'ኣፍቀረነ' - ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ እትገልጽ ዓዋዲት መልእኽቲ ጽሒፎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫካን
"‘ንሱ ኣፍቀረና’ እንክብል ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስቶስ (ሮሜ 8፡37 ርአ) ከምዚ ዝስዕብ በለ - ክብ ፍቕሩ “ክፈልየና” ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘየልቦ ምእንቲ ኸነስተውዕል ይስሕፈልና (ሮሜ 8፡39)” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ዘዳለውዋ ራብዓይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ይጅምሩ፣ እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስነቶም ንኣርእስታ ድማ ካብቲ “ውእቱ አፍቀረነ” ዝብል መኽፈቲ ቃላቶም እተወስደ ኢዩ።
እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ንሰብኣውን መለኮታዊን ፍቕሪ ልበ ኢየሱስ ክርስቶስ እተወፈየት ኮይና - "እቲ ዝተኸፍተ ልቡ ኣብ ቅድሜና ኢዩ ዘሎ፣ ብዘይ ቅድመ ዅነት ከፈቅረናን ዕርክነቱን ክህበና ከአ ይዝጽበየና አሎ ። " ቅዱስ ኣቦና ኣብ መኽፈቲ ከም ዝጸሓፍዎ 'ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና' (1 ዮሓ 4፡10 ርአ)። ሳላ ኢየሱስ 'በታ ኣምላኽ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናዮን ኣሚንናዮን ኢና።' (1 ዮሓ 4፡16)።
ፍቕሪ ክርስቶስ በቲ ቅዱስ ልቡ ኢዩ ዝውከል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሕብረተሰባትና "ምስ ኣምላኽ ፍቕሪ ኣብ እንገብሮ ግላዊ ርክብ ዋላ ሓንቲ ዝምድና ዘይብሉ እተፈላለየ ዓይነት ሥርዓተ መንፈሳውነት እናበዝሐ ይኸይድ ከም ዘሎ እውን ንርኢ ኣሎና" (87) ብምባል ክርስትና ግን መብዛሕትኡ ግዜ "ለውሃት እምነት ንኻልኦት ምግልጋል ዘምጽኦ ሓጐስን ንተልእኾ ዘሎካ ውዕዉዕ ስምዒትን" (88) ይርስዕ አሎ።
ከም መልሲ ናይዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እታ ኣብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ እትውከል ፍቕሪ ክርስቶስ ሓድሽ መስተንተኒ ሓሳባት ኣቕሪቦምልና ይርከቡ ኣለዉ ። ኣብ ልቢ ክርስቶስ "ንወንጌል ብምልኣት ከም እንረኽቦ" (89) ብምዝካር ነቲ ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘለና "ሓቀይና መንፈሳውነት" ዳግም ከነሐድሶ ጻውዒት የቕርቡልና። "ኣብ መወዳእታ ብሓቂ ገዛእ ርእስና ኽንፈልጥን ምፍቃር ክንመሃርን እንኽእል" (30) ኣብ ልቡ ኢና።
ዓለም ልባ ዝጥፍአት ትመስል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ፍቕሪ ክርስቶስ ብምርኻብ "ማእሰር ሕውነት ክንምስርትን ንክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ኣፍልጦ ኽንህብን ከምኡውን ንሓባራዊት ቤትና ንምክንኻን ብሓባር ክንዓዪ ንኽእል" ቢሎም ብምግላጽ ነቲ ኣብ ምግንጐ እተን ሕብረተሰብአዊ ዓወድቲ መልእኽትታቶም “ውእቱ አፍቀረነ፣ ስቡሕ አንተን፣ አኃው ኵልነን” ዘሎ ርክብ ዘየመልክቱ።
