ҽ

2024.10.31 ር.ሊ.ጳ. ንመራኸቢ ቡዝሓን ቫቲካን፥ ካልኦት ዝፈላልይ መናድቕ ኣብ ዝሓንጽሉ ዘራኽብ ድልድል ምህናጽ! 2024.10.31 ር.ሊ.ጳ. ንመራኸቢ ቡዝሓን ቫቲካን፥ ካልኦት ዝፈላልይ መናድቕ ኣብ ዝሓንጽሉ ዘራኽብ ድልድል ምህናጽ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንመራኸቢ ቡዝሓን ቫቲካን፥ ካልኦት ዝፈላልይ መናድቕ ኣብ ዝሓንጽሉ ዘራኽብ ድልድል ምህናጽ!

ዕለት 31 ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ "ሰባት ንነብሶም ክገድፉን ንኻልኦት ቦታ ክህቡን ዝምህር" ርክብ ዘመሓላልፉ ክኾኑ ዘለዎም ሕልሚ የካፍሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፥"ብዙሓት መናድቕ ዚሃንጹሉ ድልድል ንምህናጽ" ዕላማ ኺህልዎ ከም ዝግባእ ገሊጾም ነቲ ብዙሕ ምክፍፋል ዜዕምቖ ማሕበረሰብ ንምድንፋዕ፣ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ዘይምግዳስ ዝመርጹሉ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመታት ንምውፋር” እንክብሉ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ሓዊሱ ንኩለን ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ኣካላት ኣብ ሓደ ዘራኽብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉብኤ ኣብ ዘካይደሉ እዋን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጉዳያት ሓበሬታ ቫቲካን “ኣብ ኵናት ውግእ፡ ማሕበረ - ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት፡ ሃልኪ፡ ሰብኣውነት ዝጎደሎ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ እንንበረሉ ዓለም ነፍሲ ወከፍ ሰብ “እቲ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣድላይን ዝኾነ፡ ማለት ልቢ ዳግማይ ንኽረኽብዎ” ክሕግዞም ይግባእ፥ . . . ልኡኻት ሓቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ምዃን ዘለዎም ተራ፡ መራኸቢ ብዙሓን ቤተ ክርስቲያን ንቤተ ክርስቲያናዊ መንነቶም ክርስዑ የብሎምን፡ “ብፖለቲካዊ ወይ ብንግዳዊ መዐቀኒታት እንተሓሲብናን በዚ ክንዋሳእን እንተ ዄንና፡ ንሕና ቤተ ክርስቲያን ኣይኮንናን። ዓለማዊ መዐቀኒታት እንተተግቢርና ወይ መሓውራትና ናብ ግብረ ምሕደራዊ ኣባይቲ ጽሕፈት እንተ ኣውሪድና ቤተ ክርስቲያን ኣይኮናን" ከም ዝበሉ ይሕብር።

ሕልሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ር.ሊ.ጳ. “ንሰባትን ባህልታትን ከራኽብ ዝኽእል መልክዕ መራኸቢ ብዙሓን እሓልም” . . .  ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዛንታታትን ምስክርነትን ከካፍል ዝኽእል ዓይነት ርክብ እሓልም።"

“ልቢ ንልቢ ዘራኽብ መራኸቢ ብዙሓን እሓልም፡ በቲ ሰብኣዊ ዝኾነ ነገር ክድረኽ፡ በቲ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘጋጥሞም መዓት። ሰባት ንኻልኦት ቦታ ንምሃብ ቁሩብ ካብ ገዛእ ርእሶም ክገድፉ ዝምህር ዓይነት ርክብ እሓልም፤ ውዕዉዕን ፍልጠት ህንጡይን ብቑዕን ዝዀነ ርክብ፡ ንምቕራብ ኢሉ ኣብ ክውንነት ከመይ ጌሩ ከም ዝጥሕል ዝፈልጥ።”

ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ከም ኢየሱስ ብፍላይ ነቲ ዛንታታት ዝተገለሉን ድኻታትን ስደተይናታትን ግዳያት ኲናትን ከስተብህሉሉ ይግባእ፣ ነዚ ዛንታታት እዚ ብሓቂ ብዘይ “ጭሮሓዊ ኣገባብ” ክነግሩ ይግባእ።

ስርሖም ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ጻዕርታት ሰላም ብዝምልከት ብዝቐርብ ጸብጻባት ሓዊሱ ንሓቛፍነትን ዘተን ሰላምን ከስፍሕ ይግባእ፥ “ንገበርቲ ሰላም ቦታ ምሃብ ክንደይ ህጹጽ እዩ! ታሪኾም ኣብ ምቕራብ ድማ ኣይትደክሙ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቍጠባዊ ጸቕጥታትን ኣድላይነት ‘ምህዞን’

ር.ሊ.ጳ. እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ጋዜጠይናታቱን “ዝያዳ ክወፍሩ፡ ዝያዳ ክደፍሩ፡ ሰጋእ መጋእ ከይብሉ” ኣተባቢዖም። እዚ ማለት ድማ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳብ ምድንፋዕ ዘይኮነስ “ብቕንዕናን ኒሕን ክውንነት ምዝራብ ዝሓትት” ምዃኑ ገሊጾም . . . ንሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን፡ ሓደስቲ ነገራት ምፍታን፡ ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ዓለም ሓደስቲ ቋንቋታትን ሓደስቲ መንገድታትን” ምድህሳስ ከይፈርሑ ኣተባቢዖም፥ ሲኖዳዊ ኣገባብ ርክብ ምትግባር እውን ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ወሲኾም ከም ዝተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ኩሉ ድማ ብዘይ ተወሳኺ ምወላ ክኸውን ከምዘድሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስሚሮምሉ፥ “ኣብ ቁጠባዊ ዝምልከት ጉዳይ ዝያዳ ስነ - ስርዓት ክንሕዝ ኣለና። ዝያዳ ንምቑጣብ ካልእ ጸጋታትን መንገድታት ክትረክብ ክትደልዩ ኣለኩም፥ . . . እዚ ከቢድ ዜና ምዃኑ እፈልጥ እየ፡ ግን ከኣ ጽቡቕ ዜና’ውን እዩ፡ ምኽንያቱ ንምህዞ ስለ ዘነቓቕሕ - ቢሎም - ብፍሉይ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብቋንቋታት ሊንጋላ፣ ሞንጎልያን ካናዳን ትሕዝቶታት ንምሃብ ከም ዝተካእለ ዘኪሮም ዜና ቫቲካን ዝጥቀመሎም ዝርዝር ቋንቋታት ንምስፋሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝነኣዱን ከምኡ’ውን ንመጻኢ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ንምሽፋን መራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ኣብ ዕዮ ዝዋፍሮን ዘይተኣደነ ጸዓት ኣቐዲሞም ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ ሳላ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ድማ  ብዙሓት ብኣካል ናብ ሮማ ክነግዱ ዘይክእሉ ናይቲ ቅዱስ ዓመተ እዮቤል ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ክሳተፉ ኣብ ምግባር ዘለዎ ተወፋይነት ኣመስጊኖም መደረእኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

01 November 2024, 14:36