ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣባ ጉስታቮ ጉቲየረዝ ‘ዓቢ ወዲ ቤተ ክርስቲያን’ እንክብሉ ይዝክርዎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣባ ጉስታቮ ጉቲየረዝ ‘ዓቢ ወዲ ቤተ ክርስቲያን’ እንክብሉ ይዝክርዎም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣባ ጉስታቮ ጉቲየረዝ ‘ዓቢ ወዲ ቤተ ክርስቲያን’ እንክብሉ ይዝክርዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነፍስሄር መስራቲ ቲዮሎጊያ ሓርነት ኣባ ጉስታቮ ጉቲየረዝ ዓቢ ሓዋርያዊ ድርኺትን ሃብታም ቲዮሎጊያን ከም ዘምጽኡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር ኣባ ጉስታቮ ጉቲየረዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየተ መልእኽቲ፥

“ሎሚ ብዛዕባ ጉስታቮ እየ ዝሓስብ። ጉስታቮ ጉቲረዝ። ዓቢ ሰብ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰብ።”

ብሰፊሑ መስራቲ ቲዮሎጊያ ሓርነት (ሓርነታዊ ቲዮሎጊያ) ዝፍለጥ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓልዮት ድኻታት ቀዳምነት ዝሃበ ነፍሰ ሄር ኣባ ጉቲየረዝ ጉቲረዝ ዕለት 23 ጥቅምቲ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ሃገረ ፔሩ ርእሰ ከተማ ሊማ ናብ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቀብሪ፥ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፥ ነፍሰ ሄር ኣባ ጉቲየርዝ፥ “ስቕ ምባል ኣብ ዘድልየሉ እዋን ሱቕ ምባል ዝፈልጥ፥ ክሳቐ ኣብ ዝግደደሉ እዋን ከመይ ጌሩ ከም ዝሳቐ ዝፈልጥ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን ብካርዲናል ጆሴፍ ራትዚንገር (ድሒሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16) ዝምራሕ ዝነበረ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ናይ ሎሚ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ብዛዕባ ቲዮሎጊያ ሓርነት (ሓርነታዊ ቲዮሎጊያ) ብፍሉይ ዘማእከለ መርመራ ኣካይዱ። እቲ መርመራ ናይ ኣባ ጉቲየረዝ ጽሑፋትን ቲዮሎጊዊ ስነ ምርምርን ዝኾነ ጠመቃዊ ጌጋ ከም ዘይብሉ ከም ዝገለጾ ኣመላኺቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ንጉቲየረዝ፣፥ “ክንድዚ ዝኣክል ሓዋርያዊ ፍረን ክንድዚ ዝኣክል ሃብታም ቲዮሎጊያን ንቕድሚት ከሰጉሙ ዝኸኣለ” እንክብሉ ብምዝካር “ብሰላም የዕረፍ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣባ ጉተሬዝ ምስ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ ቲዮሎጊያ ሓርነት (ሓርነታዊ ቲዮሎጊያ) ቃለ መሕትት ከም ዘካየዱን ኣብ 2014 ዓ.ም.  “ድኻ ንድኻ፥ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተሓትመት መጽሓፍ ኣባ ጉቲየረዝ ክልተ ምዕራፍ ዝደረሱ ከም ዝኾኑን ናይታ መጽሓፍ መቕድም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተጻሕፈ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ ምርጫ ቤተ-ክርስትያን ንድኻታት ስናነ ዘይኰነስ እንታይ ደኣ "ድኽነት የዕኑን ድኽነት ንውልቀ - ሰባትን ኣባይቲ ስድራን ዘዕንው ናይ ዓለም ክውንነት ኢዩ" ካብ ዝብል ኣፍልጦ ዝነቐለ ክርስቶሳዊ ጸዋዕታኣ እዩ ዝብል ሓሳብ እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

28 October 2024, 08:15