ҽ

2024.09.28 Viaggio Apostolico in Belgio - Incontro Gesuiti 2024.09.28 Viaggio Apostolico in Belgio - Incontro Gesuiti  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ብዛዕባ ጕዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰፍሐ ኣረኣእያ ክህሉ ይምሕጸኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ "ኣብ ጕዳይ ስልጣንን መሪሕነትን" ዝካየድ ዘሎ ዘተ ደረት ኪገብረሉ ኣይደልዩን ኢዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናብ ሃገረ በልጅዩም ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ንደቂ ኣንስትዮ "ኣብ ኣብ ጐደና ውህበታዊ ኣገልግሎት" ከም ዝርእይወን ገለጹ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ካብ ማሕበር ኣሓት ደናግል ፔሩ ንዝመጻ ደናግል ብተወፋይነት ናብቶም ካህናት ዘይብሎም ማሕበረሰብ ከይደን ኣብኡ ጉስነታዊ ተልእኾ ዝተሰከማ ኣሓት ኣኽብሮቶም ገለጹለን።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ "ላ ቺቪልታ ካቶሊካ" ዝተሰምየ መጽሔት ማሕበር ኢየሱሳውያን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ተቕዋም ቅዱስ ሚካል ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ንዝገብርዎ ርክብ ምሉእ ትሕዝቶ ኣሕቲሙ ይርከብ ። ሓደ ኻብቶም ኣኃው ኢየሱሳውያን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ፍትሓውን ግቡእን ቦታ ምሃብ ኣጸጋሚ ድዩ?" ክብል ሓተቶም። ቅዱስነቶም  እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መሕትት መዓርገ ክህነት ጥራይ ተወሲኑ ምጽባቡ ከም ዘሕዝኖም ብምግላጽ ጽንፈይናዊ ኣተሓሳስባ ተባዕትነን ተንስታይነትን "ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ሸቐጣዊ ኣተሓሳስባ ናይ 'ዕዳጋ' ምዃኑ ድማ ገለጹ።

ይኹን እምበር ኣብ ካልእ ኣርእስቲ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ዚዓያኦ ዘለዋ ኽህነታዊ ኣገልግሎት ውን ኣፍልጦ ሃቡሉ ። ኣብቶም ካህናት ዘይብሎም ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ "ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም መሪሕ ግደ ኺህልወን ዚኽእል" ብቑዓት ሰባት የናድዩ ኸም ዝነበሩ ዝፍለጥ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "እንተዀነ ግን ንኣብነት ነዚ ዕዮ እዚ ዝፍጽማ ደናግል እውን ኣለዋ። "ብዛዕባ ሓንቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ተልእኾ ዘለዋ ማሕበር ደናግል ፔሩ ኢየ ዝሓስብ ዘለኹ፣ ንሳተን ድማ ካህን ናብ ዘይብሉ ቦታታት ኢየን ዝኸዳ። ኵሉ ነገር ይገብራ ይሰብካ የጠምቓ . . . ወዘተ፣ ሓደ ኻህን ምስ ተላእከ ድማ ናብ ካልእ ቦታ ይኸዳ።" እቲ ማሕበረሰብ "ካብቲ ካህን ንላዕሊ ኢዩ ኣገዳስነት ዘለዎ።”

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስነቶም ባዕሎም ንደቂ ኣንስትዮ ዕላማ ብዘለዎ መገዲ የተባብዕወን ኣለዉ ። "ኣብዚ እዋን እዚ ደቂ ኣንስትዮ ብዝያዳ ሓላፍነት ከም ዚስዐን ብምግባር ናብ ሃገረ ቫቲካን ንምምጻእ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እጽዕር ኣለኹ። ክንርእዮን ክንሰምዖን ብእንኽል ኣገባብ  ድማ ኵነታት ይቀያየር ኢዩ ዘሎ።" ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ግደ ስለ ዘለወን ኵሉ ነገር "ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓሸ " እየን ዝዓያ ዘለዋ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍላይ ነተን ኣባላት እቲ ኤጲስቈጶሳዊ ስልጣን ኮይነን ዝሰርሓ ዘለዋ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ውን ጠቒሶም ይርከቡ ። "ሕጹያት (ንጵጵስና) ኣብ ምምራጽ ካብ ዝካፈላ ኣትሒዘም ኵነታት እናሓሸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ከመይሲ ንሳትን ውሳኔ ኣብ ምውሳድ በላሕቲ ኢየን።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዋና ጸሓፊት ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ውን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ (እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ) ምዃና ውን ዘከሩ። ኣብ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን ከምኡ ውን ሰብውፉይ ሕይወት ዝኣመስለ "ክብርቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊን ክብርቲ እናቴ ሲሞና ብራምቢላን" ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ቝጠባ ኸኣ ምክትል ኣተሓባባሪት ጀርመናዊት ዝዀነት ሻርሎት ክሩተር-ኪርኽሆፍ ዝኣመሰላ ኣለዋ። ቅዱስነቶም በዚ መገዲ እዚ ክቕጽሉ ምዃኖም ውን ወሲኾም ኣፍለጡ - "ኵነታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓሸ መገዲ ይዓዪ ኣሎ ።" ኣብዚ ውዳበ እዚ ኣደ መንበር ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እተዛረብዎ ቃላት ውን ይዝክሩ - "ብዛዕባ ሓደ ፍሉይ ጸገም ኢና ንዛተ ዝነበርና፣ ኣነ ድማ 'ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ብኸመይ ትዋጽኣሉ ኣሎኹም?' ክብል ሓተትክዋ። ንሳ ኸኣ 'ከምቲ ዅለን ኣዴታት ዝገብራኦ' ኢላ መለሰትለይ።