"ኣብ ቅድሚ ልቢ ክርስቶስ" ከኣ ንጐይታ "ነዛ ብመከራ እትሳቐ ዘላ ዓለም እዚኣ ኺምሕራ" ከምኡውን "እዚ ንደቅሰብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝለኦ ውግእን ማሕበራውን ቍጠባውን ምፍልላይን፣ ተክኖሎጅን እናሃለወ ኽነሱ ንቕድሚት እትግስግስ ዘላ ዓለምና፣ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስን ኣድላዪን ዝዀነ ነገር ምእንቲ ኽትመልሶ መዝገብ ብርሃኑን ፍቕሩን" (31) ኬፍስሰላ ናብ ጐይታ ልመናኦም የቕርቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዕለት 5 ሰነ ኣብ መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እዛ ሰነድ ትዳሎ ከም ዘላ ኣብ ዝኣወጁሉ ኣጋጣሚ ብዛዕባ እቲ ንመገዲ ኣቅላሲያዊ ተሓድሶ ዜብርህ እተፈላለየ መዳያት ፍቕሪ ጐይታ ብምስትንታን ነታ ልባ ዘትፍአት እትመስል ዘላ ዓለም ትርጕም ዘለዎ ኣስተንትኖ ምግባር ዓብዪ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኣነጸሩልና።"
እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ እዚኣ ንዝኽሪ መበል 350 ዓመት ናይቲ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ብ1673 ዓ.ም. ንመጀመርታ ግዜ ንቅድስቲ ማርጋሬት ሜሪ ኣላኮክ እተገልጸሉ እዋን ንምኽባር እትወጸ ዘላ ኢያ፣ እዚ ዝኽሪ እዚ ድማ ብዕለት 27 ሰነ 2025 ኪዛዘም እዩ።
ናብ ልቢ ምምላስ ዘለዎ ኣገዳስነት
ከምቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝኣወጅዎ እዛ ኣብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘሎና መንፈሳነት እትገልጽ ዓዋዲት መልእኽቲ ሓጺር መእተዊ ብምግባር ኣብ ሓሙሽተ ምዕራፋት ተኸፋፊላ - "ነቲ ናይ ዝሓለፉ ጽሑፋት ስልጣነ ኣስተምህሮት ቤተክርስቲያን ዘንጸባርቕ ቅዱሳት መጻሕፍን ብሉጽ ኣስተንትኖ ብምግባርን ንድሕሪት ምልስ ብምባል ነቲ ነዊሕ ታሪኽን ብምዕዛብ ንመላእ ቤተ-ክርስትያን እንደገና ሓሳብ ንምሃብ እዚ መንፈሳውነት እዚ ብብዙሕ መንፈሳዊ ጽባቐ ዝመልአ ኢዩ።"
እታ "ኣገዳስነት ልቢ" ዘርእስታ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ፣ ኣብዛ "ዓቕሊ ዘይብሎምን፣ ኣህለኽትን፣ ከምኡ ውን ባሮት ዕዳጋን" ክንከውን እትፍትነና ዘላ ዓለም ስለምንታይ "ናብ ልቢ ኽንምለስ" ከም ዘድልየና ትገልጽ (2)። "ልቢ" ኽንብል ከለና እንታይ ማለት ምዃኑ ውን የስተንትኑ፦ ቅዱስ መጽሓፍ "ኣብ ትሕቲ ዅሉ ደጋዊ ትርኢት እተሓብአ" (4) ክብል ሕመረት ከም ምዃኑ ይገልጾ፣ እዚ ቦታ እዚ ኣብ ደጋዊ ትርኢት ዝተፈልጸ ይኹን ወይ ሕቡእ ብዘየገድስ፣ ኣባኡ እቲ ሓቀይና መንነትና ኢዪ ዝርከብ (6)። ልቢ ናብ አገዳሲ ሕቶታት እዩ ዝመርሓና ፦ ንህይወተይ፣ ንምርጫታተይ፣ ወይ ንተግባራተይ እንታይ ዝበለ ትርጕም እዩ ዘሎኒ ? ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣነ መን እየ ?(8)
