ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመርመራን ሕክምናን ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣትዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመርመራን ሕክምናን ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣትዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመርመራን ሕክምናን ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣትዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘጋጠሞም ሕማም ነድሪ ጉርጉማ ግቡእ ሕክምና ንኽረኽቡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ከም ዝኣተዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ህክምና ኣጎስቲኖ ጀመሊ ከም ዝኣተዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብርክት ዝበሉ ናይ ሕክምና መርመራታት ክገብሩን ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ሕማም ነድሪ ጉርጉማ ዘድሊ ሕክምናን ክቕጽሉ እዮም።

“ሎሚ ንግሆ ድሕሪ ዝነበሮም ናይ ዕለቱ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ኣድላዪ መርመራታት ክገብሩን ነቲ ቀጻሊ ሕማም ነድሪ ጉርጉማ ኣብ ቤት ሕክምና ኣትዮም ዘድሊ ክንክን ጥዕና ንኽግበረሎምን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክና ጀመሊ ከም ዝኣተዉ የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና ንሓያሎ መዓልታት ብሕማም ነድሪ ጉርጉማ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ኣብ ሓደ ክልተ ወግዓዊ መርሓ ፍጻሜታቶም ከምዘስተብሃሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ዕለተ ርቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘዳለውዎ ኣስተምህሮን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ፍጻሜታት ከስምዕዎ ዝነበሮም መደረ፣ ኣክንድኦም ኮይኖም ንኸንብብዎ ንቐረባ ተሓባበርቶም ከም ዝሓተቱን፣ ድሮ ካብ ዕለት 6 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሕማም ነድሪ ጉርጉማ ይሳቐዩ ከምዘለዉን መርሓ ፍጻሜታቶም እውን ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ዘይኮነስ ኣብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ከካይዱ ከም ዝጀመሩ የዘኻኽር።

14 Feb 2025, 17:23