ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 21 ሓደሽቲ ካርዲናላት ንኽሰምዩ ጉባኤ ካርዲናላት ክጽውዑ ምዃኖም ኣፍሊጦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ 2024 ኣብ ቫቲካን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝመጹ 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ንኽሰምዩ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝጸውዑ ዕለት 6 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይብሉ ዕለት 8 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ኣብ ክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ኣብ ቫቲካን ሓደስቲ ካርዲናላት ንምቛም ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝጸውዑን እቲ ካብ መላእ ዓለም ብዝመጹ ወከልቲ ዝቐውም ስሜት ሓደስቲ ካርዲናል፥ ቅድሚ ምኽፋት ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል 2025ን ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ክፋል ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዝትይ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ኣብ ቫቲካንን ዝኽወን እዩ።

ዝርዝር ዝስመዩ ካርዲናላት

1. ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኣንጀሎ ኣቸብሪ

2. ኣብ ፐሩ ናይ ሊማ ሊቀ ጳጳሳት ካርሎስ ጉስታቮ ካስቲዮ ማታሶሊዮ

3. ኣብ ኣርጀንቲና ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ናይ ሳንቲያጎ ደል አስተሮ ሊቀ ጳጳሳት ቪሰንት ቦካሊክ ኢሊች

4. ኣብ ኤኳዶር ናይ ጒያኪል ሊቀ ጳጳሳት ልዊስ ገራርዶ ካብረራ ሀረራ

5. ኣብ ቺላ ናይ ሳንቲያጎ ደል ቺለ ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንዶ ናታሊዮ ቾማሊ ጋሪብ

6. ኣብ ጃፓን ናይ ቶኪዮ ሊቀ ጳጳሳት ታርቺሲዮኢሳዎ ኪኩቺ

7. ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ካሉካን ጳፓስ ጳብሎ ቪርጊሊዮ ሲዮንግኮ ዳቪድ

8. ኣብ ሰርቢያ ናይ በኦግራድ ስመደረቮ ሊቀ ጳጳሳት ላዲስላቭ ነመት

9. ኣብ ብራዚል ናይ ፕርተ ኣለግሪ ሊቀ ጳጳሳት ኻይመ ስፐንግለር

10. ኣብ ኣይቮርይኮስት ናይ ኣቢጃን ሊቀ ጳጳሳት ኢናይሰ በሲ ዶግቦ

11. ኣብ ኣልጀሪያ ናይ ኣልጀሪ ሊቀ ጳጳሳት ዣን ፓውል ቭስኮ

12. ኣብ ኢንዶነዢያ ናይ ቦጎር ኣቡን ፓስካሊስ ብሩኖ ስዩኩር

13. ኣብ ኢራን ናይ ተሄራንን ስፓሃን ሊቀ ጳጳሳት ዶመኒክ ጆሴፍ ማቲዩ

14. ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቱሪን ሊቀ ጳጳሳት ሮበርቶ ረፖለ

15. ናይ ሮማ ምኽትል ሓርያዊ ምምሕዳር ካብ ዕለት 6 ጥቅምቲ ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ኮይኖም ዝተሰምዩ ባልዳሳረ ረኢና

16. ኣብ ካናዳ ናይ ቶሮንቶ ሊቀ ጳጳሳት ፍራንሲስ ለዮ

17. ናይ ባዚሊካ ቅስተ ማርያም ዓቢይ ተራዳኢ ሊቀ ካህናት ሮላንዳስ ማክሪካስ

18. ኣብ ኡክራይና ናይ ኤጳርቅና ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ጳጳስ ማይኮላ ብይቾክ

19. ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ቲሞትይ ጆሰፍ ራድሊፍ

20. ጉዳያት ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣባ ፋቢዮ ባጆ

21. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ በዓል መዚ ሓላፊ ጉዳያት ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. የኔታ ኣባ ገኦርገ ጃኮብ ኮቫዳድ

ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 October 2024, 17:15