ҽ

09-10-2024 Udienza Generale 09-10-2024 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንቤተ ክርስትያን ዘስፍሕን ሓድነት ዝህባን መንፈስ ቅዱስ ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ዘለዋ ተልእኾ ናብ ኵሎም ህዝብታት ኣብ ምስፋሕን ካብ ውሽጣ ዳማ ሓድነት ኣብ ምድንፋዕን መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ግደ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ብዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ተሳተፍቲ ስሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝኾኑ ምእመናን ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ዓሚቝ ግደ ኣስተምህሩ።

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ካብ ግብሪ ሃዋርያት እተወስደ ሓሳባት እንከስተንትኑ ክልተ ቐንዲ ተግባራት መንፈስ ኣጕልሑ - እዚ ድማ ቤተ - ክርስትያን ንዅሎም ህዝብታት ክትበጽሖም ዘለዋ ሓይሊ ከምዃኑን ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ቤተ - ክርስትያን ሓድነት ንምድልዳል ዘለዎ ተራን ኢዩ ዝነብረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዕለተ ጰራቅሊጦስ ብምዝካር "ኵላቶም ብመንፈስ ቅዱስ መልኡ" ብምባል ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ፣ እዚ ኸኣ ሓዋርያት ብእተፈላለየ ቛንቋታት ንኺዛረቡን ንኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኩሎም ኣሕዛብ ንኽሰብኩን ኣኽኣሎም። እዚ ተኣምራዊ ምልክት እዚ መግለጺ መለኮታዊ ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣድማሳዊ ምዃኑ ዝሕብር ንጹር መልእኽቲ ምዃኑ ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተምህሮ "መንፈስ ቅዱስ ንዅሉ ፍጥረትን ሓድነትን ቤተ ክርስትያን ዜረጋግጽ እዩ" ክብሉ ኣስተንተኑ ።

ጥምቀት ቀርነሌዎስ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ "ካቶሊካውነት ወይ ኣድማሳውንወት ከም ዘስፋሕፍሕ" ንምጕላሕ ካብ ግብሪ ሃዋርያት ክልተ ቐንዲ ኣብነታት ጠቐሱ። እቲ ቐዳማይ "ሓዋርያት ኣድማሶም ብምስፋሕ" ነቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣረማውያንን ዝነበረ ዕንቅፋታት ዘፍረሰሉ ወሳኒ ህሞት ዝዀነ ተግባር ማለት ንቆርኔሊዎስ ናብ ክርስትና ምእታው ኢዩ ዝነበረ። እዚ ኸኣ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ-ክርስትያን ሓደስቲ ህዝብታት ንኽትቅበል ብቐጻሊ ይደፋፍኣ ኸም ዘሎ ዜርኢ "ካልኣይ ጴንጠቆስጠ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ" ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ተልእኾኣዊ ጕዕዞ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ይጠቕሱ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ፈለማ ኣብታ ንእሽቶ እስያ እትበሃል ዝነብረት ኸይሰብኽ "ብመንፈስ ቅዱስ ተኸልኪሉ" ነበረ፣ ጸኒሑ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ብራእይ ስለ እተገልጸሉ ተመልሰ። እዚ ፍጻመ እዚ መንፈስ ቅዱስ ዓሌታዊ ምስፍሕፋሕ ጥራይ ዘይኰነስ "መልክዓ ምድራዊ ምስፍሕፋሕ" እውን ከም ዘደንፍዕ ዘርኢ ኢዩ።

ጉባኤ ኢየሩሳሌም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም እቲ ኻልኣይ ተግባር መንፈስ ቅዱስ ሓድነት ኣብ ምፍጣርን ኣብ ምዕቃብን ዝገበሮ ዕዮ ምዃኑ ኣስተንተኑ ። ናብቲ ሓዋርያትን ቀዳሞት ክርስትያንን ካብ ኣህዛብ ናብ ክርስትና ዝኣተዉ ምእመናንን ንሕጊ ሙሴ ክስዕብዎ ዝግባእ እንተ ዀይኑ ዝተዛተዩሉ ዋዕላ የሩሳሌም ምስል ብምባል ውን ሰፍሕ ኣስተንትኖ ኣቕረቡ። እቲ "ንመንፈስ ቅዱስን ንዓናን ጽቡቕ ኰይኑ ዝረኸብናዮ እዚ ኢዩ! " ብዝብል ቃላት እተኣወጀ መፍትሒ ሳላ ዝካየድዎ ዘተን ጸሎትን ከምኡውን ሜመያን ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ መንፈስ ቅዱስ "ብተኣምራታውን ወሳንን ስጕምቲ ብሃንደበት ሓድነት ኣይፈጥርን ኢዩ፣ የግዳስ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰብኣዊ መስርሕን ፍልልያትን ብዝምልከት "ልቦና ብዝመልኦ ኣገባብ" ኢዩ ዝዓዪ።

መንፈስ ቅዱስ ነፍሲ ቤተ-ክርስትያን ኢዩ

ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ነፍሲ ቤተ-ክርስትያን ብምምስዛል ንዝበሎ ቓላት ዘከሩ ከምዚ ድማ በሉ - "ከምቲ ነፍሲ ናይ ስጋ ሰብ ዝኾነት፣ ከማኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ናይታ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን ነፍሲ ኢዩ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ኣብ ወጻኢ ወይ ብግዴታ ኣይኮነንን ሓድነት ዝፈጥር እክብሉ ውን ኣጉልሑ። ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን "ንሱ ባዕሉ ማእሰር ሓድነት እዩ" ውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ብሕታዊ ህይወቶም ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ውን ዓደምዎም ከምዚ ድማ በሉ - "ክርስትያናዊ ሓድነት ዝህነጽ ካልኦት ኣብቲ ንሕና ዘለናሉ ቦታ ንኽበጽሑና ብምጽባይ ዘይኰነስ፣ ብሓባር ናብ ክርስቶስ ብምግዓዝ ኢዩ።" እዚ ንቤተ-ክርስትያን ብሓፈሻ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ንስድራቤታት ከምኡውን ንማሕበረሰብ ዝምልከት ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ንሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንእተረኽቡ ምእመናን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን "ናይ ሓድነትን ሰላምን መሳርሒ" ንምዃን ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ክወሃበና ንጸሊ ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ጸሎት ምእንቲ ሰላም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ደድሕሪ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ  ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ውርሒ ጥቅምቲ ወርሒ መቝጸርያ ምዃና ኣዘኻኸርዎም። ከምኡ ውን ነቶም ምእመናን መዓልቲ መዓልቲ ጸሎተ መቝጸርያ ክጽልዩ ብምዕዳም ንዅሎም እቶም ዝሳቐዩ ድማ ናብ ድንግል ማርያም ከወፍይዎም ምሕጽንታ ኣቕረቡሎም። ብፍላይ ከኣ ምእንቲ "እተን ዝዓንዋ ዘለዋ ሃገራት ዩክረይን ሱዳን ምያንማር ፍልስጥኤም ከምኡውን እስራኤል" ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።

09 October 2024, 16:37