ҽ

POPE-ENCYCLICAL/ POPE-ENCYCLICAL/ 

ር. ሊ. ጳ. ፦ 'መልእኽቲ ክርስቶስ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብጽሑ' ይብሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ ሰሜን ኢጣልያ ተቕዋም ሥነ-መለኮት ትሪቬኔቶ ምኽንያት ብምግባር ንመምህራንን ተማሃሮን "ነቲ ናይ ሓቂ ትውፊት ምእመናን ዝኾነ ግን ከኣ ምልክታት ናይዚ ግዜና ንምንባብ ክፉት ዝዀነ መልእኽቲ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ክዝርግሑ" ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ንመበል 20 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ ትሪቨኔቶ ዚርከብ ተቕዋም ሥነ-መለኮት ዘመሓላለፍዋ መልእኽቲ፣ ኣብታ በዕለት 28 ጥሪ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተፈረመትን ናብ ክቡር ኣባ ማውሪዝዮ ጂሮላሚ ኣመሓዳሪ እዚ ተቅዋም ተላእከት መልእኽቲ፦

ቅዱስነቶም ንመምህራን ኣብዚ ግዜና ንመልእኽቲ ክርስቶስን ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ብተኣማንነትን ብውጽኢታዊ መገዲ ንምምሕልላፍ ጻውዒት ኣቕሪቦምሎም ይርከቡ።

እቲ ኣብ ከተማ ፓዱዋ ዝርከብ ናይ ትሪቨኔቶ ተቅዋም ሥነ-መለኮት፣ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ዝርከብ ዞባታት ቨነቶ ፍሪዩሊ-ቨነዝያ ጁልያ ከምኡውን ትረንቲኖ ኣልቶ-ኣዲጅ ዝርከቡ ሓሙሽተ ናይ ሥነ-ሃይማኖት ተቅዋማት፣ ማለት ነቶም ሸውዓተ ብሉጻት ሥነ መለኮታውያን ተቕዋማት ዝሓቁፍ ኢዩ። ብ2005 እዚ ተቅዋም እዚ ንሓያሎ ምእመናንን ካህናትን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነታትን ከምኡ ውን ንኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ትምህርታዊ ኣገልግሎት ሥነ-መለኮት ዘወፈየ ተቕዋም ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዘመሓላለፍዋ መልእኽቶም እዚ ዝኽሪ መበል ዕስራ ዓመት ናይቲ ተቅዋም "ስለ እቲ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ዝዓመሞ ብፍላይ ከኣ ንጥቕሚ እቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ መንእሰያትን ወለዶታትን ኣብቲ ሓባራዊ ምስጋና ጐይታ ንኽሓብር" ኣጋጣሚ ከም ዝኸፈተሉ ገለጹ።

ንክርስቶስ ናብ ዓለም ምምጻእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ብምሉኦም ኣባላት እዚ ተቅዋመ ትምህርት ምስ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ብምትሕብባር ክጸንዑን፣ ንመልእኽቲ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ከብጽሑን ነቲ ናይ ሓቂ ትውፊት እምነት ዝኾነ ግን ከኣ ምልክታት ናይዚ ግዜና ከንብቡ ኸለዓዕሉ አተባብዖም ኣሎኹ" ብምባል ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም "እዚ ንሓቅታት ወንጌል ኣብዚ ግዜ እዚ ንዘለዉ ደቂ ሰብ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምምሕልላፍ ሓድሽ ብድሆታት ብትብዓት ምውሳድ ማለት እዩ" ብምባል ውን ገለጹ።

ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ተቅዋም "ብመጽናዕትን ዕምቈትን ስነ-መለኮት ጥራይ ዘይኰነስ ብክርስትያናዊ ምስክርነት ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ኣቢሉ እውን ብዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ተልእኾ ክኸውን" ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

"መምህራን ብፍላይ ንመንእሰያት ኣብቲ ምንጩ ኣምላኽ ዝዀነ ሓቅን ሰናይን ጽባቐን እተመስረተ ሥነ መዕበያ ንኽግንዘቡ ክሕግዝዎም ተስፋ እገብር" ውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ እዞም ተቅዋማት እዚኣቶም በዚ ኣረኣእያ እዚ ኣቢሎም ነቲ ቐጻሊ ንትምህርታዊ ተልእኾኦምን ቈራጽነቶምን ዝነበርዎ ዝለዉ ኣገልግሎት ዘለዎም ሞሳ ኸም ብሓድሽ ብምግላጽ፣ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

19 Feb 2025, 15:24