ንግደት ናብ ሮማ፦ ሓድስ ትውፊት ነቶም ነገድቲ ተስፋ ዝኾኑ መንፈሳዊ በጻሕቲ ናይ ምቕባል ልምዲ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ብዛዕባ ሮሜ ስትራታ እተገብረ ተበግሶ ብባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝምራሕ ኰይኑ ምስ እቲ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ገልግሎት ቅዱስ ጴጥሮስን ምስቲ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዚርከብ ሰበኻ ቪሰንዛ ዚርከብ ሆሞ ቪያተር-ሳን ቴዮባልዶን ብምትሕብባር ዝኻይድ ክኸውን እዩ።
እዞም ኣካላት ብሓባር ኰይኖም ድማ ነቶም ነገድያን ናብቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ እቲ ጕዕዞ ዝዀነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክበጽሑ ኸለዉ ንምሕጋዝ ኣገልግሎታት ወለንተይናታት መስሪቶም ኣለዉ።
ምዉቕን ብመንፈስ ዘሃብትም ኣቀባብላ
ሮሜ ስትራታ ንልምድታትን መንፈሳውነትን ተቐበልቲ ኣጋይሽ ብምውሃድ ንንግደት ከም ሓበሬታ ተጓዓዝቲ ዝኣመሰለ ዘመናዊ ምርሒትን ኸምኡ ውን ንጕዕዞኦም ንምዝካር ፍሉይ ምስክር ወረቐት ክህቦም እዩ።
እዚ ሓድሽ እተኣወጀ መምርሒ ታሪኻውን ባህላውን ባህርያውን ቦታታት ብምጕላሕ ሓደ ልዕሊ ሽሕ ኪሎ ሜተር ዝኸይድ ናይ እግሪ ጕዕዞ ክኸውን ኢዩ።
ኣብቲ "ቫርኮ ኦራንቲ " (መበገሲ ጸሎት ዚግበረሉ ቦታ) ዚርከቡ ወለንተይናታት ነቶም ብእግሪ ብብሽክለታ ወይ ብፈረስ ዚመጹ ነጋድያን ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ኢዮም ።
እቲ ኻብ ወርሒ ሰነ ኽሳዕ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን እተገብረ ምቅርራብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኸም ሃቦ ዝጸብጸቦ ነቶም ናብ ሮሜ ዝመጹ ነጋድያን ብገምጋም 3,700 ዚኸውን ምስክርነት ተዋህሂቡ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ንግደታት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ዜጕልሕ ኢዩ።
ዓመት ኢዮቤል 2025 ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ነገድያን መስሕብ ክኾኖም ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ፣ ውፉያት ወለንተኛታት ከኣ ምዉቕን መንፈሳዊ ኣቀባብላ ክገብሩ ይርከቡ ኣለዉ ።
ናይ ምትሕብባር ተበግሶ
ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምበቲ ሊቀ ኻህናት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣቦ መንበር ጉዳያት ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ቅዱስ ጴጥሮስን ስለቲ ዝገበርዎ ምትሕብባር ሞሳኦም ገለጹ ።
"ማሕበር ሆሞ ቪያተር-ሳን ቴዮባልዶ ነቶም ካብ መላእ ዓለም ናብ መቓብር ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ንዝመጹ ነገድያን ሓንጐፋይ ኢልና ንኽንቅበሎም ስለ ዝሓገዘና ውን ነመስግኖ" በሉ።
ኣብ ማሕበር ሆሞ ቪያተር-ሳን ቴዮባልዶ ዘገልግሉ ክብር ኣባ ራይሞንዶ ሲኒባልዲ "ተልእኾና ናብ ሮማ መንፈሳዊ ንግደት ምክያድ ዓቢ መንፈሳዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ህሞት ንምግባር ኢዩ" ብምባል መንፈሳዊ ኣገዳስነት ናይቲ ተበግሶ ውን ኣጕልሑ።
ወሲኾም ድማ "ብጐደና ትሪዮንፋሊ ዚግበር ሓድሽ መገዲ ንንግደት ብቐጥታ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኪመርሖም እዩ ፣ እዚ ኸኣ ዝሓሸን ውሕስነት ዘለዎን ዓሚቝ መንፈሳዊ ተመክሮን ከም ዚህልዎ ኺገብር እዩ " በሉ ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ናይ ኢጣልያ ኣገልግሎት መስመራት ባቡርን ከምኡ ውን ምምሕዳር ከተማ ሮማን ነቲ ንዓሰርተ ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዘይተጠቕመሉ ኽፋል መገዲ ባቡርን ገለርያን ሞንተ ሲዮቺን ናብ ቀደሙ ንኽመልሲ ይሕድሶ ኣሎ ።
እዚ ምምሕያሻት እዚ ነቲ ትሕተ ቅርጺ ንምምሕያሽን ነቶም ነግድያን ናብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኪቐርቡ ኸለዉ ባህ ዜብል ሃዋህው ንምፍጣርን ዝዓለመ እዩ።