ҽ

2019.05.08 Vergine del Rosario a Pompeii 2019.05.08 Vergine del Rosario a Pompeii 

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ስድራ ቤታትን ኣባይትን ንጽባቐ ጸሎተ መቝጽርያ ዳግም ክምርምሩ ኣለዎም'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣይቆና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘመቝጸርያ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መቕደስ ፖምፐይ ካብ ዝበጽሕ ኣትሒዙ ንዝኽሪ መበል 150 ዓመታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ፣ ጸልተ መቝጸርያ ንቤተ-ክርስትያን ናይ ምስባኽ ክእለት ከም ዝለዎ ከም ብሓድሽ ክንምርምሮ ከም ዘሎና ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘመቝጸርያ ተወካሊ ቅዱስነቶም ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቶማሶ ካፑቶ ናብ ፖምፐይ ኣብ ዝለኣኽዋ መልእኽቶም ፦

"እታ ኵሉ ሰብ ክረኽባ ዝኽእል ቀሊል መሳርሒት ዝዀነት መቍጸርያ፣ ነቲ ሎሚ ቤተ-ክርስትያን እትጽውዓሉ እተሓደሰ ወንጌላዊ ጕዕዞ ክትድግፍ ትኽእል ኢያ።"

ኣብ ፖምፐይ ዝነብሩ ምእመናን ንዓመተ ኢዮቤል ብእተፈላለየ ናይ ጕስነት ተበግሶታት ገይሮም ንምብዓል ይዳለዉ ኣለዉ ።

እኖና ድንግል ማርያም ዘመቝጸርያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኵሎም እቶም ነዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ እዚ ዘኽብሩ ዘለዉ፣ ብመንፈስ ከም ዚሓብሩን ኣብቲ ኣብ ፖምፐይ ዚርከብ ቤተ መቕደስ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘመቝጽርያ ከም ዝዝክሩን ብምግላጽ፣ ኣብታ ባህ እተብል ገጽ ናይታ ሰማያዊት ኣደ ምጽንናዕን ተስፋን ከም ዝረኽብን ብምግላጽ መልእኽቶም ጀመሩ ።

እዚ ኢቆና ብዕለት 13 ሕዳር 1875 ኣባኡ ምስ በጽሐ እቲ መስራቲ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ባርቶሎ ሎንጎ ዝስሙ ጠበቓ ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት ዝጠፍኦ እምነቱ እንደገና ኻብ ዚረኽቦ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። ነቲ ኣብ ውሽቲ ነፍሱ ዚስምዖ ዝነረ ድምጺ ካብ መሪር ቃልሲ ኼድሕኖ ኸሎ ምስቲ መንፈሳዊ ልምዲ ጸሎተ መቝጸርያ እተተሓሓዘ "ድሕነት እንተ ደሊኻ ጸሎተ መቝጸርያ ናብ ኵሉ ከም ዝበጽሕ ግበር" ብዚብል ቃል ድማ ኣብ ልቡ ኸም ብሓድሽ ዘቃሕ ድምጺ ይሰምዕ ነብረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ዓመተ ኢዮቤል ናይዛ እኖና ድንግል ማርይም ዘፖምፐይ ምስታ እትቐርብ ዘላ ዓመተ ኢዮቤል እትመሳሰል ምዃናን ከምኡ ውን  ኣብቲ ተስፋና ዝኾነ ኢየሱስ ዘተኰረት ከም ምዃና ከምኡውን መበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ምዃና ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ነቲ መለኮታዊ ሰብኣዊ ምስጢር ክርስቶስ ብብርሃን ስላሴ ፍሉይ ኣትኵሮ ክንገብረሉ ዝሓተና ኢዩ።

ንጸሎተ መቝጸርያ ዳግም ምምርማር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንመቝጸርያ በዚ ኣረኣእያ እዚ እንደገና ምምርማር ንምስጢር ህይወት መድሓኒና ብየዒንቲ ማርያም ምስትንታን ዜደንቕ እዩ " በሉ ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "እዚ መሳርሒ ናብ ኵሉ ሰብ ክበጽሕ ዝኽእል ቀሊል መሳርሒ ኢዩ፣ ነቲ ሎሚ ቤተ-ክርስትያን እትጽውዓሉ እተሓደሰ ወንጌላውነት ክድግፍ ዝኽእል ውን ኢዩ።”

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጽባቐ ጸሎተ መቝጸርያ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤታትን ኣባይትን እንደገና ምምርማር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

እዚ ጸሎት እዚ ሰላም ንምህናጽ ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኰነስ መንእሰያት ነዚ ጸሎት እዚ ከም ሓደ "ተደጋጋምን ኣሰልቻውን ገይሮም ምእንቲ ኸይርእይዎ" ከምኡውን "ፈጺሙ ዘይደክም ናይ ፍቕሪ ተግባር" ገይሮም ንኽርእይዎ ሓሳብ ብምቕራብ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ።

ምንጪ ምጽንናዕን ፍቕርን

ኣብ ርእሲ እዚውን ጸሎተ መቝጸርያ ንሕሙማትን ሰብ መከራን ምንጪ ምጽንናዕ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ "ምስ ኣምላኽ ዘራኽበና ጥዑም ሰንሰለት" ጥራይ ዘይኰነስ "ከምቲ ባርቶሎ ሎንጎ ብፍላይ ኣብ ዘኽታማትን እሱራትን ዝረኣዮ ንንእሽቶን ሕቝፍ ዝበለን ሰንሰለት ፍቕሪ" ምዃኑ እውን ኣስፊሖም ገለጹ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስነቶም ነቶም ዝኽሪ ዓመት ዘኽብሩ ንዘለዉ "እቲ እዚ ቤተመቕደስ ዝጀመሮ ዓብዪ ታሪኽ ግብረ-ሰናይ ዝዀነ ናይ ቅድስና ብዙሕ ተበግሶታት ኣቢሎም ብሓድሽ መብጽዓ ኪቕጽሉ" ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እዚ ብፁዕ መስራቲ ዝሓደገልና ኣዝዩ ባህ ዜብል መንፈሳዊ ውርሻ እዩ" በሉ።

ምስዞም ኣብዚ ዘመን ዘለዉ ሰባት ምዝርራብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ጐይታ እኖና ድንግል ማርያም ዘፖምፐይ ኣቢሉ "ነቶም ሎሚ ዘሎና ደቅሰብ መገዲ ሓባራዊ ርክብን ሕውነትን እንደገና ክነደልድል ስለ ዝደልየና ብቐጻሊ ክዛረበና" ንጸሊ በሉ።

ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ብዙሓት ምእመናን ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብፍላይ ከኣ ምስቶም ኣዝዮም ስኡናት ከም ዚቀራረቡ ብምምስካር ወትሩ ንጐይታ ብተኣማንነት ከም ዚስዕቡ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ ።

11 November 2024, 16:58