ҽ

2022.10.06 Anniversario Concilio Vaticano II, Bolla Archivio Apostolico Vaticano 2022.10.06 Anniversario Concilio Vaticano II, Bolla Archivio Apostolico Vaticano   (@FrancoPiroli)

ር. ሊ. ጳ. ቤተ መዛግብትን ቤተ መጻሕፍትን ቫቲካን የስፍሑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሓዋርያዊ ቤተ መዛግብትን ቤተ-መጻሕፍትን ቫቲካን ንምስፋሕ ኣዋጅ ኣውጽኡ፣ እዚ ኣዋጅ እዚ ቤተ-ክርስትያን ንታሪኻዊ ሰነዳታ ንምዕቃብን ዓለምለኻዊ ባህላዊ ማሕበረሰብ ብቐሊሉ ኸም ዝረኽብዎ ንምግባርን ዝገበረቶ ወፈያ ዜረጋግጽ እዩ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዕቃቤ ንብረት ንምምሕያሽን ከምኡውን ንባህላዊ ተልእኾ እዚ ትካላት እዚ ንምድጋፍን ተወሳኺ ባይታ ንምሃብ ኣዋጅ ብምውጻእ ቤተ መዛግብትን ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካን ክሰፍሕ ፈቒዶም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብዕለት 29 ጥቅምቲ 2024 ብዝኸተምዎ ናይ ኢድጽፍ መልእኽቶም ቫቲካን ነቲ ኣብ ምምሕዳር ቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ ዝዀነ ቤተ መዛ͍ብቲ ንምዕቃብን ከምኡውን ንባህላዊ ዕቤት ኣብ ስፍሓት ፍልጠት ንምድንፋዕን ንነዊሕ እዋን ክትገብሮ ዝጸንሐት ተበግሶታት እንደገና ገለጹ።

ቤተ መዛግብትን ቤተ-መጻሕፍትን ቫቲካን ብዛዕባ ግደን ፍልቀትን ቤተ-ክርስትያን ዚገልጽ ጠቓሚ ሰነዳት ናይ ምሕላው ሕድሪ ኸም እተዋህቦ ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ንምዕቃብ እተገብረ ጻዕሪ ካብ ጥንታዊ መዛ͍ብቲ  ቤተ ክርስትያን ሮሜ እዩ ዝነበረ ። ሕጂ ግና ቤተ መዛግብትን ቤተ መጻሕፍትን ቫቲካን ነዚ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ እዚ ዳሕሰትን ክኢላታትን ብቐሊሉ ምእንቲ ኺረኽብዎ ተወሳኺ ስጕምትታት ኪወስዱ ውሳኔ ይወስድ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ከም ክፍሊ እቲ ኣዋጅ መጠን ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገረ ቫቲካብ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ዝኾነ ናይ ሰበኻ ሮማ ዝኾነ ህንጻ ዓበይ ዘርኣ ክህነት እንደገና ብምምቓል ቤተ መዛግብትን ቤተ- መጻሕፍትን ክሰፍሕ ረቒዶም።

ኣገዳስነት ምትሕብባር

ኣብቲ ዝወጸ ኣዋጅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ እተፈላለያ ትካላት ቫቲካን ምትሕብባር ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓታትን ኣሰራርሓታትን እናኣኽበሩ ብሓባር ክዓዩ ድማ ተማሕጸንዎም ። እዚ ምስፍሕፋሕ እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቤተ-ክርስትያንን ንባህሊ ዓለምን ኣድላዪ ኣገልግሎት ክብሉ ዝጸውዕዎ ውጥናት ብዘይ ጸገምን ብስሉጥ መገድን ንምፍጻም ዝግበር ምትሕብባር ዘጠቓልል ኢዩ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንተወከልቲ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ቤተ መዛ͍ብቲ ቫቲካን ከምኡውን ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካን ዝሓቘፈ ሓድሽ ሽማግለ ክቐውም ኣዚዞም ኣለዉ። እዚ ሽማግሌ እዚ መስርሕ ምግዕዓዝ ብቕልጡፍ ከም ዚጅምርን እቲ ውጥን ምስፋሕ ከም ዚግስግስን ብምግባር ነቲ ሰነዳት ናብቲ ሓድሽ እተመደበሉ ቦታ ንምስግጋር ብሓላፍነት ክከታተል እዩ።

13 November 2024, 15:33