ҽ

2024.09.14 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንማሕበር ሓዋርያውያን ካህናት ሕዳሴን ሕብረትን ኣገልግሎትን ሕቖፉ! 2024.09.14 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንማሕበር ሓዋርያውያን ካህናት ሕዳሴን ሕብረትን ኣገልግሎትን ሕቖፉ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንማሕበር ሓዋርያውያን ካህናት ሕዳሴን ሕብረትን ኣገልግሎትን ሕቖፉ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ካጀታንን ቀዳሞት ብጾቱን ዓቢይ መብጽዓ ዝገበሩሉን ዘቖምዎ ማሕበር ሓዋርያውያን ካህናትን ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ምኽንያት ናይቲ ማሕበር ኣባላት ካህናት ዕለት 14 መስከረም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ሕዳሴን ሕብረትን ኣገልግሎትን ክሓቑፉ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ ብቕዱስ ካጀታ ዝፍለጥ ጋይታኖ በዓል ቲየነን ቀዳሞት ብጾቱን ዓቢይ መብጽዓ ዝገበሩሉን ዝመስረትዎ ማሕበርን ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ንዘብዕሉ ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ተባዕ መገድታት ሕዳሴ

ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ካህናት፥ ዝኸበርኩም ኣሕዋት፥ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ተልእኾና እሙናት ክንከውን፡ ተባዕ መንገዲ ሕዳሴ ክንሕዝ፡ ብዛዕባ ድሌታትና ከነስተንትነ ዝሕግዘና ምስሊ እዩ -  "ተኣማንነት ክሕደስ ኣለዎ፡ ዘይተሓደሰ ተኣማንነት ክህሉ ኣይክእልን፤ ኣብቲ ናይ ቀደም ተመርኲሰ እወ ግን ነቲ ኣብዚ እዋን ዘየድሊ ከፍርስ ድሉው ክኸውንን፣ ሓድሽ ነገር ክሃንጽ፣ ንመንፈስ ቅዱስ ልኡም ክኸውን ንመለኮታዊ ሓልዮት ክውከል ድሉው ምዃን የድሊ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዘአንግድ ቤት ባዕሉ ኣይኮነን ዝህነጽ

ቀጺሎም ኣገዳስነት ሕብረት ኣጉሊሖም፣ እንደገና ኣብ ታሪኽ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተመርኲይዞም ነታ ቤተ ክርስቲያን ናብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ብሓባር ዝሰርሑ “ፍሉጣት ስነ ጥበባውያን፣ ክኢላታት ኢደ ጥበባውያንን ብዙሓት ነደቕትን” ብምዝካር፥

"እዚ'ውን ኣገዳሲ ምልክት'ዩ . . . መቐበሊ ኣጋይሽ በይኑ ዘይኮነስ ብሓባር፣ ኣብ ማሕበረሰብ፣ ንኣበርክቶ ኩሉ ዋጋ ብምሃብ እዩ ዝሕነጽ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገዳስነት ኣገልግሎት ኣጉሊሖም፥ “እቶም ኣዝዮም ሰናይ ውጥናት፥ ሰባት ተዓጢቖም ናብ ስራሕ እንተዘይኣትዉ ነይሮም፡ ከንቱ ውጥን ኮይኑ ምተረፈ ነይሩ፥ ቅዱስ ካጀታን ነዚ ኣርእዩ “በቲ ዝመስረቶም ዘማዕበሎን ብዙሕ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ዝፈጸሞ . . . እዚ ግና መጀመርያ ብኢየሱስ ብቓልን ተግባርን ዝተወሃበና፥ እዚ ድማ ከገልግልን ኣብ መስቀል ሕይወቱ ምእንታና ከሕልፍን” ከም ዝመጸን ነዚ መሰረት ዝገበረ ኣገልግሎት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዳግማይ ሕዳሴ፡ ሓድነትን ኣገልግሎትን ብሓጎስ ምሕቛፍ

ቅዱስነቶም እቲ ቀስ እናበለ ዝተሓንጸ ኣብቲ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ክውነንት ዝበጽሐ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እናሓሰቡ፥ እቲ ህንጻ ምልክት ክውንነት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ኣስሚሮም

“ቅድሚ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት፡ መስረትቲ ማሕበርኩም ህይወቶም ንህያው እምኒ እምበር፡ ብሕጡብን እምንን - ሓጺንን ንዝተሃንጸ ቦታ ኣየወፈዩን፤ ንቤተ ክርስቲያን ሕይወቶም ኣወፍዮም፣ ንቤተ ክርስቲያን፡ መርዓት ክርስቶስ፡ ምልክት ህዝቢ ኣምላኽን ምስጢራዊ ኣካል ጐይታን” ንዝኾነት ቤተ ክርስቲያን እዮም ዝተወፈዩ” ምስ በሉ፥ ንመላእ ኣባላት ማሕበር ተያቲነ “ኣብዚ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ምስራታ ማሕበሮም፡ ሕዳሴ ሓድነትን ኣገግሎትን ዝብሉ ዕላማታት ብሓጎስ ክነብሩ ዓዲሞም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

16 September 2024, 15:49