ҽ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ንወርሒ ጥቅምቲ፡ 'ንሓባራዊ ተልእኾ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወርሒ ጥቅምቲ "ንሓባራዊ ተልእኾ" ዝብል ናይ ጸሎት ሓሳብ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ከም ዝፈነዉን፡ ኩሎም ምእመናን ኣብ ዝኾነ ይኹን ጸዋዕታ ይኹኑ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሓላፍነት ንኽስምዖም ዝከኣሎም ኵሉ ኽገብሩ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣብዛ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መራኸቢ ጸሎት ኣቢሎም ንብምልእታ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብሕድሪ የቕርቡ።

ዘሎካ ጸዋዕታ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ንእሽቶ መገዲ ወፈያ ይገብር፥ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን "ብሓደ ሓቢርና ክንጓዓዝ መገዲ ስኒት ክንስዕብ" ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘጕልሕ ኢዩ፥ ቅዱሰነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ይብሉ -  "ኣብ ተልእኾ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣሎና ኣብ ሕብረት ቤተ-ክርስትያን ንካፈልን ንነብርን።"

ነዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብጳጳሳዊ ማሕበር መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ  ዝተዘርገሐ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ እዚ ጳጳሳዊ ማሕበር ምስ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ መራኸቢ ብዙሓን ደሳለስ ብምትሕብባር ዝዳለዎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ይብሉ፥ ዝተቐበልካዮ ጸዋዕታ ብዘየገድስ እቲ ተልእኾ ሓደ ምዃኑ ኣሚንካ ማለት ብህይወት ዝምስከርን" "ነፍሲ ወከፍ ዝከኣሎ ዅሉ ከቕርብ ዝዕድም" እዩ እንክብሉ ኣጒሊሖም፥ ነዚ ብምስትውዓል "ኣብዚ ሓላፍነት እዚ ብሓባር ክንዓዪ" ጻውዒት የቕርቡ።

ነታ "ቤትና" ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን ናይ ምክንኻን ሓባራዊ ሓላፍነት ኣሎና” . . . ካህናት "ጐይተት ምእመናን ዘይኰኑስ ጓሶት ምመናን እያቶም" እንክብሉ ኣነጺሮም፡ ኢየሱስ ንሓድሕድና ንኽንደጋገፍ ብኸመይ ከም ዝጸውዓና ድማ ኣስዒቦም የስተብህሉ . . .

በዚ መንፈስ እዚ ቅዱስ ኣቦ ንዅሎም እቶም ኣብ ኵሉ ደረጃታት ቤተ-ክርስትያን ዝርከቡ እተጠምቁ ሰባት ቤተ - ክርስትያን ቤቶም ምዃና ክዝክሩን ብሓባር ድማ ክከናኸንዋ ሓባራዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎም የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ - "ቤተ-ክርስትያን ከም ምልክት ናይ ሓባር ሓላፍነት ተሳትፎ ምትሕብባር ከምኡውን ሓባራዊ ተልእኾ ካህናት ሰብ ውፉይ ህይወት ምእመናን ኰይና ብዅሉ መዳይ ነቲ ሲኖዶሳዊ ኣነባብራ ምድጋፍ ክትቅጽል ንጸሊ" እንክብሉ ይዛዝሙ።

01 October 2024, 16:50