ሰ.ዝ.ኣ. - ንሃብቲ ሰብኣውነት ክትክእ ዘይትኽእል መሳርሒ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብቐዳምነት እቲ ዘሰሓሕት ስሙ እዩ ። እቲ "ሰብ ዝሰርሖ ኣአስተውዕሎት (Artificial Intelligence)" ተባሂሉ ዚጽዋዕ፣ ሓደ ካብቲ እዚ ልሙድ ስሙ ዝህቦ ትርጉምን ዘለዎ ብዙሕ ኣገዳሲ ሕቶታትን ተላዒሉ እተጻሕፈ ሰንድ ኢዩ።
እዚ ሎሚ ሰሉስ በቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓልን ከምኡ ውን ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓልን ዝወጸ፣ "ጥንታዊ ወሓዲስ" ዘርእስቱ ሓዲስ ሰነድ፣ ብቐዳምነት ብዛዕባ ጉዳያት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ሓደ መሳርሒ ከም ምዃኑ ዝዝቲ ሰንድ ኮይኑ፣ ሰ.ዝ.ኣ ንዝተዋህቦ ዕማም ዝፍጽም ደኣ እምበር ብባዕሉ ዝሓስብ ኣይኮነን፣ ክሓስብ ውን ኣክእል ኢዪ። ስለዚ ንሰብኣዊ ባህርያት ንሓደ ኣብ ርትዓውን ቀመራውን ኽቢ ጥራይ እተሓጽረ "መሳርሒ" ምሃብን፣ ከምኡ ውን ንሰብኣዊ ባህሪ ከም ዜመልክት ጌርካ ምቕባሉ ጌጋ እዩ። ማለት ሰ.ዝ.ኣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ትርጕም ዘለዎ ስምዒታዊ ምርዳእ ኰነ፣ ንሓቅን ንሰናይን ከምኡ ውን ነቲ ጽቡቕ ናይ ምፍላጥ ክእለትን ናይ ምምሃዝን ክእለት የብሉን ። ስምዒታዊ ኣስተዕሎት ናይ ሓቅን ጽቡቕን ከምኡውን ሰናይን ዝዀነ ነገራት ዘይብሉን ዘየገድሶን ካብ ምዃኑ እተላዕለ፣ ብሓጺሩ ሓቀይናን ዓሚቝን ሰብኣዊ ባህሪ የብሉን፣ ሰብ ውን ኣይኮነን።
ሰብኣዊ ኣስተውዕሎት ንውልቀ-ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ማሕበራውን ርትዓውን፣ ከምኡ ውን ጽልዋ ዘሕድርን ኢዩ። እዚ ድማ በቲ መተካእታ ዘይብሉ ኣካላውነት ወድሰብን ብማእከላይነቱን ዝግበር ርክባት ቀጻሊ ዝንበር ኢዩ ። ስለዚ ንኣእምሮ ደቂ ሰብ ከም መመላእታ መሳርሒ ጥራይ ደኣ እምበር፣ ንሃብቲ ሰብኣውነት ከም ዝትክእ ክውሰድ የብሉን ።
ኣብ ርእሲ እዚ ውን ኣብቲ ብዛዕባኡ ዝግበር ምርምራትን ናይ ኣጠቓቕማኡ መምርሒታንን እናዓበየ ይኸይድ እኳ እንተ ሃለወ፣ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነታት ዘይግደስ "መሳርሒ" እናኾነ ይቕጽል ኣሎ፣ ከምኡ ውን ኣብ ኢድ እቶም ነደፍቱን ተጠቀምትን ጥራይ ወዲቑ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት እዚ፣ እዚ ሓድሽ ሰነድ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብሰፊሑ ክዝቲ ይርከብ፣ እቶም ኣብ ሰ.ዝ.ኣ. ተመርኲሶም ውሳነታት ዚገብሩ ሰባት፣ በቲ ዚገብርዎ ምርጫታት ተሓተትቲ ኪዀኑ ኣለዎም፣ ነዚ መሳርሒ እዚ ከአ ኣብ ኵሉ ደረጃታት እቲ ውሳነ ተሓተትቲ ዝገብሮም ውን ኢዩ።
ስለዚ ንሰብኣዊ ኽብርን ሓባራዊ ጥቕምን ዘኽብሩ ከም ምዃኖም፣ በቲ ንመተግበሪታት ሰ.ዝ.ኣ ኣብ ምምስራሕ ዝተከተልዎ ዕላማታትን መሳርሒታትን ክግምገሙ ኣለዎም ። እዚ ገምጋም እዚ ሕጋውነት ወይ ኣጠቓቕማ ናይቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንምርዳእ ዜኽእል መሰረታዊ ስነ ምግባራዊ መለክዒ ውን እዩ።
