ҽ

Pope Francis continues treatment for a respiratory tract infection at Gemelli hospital Pope Francis continues treatment for a respiratory tract infection at Gemelli hospital 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክልተ ዓይነት ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስ ከም ዘጋጠሞም ተፈሊጡ

ትማሊ ሰሉስ ምሸት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክልተ ዓይነት ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስ ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ወላ እኳ እንተሓበረ ቅዱስነቶም ግን "ኣብ ደሓን መንፈስ ከም ዘለዉ" ኣመልኪቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምምልካት ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ሆስፒታል ጀመሊ ካብ ዝኣትዉ ኣትሒዞም ንዘሎ ምዕባሌታት ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጽአ።

ዝተገብረሎም መርመራታት ከም ዘመልክቶ ድማ፣ ኵነታት ጥዕና ቅዱስነቶም ዝተሃላለኸ ውጽኢት የርኢ ከም ዝለኦ ውን ኣመልኪቱ።

እቲ መግለጺ ኣስዕብ ኣቢሉ  ቅዱስ ኣቦና ብሰንኪ እቲ ኣብ ውጽኢት መርመራታቶም ዝተረኽበ ናይ ብሮንካይትን ከምኡውን ኣስማቲክ ብሮንካይተስን ምልክታት ሓደ ኮርቲኮስተሮይድን ዝተሰምየ መድሓኒት ክወስዱ ከም ዘድልዮምን፣ እቲ ዝርኣ ዘሎ "ረኽሲ ሥርዓተ ምስርንፋስ" ድማ ነቲ ሕክምናዊ ክንክኖም ዝያዳ ዝተሓላለኸ ከም ዝገብሮ ገሊጹ ።

"ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ብጕጅለ ሰብ ሞያ ጥዕና ቫቲካንን ብናይ "ሆስፒታል ጀመሊ" ፖሊክሊኒክ ፋውንደሽን ናይ ሕክምና ሰራሕተኛታትን እተኣዘዘሎም መርመራ ሲ.ቲ. ስካን ብምክያድ ሓደ ኣይነት ረኽሲ ሥርዓተ ምስንትንፋስ ስለ እተረኽቦም ተወሳኺ መድሓኒታት ክወስዱ ተኣዚዙሎም ኣሎ።”

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስዕብ ኣቢሉ "ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍርንቸስኮ ኣብ ደሓን መንፈስ ኣለው" ክብል ውን ኣመልኪቱ።

እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እተዋህበ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንግሆ ቅዱስ ቍርባን ከም እተቐበሉን ምሉእ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕረትን ዕለታዊ ጸሎቶምን ንባባቶምን ከም ዘካየዱ" ብምግላጽ ይድምድም። ቅዱስነቶም ድማ ስለቲ ኣብዚ እዋን እዚ ንዝግበረሎም ዘሎ ደገፍ ክንክንን ዘለዎ ሞሳ ይገልጹ፣ ምእንቲ ቅዱስነትም ንዝጽለ ጸሎት ክቕጽል ድማ ይምሕጸኑ።"

19 Feb 2025, 15:21