ህብረት ዘድልዮም ስደተይናታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብቲ ኣብ ብራስልስ ዝርከብ ተቕዋም ቅዱስ ሚካኤል ዝረኸብዎም ካብ በልጅዩምን ላክሰምበርግን ነዘርላንድስን ዝመጹ 150 ኣኃው ኢየሱሳውያን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ብዛዕባ ስደት እውን ተዛሪቦም ኢዮም። ምስ ኵሎም እቶም ናብ ማሕበረሰብ ኣውሮጳ ዚስደዱ ዘለዉ ኣጸቢቖም ኪተሓባበሩ ከም ዝለዎም ውን ኣመልከቱሎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ብ2016 ክልተ ግብረ -ሽበራውያን እስላማዊ መንግስቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዛቨንቲም 16 ሰባት ዝቐተሉሉ መጥቃዕቲ ብምጥቃስ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቑ - "ሓደ ምስቲ ሕብረተሰብ ዘይተወሃሃዱ ስደተይናታት ኣብ ሕማቕ መፈጸምታ ኢዮም ዝወድቁ፣ እንተዀነ ግን እቲ ንገዛእ ርእሶም ዝስእኑሉ ሕብረተሰብ እውን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኢዩ ዝኣቱ ። ቤተ-ክርስትያን "ምስ ስደተኛታት ዘለዋ ዕዮ ኣርዚና ኽትርእዮ" ኣሎና ክብሉ ውን ተላበዉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እታ ብዕድመ ዝደፍአት ኣውሮጳ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስደተኛታት ኢያ እትምርኰስ። "ህይወት ንምሕዳስ ስደተኛታት የድልዩ እዮም። ግን ከአ ንድሕነት ዚምልከት ሕቶ ዀይኑ ኣሎ" በሉ።

“ኢየሱሳውያን ግን ገለ እኳ ኺፈርሁ የብሎምን"

ብዛዕባ ወንጌላዊ ተልእኾ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብተን ዓለማውያን ዝዀና ሰለስተ ሃገራት በነሉክስ ዝነበሩ ኣኃው ኢየሱሳውያን ምንም ኸይፈርሁ ኣተባብዕዎም - "ኢየሱሳውያን ዋላ ሓንቲ ኽፈርሁ የብሎምን። ኣብ መንጎ ኽልተ ዓይነት ትብዓት ማለት፣ ኣብ ጸሎት ንኣምላኽ ናይ ምድላይ ትብዓትን ኪኖ ደረት ናይ ምሕላፍ ትብዓትን ዝቃለሱ ዝለዉ ሰብኡት ምኹኖም ውን ገለጹ።" ጸሎት ኢየሱሳውያን "ኣብ ዶባት ኣብ ዘሎ ዅነታትን ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ኢዩ ዝማዕበለ ኢዩ ። እዚ ድማ ኢዪ እቲ ጽባቐ መንፈሳውነትና፣" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለማዊ ኣተሓሳስባ "እተሓላለኸ ተርእዮ" ኢሎም ብምጽዋዕ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝበሃል ኣምር ዘይርድኦ ሕብረተሰብ እዞም ኢየሱሳውያን ብውሽጣዊ ጸሎትን 'ብምስክርነትን ብኣገልግሎትን ብእምነትን ኪሰብኩ' ኣለዎም። ብግልጺ ኽንዘራረብ ከምኡውን ብቕልል ዝበለ መገዲ ኣብ ምዝታይ ክንሕግዝ ኣሎና" ውን በሉ።

እንተዀነ ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "እቲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ትምህርቲ እውን ኣገዳሲ ኢዩ ክፍሊ ናይቲ ከም ኢየሱሳውያን መጠን እንገብሮ ጻውዒት ድማ ኢዩ" ብምባል ቀጸሉ ። ሓደ ኢየሱሳዊ "ኣብ ትምህርቲ ዓለም ኣብ ምርምርን ከምኡውን ኣብ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክርከቡ" ኣለዎ። ቅዱስነቶም ብፍላይ ኣብ ስነ-ምግባራዊ ትምህርተ መለኮት ተገዳስነት ነበሮም ። "ሎሚ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሓት ኢየሱሳውይን የጽንዑን መገድታት ትርጕም ይኸፍቱን ከምኡውን ሓድሽ ብድሆታት የምጽኡ ኣለዉ። እዚ ቐሊል ከም ዘይኰነ ውን እፈልጥ እየ ። ንኢየሱሳውያን ግና ንቕድሚት ኪግስግሱ እምሕጸኖም ኣለኹ" በሉ። ንዕዮ ናይ ሓደ ጕጅለ መጽናዕቲ "ኢየሱሳዊ ስነ-ምግባራት" ይከታተልዎ ከም ዝለዉ ብምግላጽ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከም ዋዛ ብምጥቃስ "ጽቡቕ ይዓዩ ከም ዘለዉ ኸኣ እርእየ ኣሎኹ” በሉ።

09 October 2024, 16:35