ҽ

2025.02.14 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮ ምስ ናይ ሃገረ ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ፊኮ 2025.02.14 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮ ምስ ናይ ሃገረ ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ፊኮ  (Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮ ምስ ናይ ሃገረ ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ፊኮ

ዕለት 14 ለካቲት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ሃገረ ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ሮበርት ፊኮ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 14 ለካቲት ንናይ ረፓብሊካዊት ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ሮበርት ፊኮ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን መራሔ መንግስቲ ፊኮ ካብ  ቅዱስንቶም ምስ ተሰናበተ፣ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ምኽትል ዋና ጸሓፊ የኔታ ኣባ ሚሮስላው ዋቾቭስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥  ኣብዚ ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ሃገረ ቫቲካንን ረፓብሊካዊት ስሎቫኪያን ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ዝምድና ከም እተሰመረሉን፣ ንሕቶ ስነ - ሰብን ስድራ ቤትን ትምህርትን ኣብ ዝምልከት ጉዳያትን ብፍላይ ኣቓልቦ ብምግባር ንማሕበራዊ ምትእስሳር ዝድግፍ ተወፋይነት ክሕደስ ድማ ብኽልቲኤን ሃገራት ከም እተስተውዓለ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ብዝምልከ እውን ኣብ ዩክሬን ዘሎ ቀጻሊ ዘይምርግጋእን ተስፋ ሰላምን ዕርቅን ኣብ እስራኤልን ፍልስጤምን፣ ኣብ ቓዛን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታትን ዝዳህሰሰ ምይይጥ እውን ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ
ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስረዓት

ኣብ ምወዳእታ ኣብ ዝተኻየደ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት፣ ቅዱስ ኣቦና ንመራሔ መንግስቲ ፊኮ “ለውሃትን ፍቕርን” ብዝብል ኣርእስቲ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝገልጽ ስነ ጥበባዊ ስርሓትን፤ ከምኡ’ውን ቅዳሕ ናይቲ ናይ 2025 ዓ.ም. መልእኽቲ ንሰላምን “ምእንቲ ሓቂ ዝተሰዱ: ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያን ኣብ ዩክረይን” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍን ንመራሔ መንግስቲ ፊኮ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን፣

መራሔ መንግስቲ ስሎቫኪያ እውን ብወገኑ ንር.ሊ.ጳ. ብሓደ ስሎቫክያዊ ስነ ጥበበይና ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ሓላዊ መልኣኽ ዝገልጽ ንሽተይ ሓወልቲ ከም ዘበርከተሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

Photogallery

ግጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት
15 Feb 2025, 17:20