ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናላት ንቁጠባዊ ጽገና ተወፋይነት ከሐድሱ ይላበዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናላት ንቁጠባዊ ጽገና ተወፋይነት ከሐድሱ ይላበዉ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናላት ንቁጠባዊ ጽገና ተወፋይነት ከሐድሱ ይላበዉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናብ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣባላቱ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ቁጠባዊ ጽገናታት ክድግፉ ጸዊዖም፡ ኣገዳስነት ቁጠባዊ ግሉጽነትን ሓላፍነትን ምትሕግጋዝን ክህሉ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 16 መስከረም 2024 ዓ.ም. ናብ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ጽገና ወይ ሕዳሴ ኩርያ ሮማና ካብ ዝጅምር ዓሰርተ ዓመት የቑጽር ምህላዉ ኣስተብሂሎም ኣብዚ መዳይ ዘለዎም ተራን ሓላፍነትን የዘኻኽሩ።

“ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምሕዳር ንሮማዊ ጳጳስ ኣብ ምሕጋዝ ዘለኩም ተራ፡ ነቶም ኣብዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ዝተሳተፉ ንዘለዉ ናይ ምስናይ ዕማም ‘ኣሕዋተይ ካርዲናላት’ ኣብ ልዕሌኹም እዩ።” እቲ ተሓድሶ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝተራእየ ምዕባለታት እናኣስተንተኑ፣ ሳላ ምእዋጅ “ወንጌል ስበኹ” ዘርእስቱ ንሮማዊ ኩርያ ዳግመ ውደባ ዝገበረን ኣብ መላእ ትካላት ቫቲካን ንዝግበር ናይ ተሃድሶ ጻዕርታት መሰረት ዘንጸፈን ሓዋርያዊ ቅዋም ዘኪሮም ለውጢ ነቲ Ecclesia semper reformanda - ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ክትጽገን ኣለዋ ዝብል መሪሕ መንፈስ ቅዱስ መትከል ለውጢ ደጊሞም የረጋግጹ።

ዳግመ ውደባ ሮማዊ ኩርያ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኣገልግሎት ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ከባብያውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝለዓለ ጉስነታዊ ተልእኾኡ ንምፍጻም ዝሕግዝ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ር.ሊ.ጳ. ምስዚ መስርሕ ምሕዳስ ንምልዛብ ንጻዕርን መስዋእትን ናይቶም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣፍልጦ ሂቦም፡ “እዚ ሕዳሴ እዚ ምስክር ህይወትን ጸጋን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣድላይነት ቁጠባዊ ጽገና

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቁጠባዊ ጽገና ቀጻሊ ትኹረት ምግባር ከምዘድሊ ኣስሚሮም፣ እዚ ኣርእስቲ እዚ ቅድሚ ጉባኤ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዕጹው ጉባኤ ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሰፊሑ ተዘትዩሉ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፥ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘቕረብዎ ናይ ጽገና ሕቶታት ኣርሒቑ ዝጥምት እውን ምንባሩ ኣርእዮም እዮም” ይብሉ።

እዚ ጽገናታት - ሕዳሴ እዚ፡ “ኣብ ኣገልግሎት እቲ ተልእኾ ዘሎ ቁጠባዊ ጸጋታት ድሩት ስለዝኾነ፡ ብጽኑዕን ብዕቱብነትን ክመሓደር ኣለዎ” ዝብል ንቕሓት ንምዕባይ ዝሓገዘ ምዃኑ ድማ ኣስዒቦም ብምምልካት፥ በዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፋይናንሳዊ - ቍጠባዊ ኣፈጻጽማ ንምምሕያሽ ዝተቐመጡ ስነ - ምግባራዊ መምርሕታት ኣጉሊሖም፣ ነፍሲ ወከፍ ትካል ንተልእኾኡ ዝድግፍ ናይ ደገ - ሃብቲ ክደሊ እውን ኣተባቢዖም ከምዚ ዝበለ ጻዕርታት “ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ግሉጽን ሓላፍነታውን ምሕደራ” ከም ኣብነት ከገልግል ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምትሕግጋዝን ምንካይ ወጻኢታትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ኣብ መንጎ ኣካላት ቫቲካን ምትሕግጋዝ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣተሓሳሲቦም፥ “ትካላት ቅድስቲ መንበር ካብ ምትሕግጋዝ ሕያዎት ስድራቤታት ብዙሕ ክመሃራ ኣለወን” ብምባል፥ “እቶም ኣብ ጽቡቕ ቍጠባዊ ኩነታት ዝርከቡ ነቶም ዝተጸገሙ ይሕግዙ!”

እዚ መልክዕ ልግሲ ኣብ ወንጌል ዝተሰረተ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፣ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ካብ ካልኦት ልግሲ ንምሕታት ኣድላዪ መሰረት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ዘየድሊ ወጻኢታት ንምንካይ ጭቡጥ ስጉምትታት ክውሰድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽኽቲ ዝጸውዑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኲርያ ሮማና “ካብ ትርፍን ዘየድልን ወጻኢታት ርሒቕና ቀዳምነታትና ብጥንቃቐ ብምምራጽ፡ ሓድሕዳዊ ምትሕብባርን ተዳምሮን ብምዕባይ” ኣብ ስርሑ “መሰረታውነት” ዝብል መንፈስ ክሕቆፍ ኣተሓሳሲቦም፥ "ሎሚ ንመጻኢ ወንጌላዊ ልኡኽነት ንምርግጋጽ ከም እተጸዋዕና ብዓብዪ ሓላፍነት ክንውስን ዘድልየና መላዊ ውሳነታት ከም ዘጋጥመና ክንፈልጥ ኣሎና"

ትብዓትን ምትሕብባርን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ምዝዛም፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ተሃድሶ “ብትብዓትን መንፈስ ኣገልግሎትን ልግስን” ክድግፉ ንካርዲናላት ዓዲሞም። ፍልጠቶምን ተመኩሮኦምን ብምክፋል ኣብቲ መስርሕ ሃናጺ ኪደት ኣበርክቶ ክገብሩ ኣተባቢዖም፣ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ትካል ኣካል ናይ ሓደ ዝዓበየ ምሉእነት ዝፈጥር፣ ኣብ ናይ ሓባር ተልእኾ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ጥሙር ምዃኑ ኣስሚሮም፥ “ነፍሲ ወከፍ ትካላት ቅድስቲ መንበር ምስ ኩሎም ካልኦት ብሓባር ሓደ ኣካል ይፈጥሩ” ብምባል ንካርዲናላት “ስለዚ ሓቀይና ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ናብ ሓደ ዕላማ ሰናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ጠለብ ኣገልግሎትና እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

21 September 2024, 16:34