ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ምሁራት ስነ - ቁጠባ፡ 'ንቁጠባ ፍቕሪ እምበር ስልጣን ኣይቅይሮን' ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ምሁራት ስነ - ቁጠባ፡ 'ንቁጠባ ፍቕሪ እምበር ስልጣን ኣይቅይሮን'  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ምሁራት ስነ - ቁጠባ፡ 'ንቁጠባ ፍቕሪ እምበር ስልጣን ኣይቅይሮን'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንሰያት ኣባላት ማሕበር "ቁጠባ ፍራንቸስኮ" ብስልጣን ወይ ብሃብቲ ዘይኮነስ ብፍቕርን ምስክርነትን ተስፋን ቍጠባ ክቕይሩ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 መስከረም “ቁጠባ ፍራንቸስኮ” ማሕበር ልኡካን መንእሰያት ተቐቢሎም፥ ሓድሽ ቁጠባዊ ረባሕታ ንምቕራጽ ዝሰርሑ መንእሰያት ሊቃውንቲ ስነ - ቑጠባውያን፣ ኣብ ወንጌል ዝተሰረተ፣ ብፍቕሪ ዝድረኽን ብዛዕባ ቁስሊ ዓለምና ዝነቐሐን ምንቅስቓስ ምዃኑ ብምዝኽካር ንኹሎም ኣብኡ ንዝተረኽቡ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘበገሱን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣትሒዞም ከይተሓላሉ ካብ መኽሰብ ንላዕሊ ንሰብኣዊ ኽብረት ቀዳምነት ዚህብ ቍጠባ ኪረጋገጽ ብቐጻሊ ጻውዒት ዘቕርቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ለውጢ ካብ ፍቕሪ እዩ ዝመጽእ

ኣብ ቫቲካን ምብጽሕ ንዘካየዱ መንእሰያት ናይ ስነ ቁጠባ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን ልኡኻት “ናይ ፍራንቸስኮ ቁጠባ” ተቐቢሎም ቅዱስነቶም ኣብ  ዘስምዕዎ መደረ፥ እቶም መንእሰያት ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ንኺረኽቡ ዘለዎም ተስፋ ብኸመይ ከም ዚርእዮም እንክገልጹ፥ "ሚኒስትራት፡ ተሸለምቲ ኖበል ወይ ብሉጻት ክኢላታት ቍጠባ ብምዃን ጥራይ ኣይክትልውጥዎን ኢኹም . . .  ልዕሊ ኩሉ ብብርሃን ኣምላኽ ብምፍቃር ኢኹም እትልውጥዎ" ቢሎም ነቶም መንሰያት ሰዓብቲ ናይ ፍራንቸስኮ ቁጠባ ንዝተወፈየሉ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝስዕቡ ብምዃኖም ንናይ ሎሚ መንእሰያት ኣብነት ኢኻትኩም፡ እተቓልሕዎ ቁጠባ ድማ ንናይ ሎሚ ኪደት ቁጠባ ኣብነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ወዲ ነጋዳይ እዩ ነይሩ” ክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ “ናይታ ዓለም ብርታዐን ድኽመትን ይፈልጥ ነይሩ።” ይኹን እምበር፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብፍቕሪ ድኻታትን ንፍጥረትን ኣቢሉ “ንምዕባለ ቁጠባ ሓድሽ ድርኺት” ሂቡ ምስ በሉ፥ መንሰያት ድማ ነዚ መንፈስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናቶም ክገብርዎን ክመስልዎ ሓደራ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም ቁጠባ ንምልዋጥ እቲ መፍትሕ ብበራት ስልጣን ዘይኮነስ ተራ ብዝኾነን ዘይተሓላለኸን ግብራዊ ምስክርነት ምዃኑ ኣመላኺቶም፥

"ዓበይትን ሓያላትን ኣይኮኑን ንዓለም ናብ ዝሓሸ ዝቕይሩ: ፍቕሪ ቀዳማይን ዝዓበየን ረቛሒ ለውጢ እዩ . . . ናይ ስነ - ቑጠባ ምሁር ብፁዕ ጁሰፐ ቶንዮሎ ብምጥቃስ ምድሓን ካብ “ልኡኽነት ምሁር ወይ ካብ ጅግንነት ዘይኮነስ፣ ካብ ቅድስና ወይ ብዝያዳ ካብ ማሕበር ቅዱሳን” ከም ዝመጽእ ድማ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ወለዶ መሰኻኽር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ቀጺሎም ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መንእሰያት ንዕላማታቶም ቃልን ተግባርን ብዘጣመረ ስኑይ ኣገባብ ንኻልኦት ክምስክርዎ ድማ ተላብዮም፥

"ካልኦት መንእሰያት በቲ ናትኩም ርእዮተ ዓለም ናብ ቁጠባ ክቐርቡ እንተደሊኹም . . . ዝስሕቦም ናይ ህይወት ምስክርነትኩም እዩ” . . . ይኹን እምበር መንእሰያት ከጋጥሞም ዝኽእል ብድሆታት እውን ኣጉሊሖም፡ እቲ ብድሆታት፡ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ዘመናውን ውግኣት፡ ኢንዳስትሪ ኣጽዋርን ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋታትን ጠቒሶም፡ ብተወሳኺ መንእሰያት በዚ ብድሆታት እዚ ተስፋ ከይቆርጹ ተላብዮም፥ ንዶን ኪሾት ብምጥቃስ “ምናልባት፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ‘ኣንጻር ወሓዝን ዓብላልን ኣመለኻኽታ ትቃለሱ ዘለኹም ኮይኑ ክስምዓኩም ይኽል. . . ኰይኑ ግና፡ “ኣይትፍርሑ። እግዚኣብሄር ክሕግዘኩም እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ በይንኹን ኣይክትሓድገኩምን እያ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ትብዓትን ተስፋን መልእኽቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ መደረኦም ኣብ ምዝዛም፡ ንመንእሰያት ቁጠባ ፍራንቸስኮ ኣብ ሰለስተ መዳያት ህይወት ከድህቡ ዓዲሞም፡ “ምስክር ኩኑ፡ ኣይትፍርሑ፡ ከይተሓለልኩም ድማ ተስፋ ግበሩ።” እዚ “ቀሊል ኣይኮነን ብሓቂ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ እፈልጦ እየ። ግና ህይወትኩም ክትዕምብብ እያ፣ ንደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን እትነግሩዎም ዘደንቕ ዛንታታት ክህልወኩም እዩ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም “ኣነ ምሳኻ ኣለኹ፡ የሰንየኩምን እባርኸኩምን ድማ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 September 2024, 16:37