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ሕጂ ዘሎ "ውድቀት" ልቢ ኻብ ኣመክንዮአዊ ኣተሓሳስባ ግሪኽን ቅድሚን ድሕርን ክርስትናን ኣብ ዝነበረ ኣተሓሳስባን ከምኡውን ካብ ፍቕረ-ንዋይ ምስኩሉ ሽፋናቱ ዝመነጨ ኢዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ዓበይቲ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ ንኸም "ኣመክንዮ፣ ድሌት ወይ ናጽነት" ዝኣመሰለ ሓሳባት ቀዳምነት ዝህብ ኢዩ።
"ንልቢ ቦታ ዘይምሃብ...” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝጽሕፉዎ “ፍቕሪ ኣብ መወዳእታ ንኻልኦት ሓድነት ከተምጽኣሎም እትኽእል እንኮ ሰብኣዊ ማእከል ንዝብል ኣተሓሳስባ ከም ዘስደምም ውጽኢት ከም ዝህልዎ ገይርዎ ኢዩ።" (10)
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዘመልከትዎ "ኣነ ልበይ ኢየ፣ ስለ ልበይ እቲ ካብ ካልኦት ዝፈልየኒ፣ ንመንፈሳዊ መንነተይ ስለ ዚቐርጾን፣ ምስ ካልኦት ሕብረት ከም ዝህልወኒ ስለ ዝገብርን አነ ልበይ እየ።" (14)
'ዓለም ካብ ልቢ ጀሚራ ኽትልወጥ ትኽእል እያ'
ልቢ ነቲ ሽርፍራፋት ሓድነት ከም ዚህልዎ ዚገብርን ከምኡ ውን "ብልቢ ዘይተቐርጸ ዝምድና ነቲ ብሰንኪ ውልቃውነት ዚፍጠር ምፍልላይ ኪሰግሮ ዘይክእል ክንዲ ዝኾነ፣ ነቲ ሓቀይና ማእሰር ሓድነት ክምስርት ዝኽእል ልቢ ኢዩ።" (17)
ከም ኢግናጽዮስ ብዓል ሎዮላ ዝኣመሰሉ ቅዱሳን ዝነበሮም መንፈሳውነት (ንዕርክነት ጐይታ ምቕባል ናይ ልቢ ጕዳይ ኢዩ) ከምኡ ውን ጆን ሄንሪ ኒውማን (ጐይታ ንልብና ካብ ቅዱስ ልቡ ብምዝራብ ኢዩ ዘድሕነና) ዝበልዎ ነዚ ኢዩ ዘስተምህረና፣ ድሕሪ ቢሎም ቅዱስነቶም "ኣብ ቅድሚ እቲ ህያውን ነባርን ዝኾነ ልበ ኢየሱስ ኣእምሮና ብመንፈስ ቅዱስ ፍልጠት እናረኸበ ኣብ ምርዳእ ቃላት ጐይታ ይዓቢ" (27) ክብሉ ጸሓፉ። እዚ ድማ ማሕበራዊ ሳዕቤናት ኣለዎ፣ ከመይሲ "ዓለም ካብ ልቢ ጀሚራ ኽትልወጥ ትኽእል ኢያ።" (28)።
'ግብርን ቃላትን ፍቕሪ'
ኻልአይቲ ምዕራፍ ድማ ንተግባራትን ቃላትን ፍቕሪ ክርስቶስ እተወፈየት እያ ። እቲ ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ዘቕርበና ኣምላኽ ኸምኡውን ኣምላኽ "ቅርበትን ርሕራሐን ለውሃት ዝመልኦ ፍቕሪ" ከም ዝኾነ ዜርኢ ተግባራት ኣብቲ ምስታ ሳምራዊት ሰበይትን ኒቆዲሞስን እታ ኣመንዝራ ሰበይትን ከምኡ ውን ምስቲ ኣብ መገዲ ዝንበረ ዕዉር ሰብኣይን (35) ኣብ እተራኸበሉ እዋን ተራእዩ እዩ። (35)
እቲ "ንዕምቈት ህላዌኻ ዚምርምር" (39) ጠመተ ዝነበሮ ኢየሱስ "ንውልቀ-ሰባት ልዕሊ ዅሉ ድማ ንጸገማቶምን ድሌታቶምን ክሳዕ ክንደይ ጽን ኢሉ ይከታተሎም ከም ዝነበረ" (40)፣ እዚ ኸኣ "ነቲ ኣባና ዘለለዮ ሰናይ ነገራት ከም ዘድንቖ" ዚሕብር እዩ። (41)
እታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተደንቕ ናይ ፍቕሪ ቃላቱ ንኣልኣዛር ዓርኩ ድሕሪ ምብካዩን ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ክሳቐ እንከሎ "ብኢድ እቶም ኣጸቢቑ ዘፍቅሮም ሰባት" ከም ዝመውት ምስ ፈለጠን "ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ እንከሎ" ዝተዛረቦም ኢዮም ዝነበሩ። (45, 46)
ምስጢር እቲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ ልቢ
ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሳልሰይ ምዕራፍ “እቲ ዓቢይ ፍቕሪ ዘለዎ ልቢ” ኣብ ዝብል ኣርእሲት፣ ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ከም እተስተንትኖ ብምግላጽ ብዛዕባ "ቅዱስ ምስጢር ልቢ ጐይታ" ብምጥቃስ ይትንትኑ። ብዛዕባ እቲ ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ (1956) ዝነበሮም መንፈሳውነት ዝገልጽ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓየስ መበል 12 ዓዋዲት መልእኽቲ “ትቅድሁ ማያተ” ጠቒሶም ይርከቡ። "ንልቢ ክርስቶስ ዘሎና መንፈሳውነት ካብቲ ምልኣተ ኣካል ኢየሱስ ወጻኢ ንንጽል ክፍሊ ኣካሉ ምምላኽ ኣይኰነን" ብምባል ኣነጺሮም ይገልጹ፣ ከመይሲ "ነቲ ንልቡ ብዜጕልሕ ምስሊ እተመሰለ ብምልኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ንሰብ ፈጠሮ ኢዩ።" (48)
ምስሊ ናይቲ ስጋ ዝኾነ ልበ ኢየሱስ ንፍቕሩን ንመለኮታዊ ልግሱን ከም እንርድኦ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰብኣዊ ፍቕሪ እውን ከም ዘጠቓልል ንኸነስተንትን ይሕግዘና ኢዩ (61)። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ኣብ መልእኽቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ብምጥቃስ "ሰለስተ ዕጽፊ ፍቕሪ" ሒዙ ኣሎ ክብሉ የመልክቱ። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ስጋዊ ልቡ ዘሎ ተነቃፊ ፍቕርን ሰብኣውን መለኮታውን ፍቕሩን ኢዩ፣ ኣብኡ ኸኣ "እቲ መወዳእታ ዘይብሉ [ፍቅሪ] ኣብቲ ደረት ዘለዎ [ኣካል]" (67) ተገሊጹ ንረክቦ።
ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ጽማሬ ናይ ወንጌል እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ራእያት ናይ ገሊኦም ቅዱሳን ብፍላይ ከኣ ናይቶም ናብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ መንፈሳውነት ዝነበሮም "ምንጪ ናይ ብዙሕ ምትብባዕ ከም ምኹኑን ከምኡ ውን ዓቢይ ጥቅሚ ዝለዎ" እኳ እንተ ዀነ፣ "ምእመናን ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ክአምንዎ ዚግደዱ ኣይኰኑን" ብምባል ውን ኣነጺሮም ገለጹ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል 12 ዀይኖም እዚ ተወፋይነት እዚ "መበቈሉ ካብ ግላዊ ግልጸታት እዩ ኺብሃል ኣይከኣልን እዩ" ብምባል ውን የዘኻኽሩና ። ኣብ ክንድኡስ "ንልቢ ክርስቶስ ዘሎና መንፈሳውነት ንክርስትያናዊ ህይወትና ኣድላዪ ኢዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ምስጢር ናይ መለኮታዊን ሰብኣውን ፍቕሪ ጐይታ ብእምነት ክፉታት ምዃና ዝገልጽን ከምኡ ውን ንዓኡ ዝሎና ኣምኾን ዘርኢ ኢዩ፣" ኣብ ርእሲ እዚ ውን "በዚ መዳይ እዚ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ናይ ወንጌል ጽማሬ ምዃኑ እንደገና ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና።" (83)
