ҽ

ፍራንቸስኮ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጉባኤ “ኣብ ከተማ ሮማ ንዝግበር ትጽቢታት” ፍራንቸስኮ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጉባኤ “ኣብ ከተማ ሮማ ንዝግበር ትጽቢታት”   (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጉባኤ “ኣብ ከተማ ሮማ ንዝግበር ትጽቢታት”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ንነዊሕ እዋን “ኣብ ከተማ ሮማ ንዝግበር ትጽቢታት ግብረ ሰናይን ፍትሕን መልሲ” ብዝብል ኣርእስቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጉባኤ መዛዘሚ ንምስታፍ ዕለት 25 ጥቅምቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራን ክበጽሑ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ዕለት 25 ጥቅምቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ቅዱስነቶምን ኣባላት ሰበ - ስልጣን ሮማን ነቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝተበገሰ ጕዕዞ ኣብ ዛዕባ "ዘይ - ማዕርነት" ዘማእከለ መደብ ንምዝዛም ኣብ ዝካየድ ርክብ ክሳተፉን መደረ ከስምዑን ከም ዝኾኑን እዚ ተበግሶ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት እቲ “ሓላፍነት ክርስትያናት ኣብ ምላሽ ትጽቢታት ግብረ ሰናይን ፍትሕን ኣብ ከተማ ሮማ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተበገሰ ጉባኤ ንምጽንባል ዝካየድ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅድሚ 50 ዓመት ዝጀመረ ተበግሶ

ፈለማ ካብ ዕለት 12 - 15 ለካቲት 1974 ዝተኻየደ መደብ፡ “ንሕማማት ሮማ” ዝተወፈየ ዋዕላ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን፡ ናይ ርእሰ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ሊቀ ጳጳስ ባልዳሳረ ረይና፡ ነታ ከተማ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታትን “ኣብ ቅድሚ እዚ ዘይ - ምዕሩይነት’ዚ ክርስትያን ማሕበረሰብ ሮማ ዘለዎም ሓላፍነትን” ምሕሳብ ኣገዳሲ ምዃኑ ደጊሞም የዘኻኽሩ።

“ዘይ - ማዕርነት” ሎሚ ኣብ ሮማ

ካብ ለካቲት 2024 ዓ.ም. ጀሚሩ፡ ተበግሶ “ዘይ - ማዕርነት”፡ ምግላልን ዘይምዕሩይነትን ዝያዳ ዝረኣየሎም ካብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ክሳብ መንበሪ ኣባይትን ስራሕን ዝብሉ መዳያት ኣብ ምልላይ ዘማእከለ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ምክያዶም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝእንገድ ኣኼባ ኮይኑ፡ እቶም መደረ ዘስምዑ ኣብዞም ዓውድታት ዘለዉ ወሰንቲ ኣሃዛት፡ ተማሃሮ፡ ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕናን ክኢላታት ስነ - ቑጠባን፡ ኣብታ ከተማ ንዘሎ ዘይምዕሩይነት መፍትሒ ኣብ ምርካብን ምትግባርን ዘለዎም ተራን ከመላኽቱ ከም ዝኾኑን ዕለት 25 ጥቅምቲ ሊቀ ጳጳስ ረይና ድሕሪ ቀትሪ ዝካየድ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ክመርሑ እዮም፣ እዚ ድማ ሰዓት 17፡30 ድሕሪ ቀትሪ ክጅምር እዩ።

ዕለት 25 ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ጉባኤ ንምዝዛም ኣብ ዝካየድ መደብ ተረኺቦም ኣስተንትኖ ክህቡ ምዃኖም የመላኽት።

04 October 2024, 17:33