ҽ

2024.10.20 Santa Messa e Canonizzazione dei Beati Manuel Ruiz Lopez e sette Compagni; Francesco, Mooti e Raffaele Massabki; Giuseppe Allamano; Marie-Leonie Paradis; Elena Guerra 2024.10.20 Santa Messa e Canonizzazione dei Beati Manuel Ruiz Lopez e sette Compagni; Francesco, Mooti e Raffaele Massabki; Giuseppe Allamano; Marie-Leonie Paradis; Elena Guerra  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንመሰላት ሕዝቢ ያኖማሚ ኣብ ጫካታት ኣማዞን ንምጥባቕ ቃል ምሕጽንታ ኣቕረቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንፖለቲካውያንን በርገሳውያን ሰበ-ስልጣን እተን ኣብ ኣማዞንያ ዚርከባ ሃገራት መሰረታዊ መሰላት እቶም ኣብ ዶብ ቬንዝዌላን ብራዚልን ዚነብሩ ደቀባት ያኖማሚ ኺሕልዉ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምዝዛም መሥዋዕተ ቅዳሴ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ኣብ ዝለገሱሉ፦ "ንፖለቲካውያንን በርገሳውያን ሰበ-ስልጣን ንህዝቢ [ያኖማሚ] ከምኡውን ንመሰረታዊ መሰላቶም ዑቕባ ክኾንዎም ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምግሃስ መሰላቶምን ክብረቶምን ኣብ ዞባኦም ከወግዱ እልምኖም ኣሎኹ፣" ክብሉ ተላበዉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ሓደ ካብቶም ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድስናኡ እተኣወጀ ቅዱስ ጁሰፔ ኣላማኖ ንክርስትያን ምእመናን ነቶም ተነቀፍቲ ወይ መሳኪን ኽንከናኸኖም ግዴታ ኸም ዘሎና ኸም ዜዘኻኽሮም ገለጹ ።

ሕዝቢ ያኖማሚ ኣብ መንጎ ቬንዝዌላን ብራዚልን ኣብ ዝርከባ ካብ 200-250 ኣቝሻት ኣማዞንያ ኣብ ዝሓዘ ዞባ ዝነብሩ 35,000 ዝዀኑ ደቀባት ኢዮም።

ብመሰረት ጕጅለታት መሰላት ዘይሕጋዊ መዐደኒ ወርቂ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምድሪ ሕዝብታት ያኖማሚ ኢዩ ዝፍጸም፣ እዚ ድማ ማሕበራውን ኣከባብያውን ጕዳያት ብምኽሳት እንተላይ ምድሮም ኣብ እተፈላለየ ማሕበረሰባት ብሓደ ሜርኩሪ እተሰምየ ንጥረ ነገር ከም ዝምረዝ ገይርዎ ኣሎ።

ምእንቲ እቶም ብሰንኪ ውግእ ዚሳቐዩ ህዝብታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክርስትያን ምእመናን ምእንቲ እቶም ብሰንኪ ውግእን ግጭታትን ዚሳቐዩ ዘለው ሰባት ሰላም ምእንቲ ክረኽቡ ኪጽልዩ ኸም ብሓድሽ ጻውዒት ኣቕረቡ።

"ምእንቲ እቶም ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ማለት ምእንቲ እቶም በጃ ዝዀኑ ዘለዉ ፍልስጤምን እስራኤልን ሊባኖስን ምእንቲ በጃ ትኸውን ዘላ ዩክረይን ሱዳን ምያንማርን ከምኡውን ምእንቲ ኻልኦት ሕዝብታትን ብቐጻሊ ንጸሊ። ምእንቲ ውህበት ሰላም ከኣ ንለምን" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ እዛ እነኽብራ ዘሎና ሰንበት ዕለተ ተልኾ ወንጌል ውን ከም ዝኾነት ውን ዘከሩ፣ በቲ - "ኪድ ንዅሉ ሰብ ናብቲ ጽንብል መርዓ ዓድምዎም!" ዝተሰነየ ከም ምዃኑ ውን ኣዘኻኸሩ።

ኵሎም ናብቲ "ምስ ጐይታ ብሓጐስ ዝግበር ምርኻብ" ምእንቲ ኽመጹ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብቲ ወንጌል ናይ ምእዋጅ ኣድማሳዊ ተልእኾ ንኽካፈሉ ከም እተጸውዑ ውን ገለጹ።

"ብጸሎትናን ብሓገዝናን ንዅሎም እቶም ነዚ ዜንጸባርቕ መልእኽቲ ወንጌል ናብ ኵሉ ኽፋላት ዓለም ንምብጻሕ ዓብዪ መስዋእቲ ዘወፍዩ ዘለዉ ልኡካነ ወንጌል ንደግፎም" ክብሉ ውን ተላበዉ።

21 October 2024, 15:58