ҽ

2024.10.30 ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ናይ ሕይወት ባህሊ ኣብ ምስፋን ዝግበር ጻዕሪ የመስግኑ 2024.10.30 ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ናይ ሕይወት ባህሊ ኣብ ምስፋን ዝግበር ጻዕሪ የመስግኑ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ናይ ሕይወት ባህሊ ኣብ ምስፋን ዝግበር ጻዕሪ የመስግኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥቅምቲ ነተን ዝተንጸንሰ ዕሸል ቅድሚ ምውላዱ ክውለድ ዝነበሮ ክነሱ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብምስኣነን ክትገልጾ ኣብ ዘይከአል ስቓይ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ቀረባ ብምዃን ኵለንተናዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ንዘገልግል ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ኣክል ዝኾነ ሽማግለ ውጥን ተስፋ ጻዕርታቱ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብዚ ቤት ቅዱስ ጴጥሮስን መላእ ቤተክርስትያንን ክቕበለኩም ሓጎስ ይስምዓኒ፥ እቲ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተበገሰ ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ምግልጋል ዝብል ዕላማ ዘለዎ ተወፋይነትኩም ብሓቂ ባህ ዘብል እዩ” እንክብሉ ንነቶም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ሽማግለ ውጥን ተስፋ ኣባላት ተ`ቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይቲ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ተበግሶ ውጥን ተስፋ ዘሳልጥ ሽማግለ፥ ብምንጻል ጽንሲ ድዩ ብኻልእ ተስፋ ብዘቕርጽ ምኽንያት ዝተጸንሰ ውላደን ዝስእና ደቂ ኣንስትዮ ንኽፍወሳን ምሕረት እግዚኣብሔር ተመክሮአን ንኽገብራ ዝሕግዝ ምዃኑ ብምዝኽኻር ሰባት ተመክሮ ምሕረት ኣምላኽ ንኽገብሩ ዝሕግዝ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ልዑል ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ምውላድ ነፍሲ ወከፍ ናጽላ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ንዓና ዚዕብልለናን ተስፋ ዘሐድስን ምስጢራዊ ሓጐስ ዚተሓሓዝ እዩ . . . ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ብዛዕባ ውልደት ኢየሱስ ኣብ ቤት - ልሄም ማለት ኣምላኽ ኣብ ልብና ኺነብር ከም ዚደሊ ዝነገር እዩ።

ምናልባት በዚ ምኽንያት እዚ ክኸውን ይኽእል . . . "ጎይታ ብስነ - ምምሃር ወንጌሉ ኣቢሉ ከም ተጻራሪ ናይቲ ሓጎስ ብጭካነ ዘንቀጥቀጠና ቃንዛ ተሳተፍቲ ክገብረና ዝደልይ ይኽውን፥ በዚ መንጽር እዚ ቀጺሎም ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣዴታት ደቀን ብምስኣን ዘጋጥመን ዘይሕሰብ መከራ ዝገልጽ ጥቕስታት ብምቕራብ፥ ዝነበረኦን ዝተጸገወኦም ጸጋ ኣምላኽ ኣዘካኺሮም፥

ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ዝንበር ኣሜን

ነቲ ሽማግለ ውጥን ተስፋ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ጠቒሶም፡ ምስጋናኦም ብምቕራብ፡ ንብዙሓት ሰባት ከም መላእኽቲ ኢኻትኩም ቢሎም፥ ቅዱስ ዮሴፍ ጻዕሮም ከሕይል ተማሕጺኖም፥

"ኣሓትና ንኢየሱስ ኣብቲ ዘጋጥመን ምድረበዳ ምእንቲ ክረኽባ፡ ኣብተን ጽኑዓት ኣእዳው ቅዱስ ዮሴፍ ተወከሉ ሓደራ" ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ "ምስኡ ኣብቲ ማሙቕን ውሑስን ቤት ናዝሬት ክበጽሓ እየን፡ ኣብኡ ድማ ውሽጣዊ ስቕታን ኣብ ውሽጢ ቅድስቲ ስድራቤት ተቐባልነት ረኺበን ምሕረትን ይቕረታን ምርካብ ዝጽግዎ ሰላማዊ ሓጎስ ከስተማቕራ ይኽእላ . . . ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም፥ ቅድስት ንጽህቲ ድንግል ማርያም በቲ ግሩም መንጠሊናኣ ትኽውለኩም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 October 2024, 16:42