ҽ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዋጅ ቅድስና 'ኣገልግሎት ክርስትያናዊ መንገዲ ሕይወት እዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ነቶም ንእምነቶም ምኽሓድ ብምእባዮም ኣብ ሶርያ እተቐትሉ 11 ሰማእታት ዝዘከረሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ን14 ሓደስቲ ቅዱሳን ቅድስና ኣዊጆም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ማኑወል ሩዊዝ ሎፐዝን ምስቶም ፍራንሲስ፣ ሙቲ፣ ራፋኤል ማሳብኪ፣ ኣባ ኣባ ጆሴፍ ኣላማኖ፣ እናቴ ማሪ ሊዮኒ ፓራዲስን ከምኡውን እናቴ ኢለና ጓራ ዝተሰምዩ ሸውዓተ ብጾቶም ትማሊ ሰንበት ብቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድስናኦም ተኣዊጁ። ነፍሲ ወከፎም ናይ እምነት ጅግንነት ዝመስከሩ ኣብቲ ፍሉይ ጸዋዕታኦም ቅድስና ዝመስከሩ ኢዮም ዝነበሩ።

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዕለት 20 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድስናኦም ብዕሊ ንመላእ ቤተክርስቲያን ከምዚ ክብሉ ኣዊጆም፣ "እዞም ሓደስቲ ቅዱሳን እዚኣቶም መገዲ ኢየሱስ ማለት ሕይወት ኣገልግሎት ኢዮም ዝነብሩ ዝነበሩ" ብምባል ገለጹ።

"እቲ ዝነበርዎ እምነትን ሓዋርያዊነትን ንዓለማዊ ትምኒቶምን ስልጣኖምን ዝምግብ ኣይነበረን ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣገልገልቲ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኮይኖም፣ ሰናይ ንምግባር መሃዝቲ ኣብ ጸገማት ጽኑዓት ክሳዕ መወዳእታ ድማ ለጋሳት ኰኑ" ክብሉ መስከሩሎም።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እዞም ቅዱሳን ኣብቲ ዚህብዎ ምስክርነት ንክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ፣ ክብሪ ኺደልዩ ዘይኰነስ ንኼገልግሉ ዘቕረበሎም ዕድመ ኺስዕቡ ኸም ዚዕድሞም ገለጹ።

'ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ኽትሰትዩ ድልዋት ዲኹም?'

ካብቲ ወንጌላዊ ማርቆስ ዘንተዎ ወንጌል ነታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ያዕቆብን ዮሓንስን "እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩኒ አሎኹም?" ከምኡውን "ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትይዩዶ ትኽእሉ ኢኹም?" ክብል ንዝሓተቶም ብምጥቃስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እንከስተንትኑ፣ እዚ ሕቶታት እዚ ነቲ ስዉር ባህግታትና የብርሆ ብዛዕባ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምሕሳብ ድሌታትና ድማ የርሕቐልና ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም በዚ ሕቶታት እዚ ኣቢሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስኡ ዓሚቝ ርክብ ንምምስራት ከም ዝጸውዓና ውን ገለጸለጹ።

ያዕቆብን ዮሓንስን እሙናት ደቀ መዛሙርቲ እኳ እንተ ነበሩ፣ ክብረትን ስልጣንን ደልዮም ኣብ ዓለማዊ ኽብሪ እተመስረተ ትጽቢታት ሒዞም ናብ የሱስ ከም ዝቐረቡ ኣመልከቱ ።

ከም ሓደ ብሓይሊ ዚገዝእ ዕዉት መሲሕ ኣብ ኣእምሮኦም ብምቕራጽ፣ ብኽብሩ እንክግለጽ ኣብ የማኑን ኣብ ጸጋሙን ናይ ክብሪ ቦታ ኺረኽቡ ሃረር በሉ። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም እቲ ዝነበሮም ምርዳእ ጕድለት ከም ዝነበሮ ኣስተምህሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብቕጻል "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ነቲ ክሓትዎ ዝደለዩ ባህግታት ኣየቋረጾምን፣ ነቲ ብድሕሪ ቓላቶም ዘሎ ባህግታት ብምግላጽ ግን ኣዕሚቑ መርመሮም ። ከምቲ ንሱ ዚብድለና ካብ ህርፋን ሰብኣዊ ስልጣን ንላዕሊ ንኺርእዩ ሓደ ብድሆ ኣቕረበሎም።"

ኣባጅ ቅድስና 14 ቅዱሳን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
ኣባጅ ቅድስና 14 ቅዱሳን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

ኬገልግል ዝመጸ ንጉስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እቲ ናይ ሓቂ መሲሕ ንጉስ ስልጣንን ዓብላልነትን ዘይኰነስ ንህይወቱ ኣብ መስቀል ክሳዕ ኣሕሊፉ ዝህብ ዜገልግል ኣገልጋሊ ንጉስ እዩ ዝነበረ።

ወሲኾም ድማ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘቕርበሎም ምሳሌ ካብቲ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ናይ ሓይልን ስልጣንን ኣጸቢቑ ዝረሓቐ ምንባሩ ገለጹ ።

"ብየማኑን ብጸጋሙን ዙፋን ዓይነበሮም፣ የግዳስ ክልተ ሰረቕቲ ኣብ ክልተ ጐድኑ ተሰቒሎም ብውርደት ምስኡ ክሳቐዩን ክሞቱን ተረኽቡ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ሞት እዚ እታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመልከታ ጽዋእ ማለት ብህይወት ፍቕርን መከራን ኣገልግሎትን እተጠምቀት እያ ዝነበረት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ምዃን ሓደ ኻብቲ ኽትቈጻጸሮ እትደሊ ዘይኰነስ ምግልጋል እትመሃረሉ መገዲ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ ።

"እቶም ንክርስቶስ ዚስዕቡ ዓበይትን ክቡራትን ክኾኑ እንተ ደለዩ ኬገልግሉ ኣለዎም" ውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዋጅ ቅድስና 14 ቅዱሳን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዋጅ ቅድስና 14 ቅዱሳን

ኣብነት ቅዱሳን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብነት ናይቶም ትማሊ ሰንበት ቅድስናኦም ዝተኣወጀ 14 ቅዱሳን ብምጥቃስ ድማ ንኽብሪ ገዛእ ርእሶም ዘይኮነስ ንኽሪ ኣምላኽን፣ ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣገልገልቲ ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ምዃኖም ገለጹ ።

ንክርስትያን ምእመናን ድማ "ንክርስቶስ ምእንቲ ኽንስዕቦን ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ክንጽመድን ምስክር ተስፋ ዓለም ምእንቲ ኽንከውንን" ክጽልዩ ዓደምዎም።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ኣዋጅ ቅድስና 14 ቅዱሳን
21 October 2024, 15:53