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ "ሓድሽ መግለጺታት ኢአካላዊ ዝኾነ መንፈሳውነት" (87) ንምቅዋም ናብ ልቢ ክርስቶስ ናብቲ ከም ብሓድሽ መንፈሳውነት ክበራበር ጻውዒት የቕርቡ ። "ኣብ ግዳማዊ ንጥፈታት ኣመና እተጸምዱ ማሕበራትን ጓሶትን፣ ምስ ወንጌል ብዙሕ ምትሕሓዝ ዘይብሉ መዋቕራዊ ተሓድሶታትን ዳግማዊ ውዳበን፣ ዓለማዊ ውጥናትን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን፣ ግዴታዊ መደባትን" (88) እናሃለወ ኽነሱ ናብቲ "ሥጋ ዝለበሰ ጽማሬ ወንጌል" (90) ምምላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ገለጹ።
ተመክሮ ናይቲ 'ንገዛእ ርእሱ ከም መስተ ዝህብ ፍቕሪ'
ኣብተን ናይ መወዳእታ ኽልተ ምዕራፋት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘሎና መንፈሳውነት "ንኽምግበናን ናብ ወንጌል ንኸቅርበናን" ምሳ ግላውን መንፈሳውን ተመኩሮናን ከምኡ ውን ምስ ማሕበራውን ተልእኾ ወንጌላዊ ተጸምዶና ክሓብር ከም ዘለዎ ዝገልጽ ክልተ መዳያት ኣጕሊሖም።
ኣብታ ራብዐይቲ ምዕራፍ "እቲ ንገዛእ ርእሱ ከም መስተ ዝህብ ፍቕሪ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቅዱስ መጽሕፍ እንደገና ኣስተንትኖታት ብምግባር እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ንክርስቶስን ነቲ እተወግአ ወገኑን ኣብቲ "እቶም ዝወግእዎ" ረአይዎ ንዝብል ትንቢት ካብ ትንቢተ ዘካርያስ እተወስደ፣ ነቲ ኣምላኽ ንርእሱ ኸም ክፉት ዓይኒ ማይ ገይሩ ዚጽውዓሉን ንፍቕሪ ኣምላኽ ዘለዎም ጽምኢ ዜጥፍኣሉን ነቲ "ካብ ሓጢኣትን ርኽሰትን ንምንጻህ" (95) ዝብል ትንቢት ይቕሱ።
እተፈላለዩ ኣበው ቤተ-ክርስትያን "እቲ ዝተወግአ ጐድኒ ኢየሱስ ምንጪ ማይ ናይ መንፈስ ቅዱስ" ከም ዝዀነ ጠቒሶም ኣለዉ፣ ብፍላይ ከኣ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ "ናብ መንፈሳውነት ቅዱስ ልበ ኢየሱስ መገዲ ይኸፍተልና።" (103)
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም በብቝሩብ "እቲ ዝተወግአ ጐድኑ ምስቲ ልቡ ክተሓዋወስ ጀመረ" (109) ብምባል ሓሳባቶም ገለጹ፣ ሓያሎ ቅዱሳት ኣንስቲ ድማ "ብዛዕባ እቲ ምስ ክርስቶስ እተራኸባኦ ተመክሮታት ኬዘንትዋ ኸለዋ፣ ኣብ ልቢ ጐይታ ኸም ምንጪ ህይወትን ውሽጣዊ ሰላምን (110) ረኺበን ከም ዚዓርፋ ተዛረባ።"
እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ካብቶም ናይዚ ዘመን መንፈሳውያን ሰባት፣ መጀመርያ ብዛዕባ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ ጠቒሳ ትርከብ፣ ንሱ ድማ ነቲ መንፈሳዊ ሓሳባቱ "ሓንቲ ልቢ ብኽልተ ፍላጻታት እተወግኣት" (118)ጌሩ የቕርቦ።
ግልጸት ንቅድስቲ ማርጋሬት ሜሪ ኣላኮክ
ቅድስቲ ማርጋሬት ሜሪ ኣላኮክ ኣብ ትሕቲ ጽላል እዚ መንፈሳውነት እዚ ካብ መወዳእታ ታሕሳስ 1673 ክሳዕ ወርሒ ሰነ 1675 ኣብ ዝነበረ እዋን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ፓራይ-ለ-ሞናል ከም እተራእያ ኣዘንተወት። ቀንዲ መልእኽቲ ናይቲ ዘመሓላለፈትልና መልእኽቲ ኣብቲ ቅድቲ ማርጋሬት ዝሰምዓቶ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃላት ብሓጺሩ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ - "እዚ ልቢ እዚ እቲ ንደቅሰባት ኣጸቢቑ ጸፍቀሮም ኢዩ፣ ወላሓንቲ ውን ዘትረፎ የብሉን፣ ወላ እኳ ገዛእ ርእሱ ባዶ ክሳብ ምግባርን ክሳብ በጃ ምዃን በጺሑ ፍቕሩ ኣርኣዮም።" (121)።
