ҽ

2024.10.18 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ላይበሪያ ርእሰ ብሔር ተራኺቦም 2024.10.18 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ላይበሪያ ርእሰ ብሔር ተራኺቦም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ላይበሪያ ርእሰ ብሔር ተራኺቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ጥቅምቲ ንግሆ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ላይበሪያ ርእሰ ብሔር ጆሰፍ ንዩማ ቦኣካይ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መገልጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ረፓብሊካዊት ላይበሪያ ርእሰ ብሔር ጆሰፊ ንዩማ ቦኣካይ ድሕሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ክሌዊ ዘተ ብናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ርክባት ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን፥ ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ላይበርያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና፡ ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዓውድታት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዝግበር ምትሕብባር፡ ከምኡ’ውን ገለ መዳያት ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ምይይጥ ከም እተኻየደን ብፍላይ ንዞባዊ ኩነታትን ተርእዮታት ስደትን ብምጥቃስ ኣብ እዋናዊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ሓሳባ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን ናይ ረፓብሊካዊት ላይበሪያ ርእሰ ብሔር ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምፍናዎም ምስ ቅዱስ ኣቦና ገጸ በረኸት ናይ ምልልዋጥ ስነ ስርዓት ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግልጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ገጸ በረኸት ናይ ምልልዋጥ ስነ ስርዓት
ገጸ በረኸት ናይ ምልልዋጥ ስነ ስርዓት
21 October 2024, 08:53