቲ ኣርባዕተ ኣዕኑድ "ሓቅን፡ ይቕረታን፡ ናጽነትን፡ ፍትሕን" ተመርኲሱ ዝካየድ "ዲፕሎማሲ ተስፋ" ብምጽዓት፣ "ብዝሰፍሐ ደረጃ ቅቡልነት ክረክብን ክድልድልን" ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።

30 Jan 2025, 13:34