ተሬዛ በዓልቲ ሊዚያ፣ ኢግናጽዮስ በዓል ሎዮላን፣ ፋውስቲና ኮቫልስካን
“ውእቱ አፍቀረን” ብምቕጻል ነታ ኢየሱስ "ልባ ምስ ናተይ ብሓደ ዝወቅዕ" (134) ክብል ዝገለጻ ንቅድስቲ ተሬዛ በዓልቲ ሊዚያ ከምኡውን ብዛዕባ እተን ንስቓይ ቅዱስ ልቢ ኣብ ምትኳር ንእናቴ ማሪ ዝጸሓፈተን ደብዳበታት ኣስዕብ ኣቢላ ትገልጽ - "ገሊኣቶም ብቐዳምነት መስዋእትታትን ሰናይ ግብርታትን ብምፍጻም ኢዮም ካሕሳ ዘቕረቡሉ ነይሮም ።" ኣብ ክንዳኡስ "ተሬዛ ንልቢ ክርስቶስ እተሐጕስ ካብ ኵሉ ዝዓበየን ዝበለጸን መስዋእቲ ብኣኡ ምርእምናን ከም ምዃና ተቕርብ" (138)።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብታ መልእኽቶም ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ልምምዳት ቅዱስ ኢግናጽዮስ በዓል ሎዮላ ነቶም ነዚ ሜላ እዚ ዝስዕቡ ሰባት ካብ ልቢ ናብ ልቢ ኣብ ዝግበር ዝርርብ "ናብ ልቢ ክርስቶስ ንምእታው" ሓሳብ ከም ዘቕረበ ብምጕላሕ ኣብ ታሪኽ ማሕበር ኢየሱሳውን ቅዱስ ልቢ ዘለዎ ፍሉይ ቦታ ገለጹ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1871 ክቡር ኣባ ፒተር ያን በክስ ነታ ማሕበር ናብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ከም ዘወፈይዋ ገለጹ፣ ክቡር ኣባ ፔድሮ ኣርሩፕ ድማ ብ1972 (146) ከም ብሓድሽ ነዚ ወፈያ እዚ ፈጸምዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተመክሮ ቅድስቲ ፋውስቲና ኮቫልስካ ብምዝካር ውን "ነቲ ግርማዊ ህይወት ናይቲ ዝተንስአ ጐይታን መለኮታዊ ምሕረቱን ኣጸቢቖም ብምጕላሕ" ነዚ መንፈሳውነት ከም ብሓድሽ ኣቕረብዎ። በዚ ኣስተንትኖ እዚ ተደሪኾም ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ "ነቲ ብዛዕባ መለኮታዊ ምሕረት ዝነበሮም መንፈሳውነት ምስ መንፈሳውነት ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣጸቢቖም ኣተሓሒዝምዎ ኢዮም።" (149)
እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዛዕባ "መንፈሳውነት ምጽንናዕ" እንክትገልጽ ብዛዕባ ምልክታት ሕማማት ኣብዚ ልብ ናይቲ ዝተንስአ ተዓቂቡ ዘሎ ክርኢ ኸሎ ከምዚ ይብል - "እምበኣር ምእመናን ነዚ ዓቢ ምፍሳስ ፍቕሪ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ጐይታ ምእንቲ እታ ፍቕሪ እቲኣ ክብል ክጻወሮ ዝመረጸ ስቓይ እውን ምላሽ ክህቡሉ ምድላዮም ባህርያዊ ኢዩ።" (151)
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን "ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ነቲ ንክርስቶስ ኬጸናንዖ ደልዮም ቅዱሳን ምእመናን ህዝቢ ኣምላኽ ዝገብርዎ ዓሚቝ መንፈሳውነት ኣፍኲስካ ኸይርአ" (160) ክብሉ ተማጸኑ። ኣምላኽ "ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ በቲ ንሕና ንባዕልና ብኣምላኽ እተጸናናዕናሉ ምጽንናዕ ምእንቲ ከነጸናንዖም ኣምላኽ ባዕሉ የጸናንዓና ኣሎ" በሉ።(162)
መንፈሳውነት ኣብ ልቢ ክርስቶስ ናብ ኣሕዋትና ክንከይድ ይልእኸና