ካልእ መለኪዒታት ስነ - ምግባራዊ ገምጋም ናይቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኸኣ፣ ነቲ ደቅሰብ ምስ ከባቢኦምን ምስ ተፈጥሮን ዘለዎም ኣወንታዊ ርክብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘለዎ ተኽእሎን ከምኡውን ንውልቀ - ሰባትን ማሕበረሰባትን ሃናጺ ምትእስሳር ከም ዝህሉ ንምግባርን፣ ኣብ ርእሲ እዚ ውን ነቲ ኣብ ሓባራዊ መኽሰብን ናይ ምርካብ ሓባራዊ ሓላፍነትን ንምምሕያሽ ዘለዎ ተኽእሎ ውን እዚ ሰነድ እዚ የመላኽት።
ነዚ ሸቶታት እዚ ንምውቃዕ፣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ሓቀይና "ጥበብ ልቢ ወድሰብ" ንምርካብ ብምጽዓር፣ ሓበሬታታትን ፍልጠትን ካብ ምእካብ ሓሊፍካ ምኻድ ኣድላዪ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንደቅሰብ ብሓቂ ዝሓሹ ንክዀኑ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።
በዚ መዳይ እዚ፡ እዚ ሓድሽ ሰነድ ከም ዝገልጾ፣ ዝዀነ ይኹን ኣብ ትሕቲ ባርነት ተክኖሎጂ ዘእቱ ኩነታት ከይፍጠር የጠንቅቕ፣ እዚ ኸኣ ሓድሽ ዓይነት ተነጽሎን ማሕበረ ሰብኣዊ ዘይማዕርነትን ከም ዝፍጠር ከይከውን፣ እኳ ደአ ክንክንን ብልጽግናን ሰብኣዊ ርክባት ንምምሕያሽ ዚሕግዝ መሳርሒ ክኸውን ከም ዘለዎ ጌይሩ ኢዩ ዘቕርበልና። ብዘይካዚ እዚ፡ እዚ ሓድሽ ሰነድ፡ ነዚ እተሓላለኸ ሓቅታት ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ኢዩ፣ ንሓቂ ኣብ ምንዳይ ድማ መምርሒ ዝኸውን ኢዩ ። በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ ኣብ ኤክትሮኒካዊ ዓለም ክለዓል ዝኽል ሓሶት ንምቅዋም፣ ነቶም ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዘለዉ ኽኢላታት ስራሕ ጥራይ ዝምከት ዘይኰነስ ጻዕሪ ዅሉ ሰብ ዚሓትት እዩ።
ኣብ ርእሲ እዚ ውን ነቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ከም መመዝመዚ ወይ ናጽነት ደቂ ሰባትን ካብ ምቕያድን ክንከላኸሎ ኣሎና፣ ንውሑዳን ጥራይ ምእንቲ ኺጠቕሞም ወይ ከኣ ንሰባት ናብ ሓደ እተወሰነ ሓበሬታ ጥራይ ብምንካይ፣ ከም ማሕበራዊ መቆጻጸሪ ጌርካ ክቐርብ የብሉን። ኣብ ዓውዲ ውግእ እውን ብዝያዳ ንሓደ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ፡ ህይወት ሰባት ናይ ምቕታል ውሳኔ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ምሃብ ተቐባልነት የብሉን። እቲ ዜሕዝ ፍጻሜ ናይቲ ብሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝምራሕ ኣጽዋር ዜስዕቦ ዕንወት ርኢና ኢና፣ እዚ ዕንወት እዚ ኸኣ ኣብዚ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ብዙሕ ግጭታት ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ተራእዩ ኣሎ።