ር. ሊ. ጳ.፦ ሰላምን ሓድነትን ንኽሰፍን ዘቕረብዎ ጻውዒት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብኣካል ኣብ መንጐ እቶም ምእመናን ክረከቡ ብዘይምኽኣሎም ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ፣ ቅዱስነትም ትማሊ ሰንበት ምእንቲ እተን ብውግእ ዝዓነዋ ዘለዋ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ሃገራት ሰላም ምእንቲ ክረኽባ ጸሎት ኣዕሪጎም፣ ነቲ ኣብ ሮሜ ኣብ ዚርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ዚግበረሎም ዘሎ ሕክምናዊ ክንግክን ድማ ምስጋናኦም ገለጹ።
ሰብ ሞያ ጥዕና ምሉእ ዕረፍቲ ክገብሩ ክንዲ ዝኣዘሎም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘዳለዉዎ ኣስተንቶ ከም ፍቓዶም እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊማሕተምን ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ኣመሓላለፎ።
ኣብቲ ዘዳለዉዎ ኣስተኖ ቅዱስ ኣቦና፣ ብፍላይ ነቶም ኣብቲ ፍሉይ ኣጋጣሚ ንኢዮቤል ሥነ-ጥበባውያን እተወፈየ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተገብረ መደብ እተረኽቡ ኣመልኪቶም ሥነ-ጥበብ "ነቲ ሠናይ ዝኾነ ዘስፋሕፍሕን፣ ንሰባት ዘሕብርን ዓለምለኻዊ ቛንቋ" ኢዩ ብምባል፣ ስኒት ከም ዘስፍሕን "ንኵሉ ኣውያት ውግእ" ስቕ ከም ዘብልን ብምግላጽ፣ ነቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽፈት ቅድስቲ መንበር ዘለዎም ምስጋና ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "ኣብ መንጎኹም ክህሉ ምደለኹ ነይረ፣ ከም እትፈልጥዎ ግና ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንዘጋጠመኒ ጥዕናዊ ጸጋማት እተወሰነ ሕክምናዊ ክንክን ስለ ዜድልየኒ ዘሎ፣ ኣብዚ ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ" በሉ።
ሰላም ንምርካብ ዚግበር ጸሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ኣስተንትኖ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ሞንት ዕንወትን ከምኡ ውን ምምዝባል ደቂ ሰባት ካብ መረበቶምን ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ግጭታት ብምትኳር፣ ነቶም ኣብ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ማእከላይ ምብራቕ ምያንማር ኪቩ ከምኡውን ሱዳንን፣ ምእንቲ እቶም ብውግእ እተጐድኡ ሰባት ክጽልዩ ምሕጽንታ ብምቕራብ ሰላም ንኽሰፍን ዘቕርብዎ ጻውዒት እንደገና ኣሐደስዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕጻል፣ ነቶም ምእመናን ስለቲ ዝገበርዎ ዘለዉ ጸሎትን፣ ነቶም ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ስለቲ ዝገብሩሎም ዘለዉ ክንክንን ብምምስጋን፣ ነቲ ኣብ ግዜ ሕማሞም ዝረኸቦ ዘለዉ ደገፍ ኣመልኪቶም ውን ሞሳኦም ንምግላጽ ዕሽሽ ኣይበሉን። "ብዋጋ ዘይትመን ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትትን ዕዮ እዮም ዚዓዩ ዘለዉ ብጸሎትና ውን ንደግፎም" በሉ።
ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም ንእኖና ድንግል ማርያም "ጸጋ ዝመልኣኪ" ብዝብል ምህለላ ብምዝዛም፣ ንኵላቶም ድማ "ነቲ ንዓለም ዘሕድስ ጽባቐ ዘፍርዩን ሰብ ሥነ ጥበብ" ምእንቲ ክዀኑ ከተማልደሎም ጸለዩ።