እታ ሓምሸይትን ናይ መወዳእታን ምዕራፍ "ፍቕሪ ናይ ፍቕሪ" ዘርእስታ ክፍል እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ነቲ "ንሱ ናብ ኣቦ ይመርሓና" (163) ዝብል ሓቂ ንዘመልክቶ ንልቢ ክርስቶስ ዘሎና እምንቶ እተረጋገጸ መንፈሳውነት ምኹኑ ዝገልጽ ናይ ሓባርን ማሕበራውን ተልእኾ ወንጌል ከም ምኹኑ ትገልጽ። እወ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ "ብፍቕሪ ኺምለስ" (166) ከነወፍየሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንታሪኽ እዚ መንፈሳውነት ብምምርማር እቲ ቅዱስ ቻርለስ ደ ፉካውል ዝኣተዎ ተልእኾ ወንጌላዊ መብጽዓ "ኣድማሳዊ ሓው" ከም ዝገበሮ ይዝክሩ - "ብልቢ ክርስቶስ ንኽቕረጽ ብምፍቃድ ንብምሉኦም እቶም ዝሳቐዩ ደቅሰብ ኣብ ልቡ ከዕቍቦም ጸዓረ።" (179)።
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ "ካሕሳ" ከምዚ ብምባል ጸሓፉ - "ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገለጽዎ 'ኣብ ልዕሊ እቲ ጽልእን ዓመጻን ዝኣከቦ ዑናታት፣ እቲ ኣዝዩ ዝበሃግ ስልጣኔ ፍቕሪ መንግስቲ ክርስቶስ ክትህነጽ ትኽእል ኢያ።' (182)።
ንዓለም ኣብ ፍቕሪ ንመታው ዝግበር ተልእኾ
እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ እንደገና ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምዚ ብምባል ትዝክር - "ስለዚ ነቲ ልቢ ኢየሱስ ብኣባላት ኣካላቱ ኣቢሉ ኣብ መላእ ዓለም ንኽዝርጋሕ ዝነበሮ ባህጊ ምላሽ ስለ ዝህበሉ ንልቢ ክርስቶስ መንፈሳውነት ምህላው ምስ ንጥፈታት ወንጌላዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ብእተተሓሓዘ ክርአ ኣለዎ።' ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ 'ብምስክር ክርስትያዊ ፍቕሪ ኣብ ልቢ ሰብ ክትፈስስ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ዝዀነት ኣካል ክርስቶስ ክትሃንጽ ከምኡውን ፍትሕን ሰላምን ሓድነትን ዘለዎ ሕብረተሰብ ክትሃንጽ ኢያ።' (206)
ካብቲ ቕዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ "ኣብ መንጎ ዅሉ እንብሎን እንገብሮን ነገራት ምስቲ ዝሓቝፈናን ዘድሕነናን ፍቕሪ ክርስቶስ ዘሐጕስ ምርኻብ ንገብር ኢና" (208) "እቶም ብፍቕሪ እተደነቑን ብክርስቶስ እተደነቑን ንኡካነ ወንጌል" (209) የድልዩና ኢዮም።
ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ መደምደምታ በዚ ዝስዕብ ጸልት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትዛዝም -
"እቲ ቅዱስ ልቡ ነቲ ዝገበርዮ ጕድኣት ከሕዊ፣ ንኻልኦት ንኸነፍቅርን ንኸነገልግልን ዘሎና ሓይሊ ከደልድሎ ከምኡውን ብሓባር ናብ ሓደ ቅኑዕን ጽኑዕን ሕውነታውን ዓለም ንኽንጐዓዝ ክድርኸና ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እልምኖ አሎኹ። ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ልቡ ንዘለኣለም ዜንጸባርቕ ብርሃን ንዅሉ ፍልልያትና ዜሰማምዖ ትንሣኤ ጐይታ ጽንብል ሰማያዊ መንግስቲ ብሓንሳእ ብምብዓል ክንሕጐስ ኢና። ንዘለኣለም ቡሩኽ ይኹን!"