ҽ

2021.12.28 Pace, colomba, ramo di ulivo 2021.12.28 Pace, colomba, ramo di ulivo  (©adrenalinapura - stock.adobe.com)

ር. ሊ. ጳ. ንመንእሰያት ኢጣልያ "ናብ ውግእ ከቶ ኣይተግልሱ!" ክብሉ መዓድዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ናይቲ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ሰበኻ ኣማልፊ-ካቫ ደ ቲረኒ ብኸመይ "ናይ ሰላም መሳርሒ" ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም፣ ካብ ውግእ ገጾም ከየግልሱ ድማ ተማሕጸኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ውግእ ወትሩ "ንሓይልታት እከይ ኢድካ ምሃብ ኮይኑ ዜሕፍር ተግባር እዩ" ከምኡውን "ሞትን ጥፍኣትን" ጥራይ ስለ ዘስዕብ "ውግእ ጸገማት ኪፈትሕን ናብ ሰላም ኪመርሕን ይኽእል እዩ፣ ንዚብል ሓሳብ ፈጺምኩም ኣይትረስዕዎጎ።"  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 3 መስከረም ነቶም ኣብታ ኣብ ገማግም ኣማልፊ እትርከብ ጥንታዊት ከተማ ስካላ እተጋብኡ 500 ዝዀኑ ኢጣልያውያን መንእሰያት ካብ ሰበኻ ኣማልፊ-ካቫ ቲረኒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነዚ ሓያል መዘኻኸሪ እዚ ኣቕረበሎም።

ብዘይ ሰላም ህይወት የልቦን

እቲ "ናብ ጐደና ሰላም ምስ ብፅዕቲ ጀራርዶ ሳሶ ዲ ስካላ" ዘርእስቱ ዋዕላ ኣብ ዕለተ ክብረ በዓል ናይቲ መስራቲ ማሕበር ሓካይምን ቤተ ሕክምናታትን ቅዱስ ዮሓንስ ብዓል የሩሳሌም ዝዀነ ብፁዕ ጀራርዶ ሳሶ (1040 -1120)፣ ናይቲ ጸኒሑ ሉዓላዊ ማሕበር ፈረሰይናታት ፈረሰኛታት ማልታ ዝኾነ ኣብቲ ሰበኻ እተወልደ ምኽንያት ብምግባር ኢዩ ተኻዪዱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብ30 ነሓሰ እተጻሕፈት መልእኽቶም ስቓይን ሞትን ኣስፋሕፊሑ ኣብ ዘሎ ዓለምለኻዊ ግጭታት ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጕላሕ ነዚ ቅዉም ሓሳብ እዚ ብምምራጾም ነኣድዎ። "ብዘይ ሰላም ህይወት የልቦን ሞትን ጥፍኣትን ጥራይ እዩ ዘሎ" በሉ።

ንዕለታትኩም ብተግባርት ሰላም ምልእዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መሳርሒ ሰላም ንምዃን ዚሕግዝ ሰለስተ ቐንዲ መገድታት ውን ኣመልከቱሎም። ፈለማ ነቶም መንእሰያት ብሕያውነትን ኣገልግሎትን ግብሪ ምሕረትን ሰላም ክገብሩ ኣተባብዖም፣ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ግዜ ግጭት ኣብ የሩሳሌም ናይ መጀመርታ ሃይማኖታዊ ቤተሕክምና ዝመስረተ ብፁዕ ጀራርዶ ሳሶ መንፈስ ዝተረኽበ ምስክርነት ኢዩ ።

"ኣብነቱ ብምስዓብ ንስኻትኩም እውን ድልድል ዕርክነትን ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ክትሃንጹ ትኽእሉ ኢኹም" ክብሉ ጸሓፉሎም።

ጸሎት ሓያል ዕጥቂ ኢዩ

ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም መንእሰያት ምእንቲ ሰላም ሰላም ብምሉእ ልቦም ክጽልዩን ንኣምላኽ ድማ ብእምነትን ብምትእምማንን ክልምንዎ ተማሕጸንዎም፣ በዚ ከምዚ ድማ ነቲ ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ኣዘኻኸርዎም - "ኣብ ዓለም ዘደንቕ ኵነታት ከጋጥመና ኸሎ ሓይሊ ዘይብልና ዀይኑ ኽስምዓና ኸሎ "ንኣምላኽ ዘይከኣል ነገር የልቦን" (ሉቃ 1፡ 37) ክንብል ኣሎና። ሓደ "ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝዀነ ኣጽዋር ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ጸሎት እዩ። ሰላም ብቕልጡም መታን ክንረክብ ንጠቐመሉ" ክብሉ መዓድዎም።

"ሰላም ንኽትረኽቡ መዓልታዊ ብሕታዊ ጸሎት ግበሩ። ንስግደት ቅዱስ ቍርባን ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ሰላም ዝዀነ ጐይታ ንምክፋል ተኣኻኸቡ።"

ናይ ተስፋ ነጋድያን ኩኑ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም መንእሰያት ከም ነጋድያን ተስፋ ክነብሩ ተማሕጸንዎም ። ነቲ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ደቁ ሓድነትን ሓጐስን ንኺረኽቡ ዘለዎ ባህጊ ብምንጽብራቕ ከምኡውን ውግእ ሰላም ኬምጽእ ይኽእል እዩ ንዚብል ሓሳብ ከይስዕቡ ብምምዓድ፣ ሰላምን ሓድነትን ኪረኽቡ ብቐጻሊ ክጽልዩ ኣተባብዕዎም ። ነቶም ግዳያት ውግእ ዝዀኑ ሰባት ብምዝካር ኣብ ክንዳኡስ ዕርቅን ሰላማዊ መጻእን ንምምጻእ ኪጽዕሩ ከም ዝለዎም ምሕጽንታ ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም መንእሰያት ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግሥተ ሰላም ብሕድሪ ብምውፋይ  መልእኽቶም ዛዘሙ ።

05 September 2024, 07:57