ҽ

2024.03.06 Udienza Generale 2024.03.06 Udienza Generale  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ 'ስፖርት ናይ ህይወት መዝሙር ኢዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኢጣልያዊ ጋዜጣ ኮሪየረ ደሎ ስፖርት-ስታድዮ ንምዝካር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ቅዱስነቶም ነዛ ኣብ ኢጣልያ እትሕተም ጋዜጣ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ውድድራት ኣትለት ንዝተረኽበ ዓወታትን ስዕረታትን "ከም ናይ ህይወት መዝሙር ገይራ ብምግንዛብ" ጸብጻባት ክትህብ ተላበዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኮሪየ ደሎ ስፖርት-ስታድዮ እትበሃል ኣብ ኢጣልያ እትሕተም ጋዜጣ እተመስረተሉ መበል 100 ዓመት ዝኽሪ ንምኽባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ኣብዚ ሚእቲ ዓመት ሰናይ ዝኾነ ቅድድም ኢኹም ዝተቐዳደምኩም" ብምባል ንዕዮ እታ ጋዜጣ ኣሞጊሶም።

ስፖርት ከም ውሑስ ቦታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ብንእስነቶም ኣብ ኣርጀንቲና ኵዕሶ እግሪ ብምጽዋት ዘሕለፍዎ ተዘክሮታት የስተንትኑ ። የዕሩኽ "ኣብ ሜዳ ስፖርት ተወዳደርቲ ደኣ እምበር ጸላእቲ ከም ዘይኮኑ ብምፍላጥ" ስለ ዝጻወቱ ንስፖርት ከም ተመክሮ ናይ "ሕውነታዊ ስምዒት" ገይሮም ገለጽዎ።

ተወዳደርቲ ነቲ ዝለዓለ ዓወት ንኽጭብጡ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከምኡውን ካብ ስዕረት ኸም ዚመሃሩን ብምግላጽ፣ ስፖርታዊ ውድድራት ኣብ ህይወቶም ትምህርቲ ኸም ዚህብ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብነት ናይቲ ኣብ ኣርጀንቲና ዘገልግል ዝነበረ ሳለዥያዊ ካህን ክቡር ኣባ ሎረንዞ ማሳ ውን ይጠቕሱ ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለስዎ ስፖርት ዝጽወተሉ ውሑስ ቦታ ኣብ ምርካብ ኪቕጽሉ ከም ዘለዎም ውን ኣጕልሑ ።

ቀጺሎም ድማ "ንቘልዑን ንመንእሰያትን ብሓቂ ዝቕበልዎም ትምኒቶም ዝሰምዑን ምሳታቶም ሓቢሮም ዝሓሸ መጻኢ ክረኽቡ ዝደልዩን መንእሰያት" ክህልዉ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ገለጹ።

ስፖርት ዘለዎ ሓድነት ናይ ምፍጣር ሓይሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ግጭትን ዓመጻን እውን ከይተረፈ ስፖርታዊ ውድድራት ንሰባት ሓድነት ከም ዝፈጥረሎም ከም ምዃኑ ውን ኣስተንተኑ።

ንኣብነት ነቲ ኻብ ናይ ኦሎምፒክን ፓራኦሎ ጸወታታት ዝተረኽበ ዕዉትን ዘነቓቕሕን ዛንታታት ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም እታ ኢጣልያዊት ጋዜጣ ብዛዕባ እቲ ተወዳደርቲ ስፖርት ዝረኸብዎ ዓወትን ስዕረትን ጸብጻብ ኣብ ምሃብ ዘለዋ ግደ "ንስፖርት ከም መዝሙር ናይ ሕይወት ንምርዳእን ንምንባርን" ከም ዝሓገዙ ገይሮም ገለጽዋ።

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዓሌት ሃይማኖት ወይ ብደረጃታት ሕብረተሰብ ዘሎ ኣፈላላይ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ንስፖርት ከም ሓደ ሓድነት ገይሩ ኺጥቀመሉ ብምምሕጻን ዘይተጻዋርነት ከይህልዎ ኣጠንቀቑ።

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም እታ ኢጣሊያዊት ጋዜጣ ሓቅነትን ተቐባልነትን ከተደንፍዕ ከምኡውን "ንዅሉ መኽንዮታት ምግላልን ተነጽሎን ዓመጻን ከተወግዶ" ኣተባብዕዋ።

21 October 2024, 15:48