ҽ

2024.11.11 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካቶሊካውያን ገበርቲ ሰናይ: ፍቕሪ ኢየሱስ ኣብ ምስፋሕ የተባብዑ 2024.11.11 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካቶሊካውያን ገበርቲ ሰናይ: ፍቕሪ ኢየሱስ ኣብ ምስፋሕ የተባብዑ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካቶሊካውያን ገበርቲ ሰናይ: ፍቕሪ ኢየሱስ ኣብ ምስፋሕ የተባብዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንካቶሊካዊ መርበብ ግብረ ሰናይ ኣባላት ዕለት 11 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካንት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ስለ’ቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፥ ፍቕሪ ጐይታ ንኹሉ ነገር ናይ ምልዋጥ ልዑል ክእለት ከም ዘለዎ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ፍቅሪ ኩሉ ግዜ ዝልውጥን ንኹሉ ነገር ናይ ምቕያር ክእለት ዘለዎን ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 11 ሕዳር ኣብ ቫቲካን ንካቶሊካዊ መርበብ ግብረ ሰናይ (FADICA) ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣዘኻኺሮም . . . እቲ ብኣሕሮተ ቓል FADICA ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ካቶሊካዊ መርበባዊ ግብረ ሰናይ ኣባላት ኣብ ሮማ ዘካየድዎ ንግደትን ዓውደ ጉባኤን ሱባኤን ምኽንያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክራኸብዎም ዝፈጥረሎም ዕድል ብምግላጽ፡ ኣብ መቓብር ሓዋርያትን ሰማእታትን ዘሕልፍዎ ናይ ኣስተንትኖን ጸሎትን መዓልታት "ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ፍቕሪን . . . ተወፋይነት ንምስፋሕ ወንጌልን ህንጸት መንግስቲ ቅድስናን ፍትሕን ሰላምን ክርስቶስ” ክብ ዘብል ክኽውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ እቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ንቤት ጽሕፈታት ቅድስቲ መንበር ዝህቦ ደገፍ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንህይወትን ሓዋርያነትን ቤተ ክርስቲያን ዘሀብትሙ ዘሳልጦ ብዙሓት ተበግሶታት "ብምትብባዕ" ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንክርስቶስ ናይ ምክፋል ፍቕሪ ቀጻሊ ተመክሮኹም ይኹን

ኣስዒቦም፥ እቲ ማሕበር "ኣብ ሓባራዊ ራእይን ተወፋይነትን ምትሕብባርን ብዙሓት ውልቀሰባትን ኣባይቲ ስድራን መሰረታትን ዘንብር ብምዃኑ ብባህርዩ ሲኖዳዊ እዩ . . .   ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ትካል መርበባዊ ግብረ ሰናይ ዘለዎ ናይ ሓድነትን ንኻልኦት ብልግሲ ናይ ምሕላይን መንፈስ "ወትሩ በቲ ጐይታ ዝሃበና ማእለያ ዘይብሉ ውህበታት ዘሎና ሞሳን በቲ ናይ ምልዋጥ ሓይሉ ዓሚቝ ተመክሮን ክምዕብል" ትምኒቶም ገሊጾም፥ ንኹሎም ኣብቲ ርክብ ንዝሓበሩ ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም፥ ነቶም ኣብ ቅዱስ ልቢ ጐይታ እተኣከቡ ንኢዶም እቲ ናይቲ መርበባዊ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎትኩም "ነቲ ፍቕሪ ክርስቶስ ንኻልኦት ንምክፋል እንገብሮ ጻዕሪ ዝዕድሎ ሓጐስ ቀጻሊ ተመክሮኹም ይኹን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 November 2024, 15:57