ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፡ 'ጎይታ ብሓጎስ ይመልኣኩም'።

ፍራንቸስኮ ንተሳተፍቲ "ማድሪድ ቀጥታዊ ኣኼባ 2024" ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ መንእሰያት ጎይታ ብሓጎስ ክመልኦምን ጥበብ ኣረጋውያን ኩሉ ግዜ ብሓጎስ ክቕበሉን ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"እግዚኣብሄር ብሓጎስ ይምልኣኩም!" ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ነዚ ዝበሉ ዕለት 5 ጥቅምቲ ናብ መንእሰያት ርእሰ ሰበኻ ማድሪድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኽውን እንከሎ፥ እቲ "ሕጉሳት ኣብ ተስፋ" ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ ነቲ ኣብ 2025 ዓ.ም. ኢዮቤል ተስፋ መሰናደዊ ዝተኻየደ "ማድሪድ ቀጥታዊ ኣኼባ 2024" ዓውደ ኣኼባ መንእሰያት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም መንሰያት ድማ ቀርባኦም ከም ዝኾኑን ብቐረባ ድማ ከሰንይዎም ምንዮቶም ምዃኑ ኣረጋጊጾም፥ ነቶም መንእሰያት ተባዓት ክኾኑን ንቕድሚት ክስጉሙን ብምዝኽኻር ድራኼታቶም ከይስእኑን ኢዶም ከይህቡን ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘሎ ሃብቲ

ቅዱስ ኣቦና ምስ ኣረጋውያን ቀረባ ምዃንን ካብ ጥበቦም ምምሃርን ዓቢ ዋጋ ከምዘለዎ ኣስሚሮም፡ "በጃኹም፡ ምስ ኣረጋውያን ዘተ ህያልኹም ንሳቶም ናይ ሓደ ህዝቢ ጥበብ እዮም: ስምዑዎም። ንሳቶም'ውን ይስምዑኹም፡ ሱር ህዝብኹም ኣይትምሓዉ ሓደራ"

ምስ በሉ ኣስዒቦም ድማ "ሱሩ ዝቖርጽ ገረብ ነጒዒ የብሉን። ሱርካ ብመሃዝነት ሒዝካ ምንባር። መሃዛይ ዘይኮነ መንእሰይ ህይወት የብሉን - ብህይወት ከሎ ዝሞተ እዩ።”

ጎይታ ሓጎስ ይህበካ

ኣስዒቦም ነቶም መንእሰያት ሓጎሶም ከይስእኑ ኣተሓሳሲቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም መልእኽቶም ቅድሚ ምዝዛሞም እቶም መንእሰያት ኣብ ጸሎቶም ክዝክሩዎምን ሓደራ ቢሎም  "ጎይታ ብሓጎስ ይመልኣኩም" ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

07 October 2024, 17:04