ҽ

ር. ሊ. ጳ. ንቤተክህነት ኢንዶነዥያ 'ብዛዕባ ትንሳኤ ኺምስክሩ' ጻውዒት ኣቕረበሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ጳጳሳትን ካህናት ዲያቆናት ሰብ ውፉይ ሕይውት ሰብኡትን ኣንስትን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ከምኡውን ምስ መምህራን ትምህርተ ክርስቶም ናይ ካቴድራል ጃካርታን ተራኺቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምስክርነት ሓደ ካህን ሓንቲ ደንግልን ከምኡውን ካብ ክልተ  ምምህራን ትምህርተ ክትስቶስ ድሕሪ ምስማዕ  ፍረ ነገር ናይቲ ናብ ኢንዶነዥያ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ሰለስተ ባህርያት ኣስተንተኑ። እዚ ኸኣ እምነትን ሕውነትን ርሕራሐን ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "እዚ ከም ቤተ-ክርስትያን መጠን እትገብርዎ ዘሎኹም መንፈሳዊ ጕዕዞ ንዓሌታውን ባህላውን እተፈላለየ ባህርያት ከም ዘሎኩም ዘርኢ ሰለስተ ባህርያት ኢዩ ዝመስለኒ። "እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ሓድነትን ሰላማዊ ህላወን ንምርካብ ብባህሪኻ ዚግበር ጽምእን ሓረርታ እዩ ዚልለ" ድማ በሉ።

ምስ ፍጥረትን ንሓድሕዶምን ዘሎ ርክብ

ድሕርዚ እዚ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ኢንዶነዥያ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፣ ኣምላኽ ኣብ ኣድማስናን ኣብ ህይወትናን ከም ዘሎ ኣፍልጦ እንህበሉ ኣጋጣሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ ብዛዕባ እምነት ተዛረቡ ። "ካብቲ ዜደንቕ ክሊ ኢንዶነዥያ ሓደ ሰንቲ ሜተር ጥራይ ኣይኰነን" ድሕሪ ቢሎም “ኣብ ህይወት እቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ነበርታ ውህበት ኣምላኽ ዘይኰነ፡ ነቲ ናይቲ ከም ኣቦ ንዘለዎ ሃብታት ዘየንጸባቕ ንኸንቱ ዘይኰነን ዘለኣለማውን ፍቕሩን ምልክት ዝኸውን ኢዩ” በሉ።ኣስዒቦም ድማ ኣኘስ እታ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ንዅሉ ሰብ ምስ ፍጥረትን ንሓድሕዱን ርክብ ንኺገብር ብምዕዳም ነዚ ኸም ዝመስከረት ገለጹ ።

ብሕውነት ምንባር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ሓሳብ እዚ ንምብራህ ካብ ሓደ ኣብ መበል ዕስራ ዘመን ዝነበረ ገጣሚ ምሳሌ ብምውሳድ ድማ ንሱ እዚ ገጣሚ ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃን ክበሃል ከሎ "ከም ክልተ ነጠብጣብ ማይ እተፈላለየ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ንሓድሕድካ ምፍቃር" ማለት ምዃኑ ኣመልከቱ። " ብሕውነት ምንባር " ንዝብል ትምህርቲ ድማ ኣስተምሃሩ እዚ ኸኣ "ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኢንዶነዥያ ክብሩ ነገር ኢዩ፣  ኣብ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ማዕረ ምዃና ኣፍልጦ ብምሃብ ንሓድሕድና ምክብባርን ምቅብባልን ማለት ኢዩ።"

ንዅሉ ሰብ ክትበጽሖ ምጽዓር ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጸት ክብርቲ እናቴ ሪና ዝሃበቶ ምስክርነት ውን ዘከሩ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥራይ ዘይኰነስ ትምህርትታት ቤተ-ክርስትያን እውን ናብ ኢንዶነዥያ ኽትርጐም ዘለዎም ተስፋ ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕጻል ነቶም ኣብ ተልእኾኦም ዕንቅፋታት ሰጊሮም በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያት ብምቕባል ንሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብር "ድልድል" ክብል ንዝጸውዖ ኒኮላስ ዚበሃል ካልእ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ንዝሃቦ ምስክርነት እውን ዘለዎም ሞሳ ገለጹ ።

ርሕራሐ፦ ንሓድሕድካ ምቅርራብ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ርሕራሐን ዘሎ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ሓሳባት ኣካፈሉ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ግብረ - ሰናይ ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ "ንሓድሕድና ምቅርራብ" ከምኡውን ናይቶምም እተሸገሩ "ሕልምን ትምኒትን ናጽነትን ፍትሕን" ምቕባል ዘጠቓልል ምዃኑ ውን ኣመልከቱ ።

ርሕራሐ ድኽመት ከም ዘይኰነ ኣትሪሮም ድማ ተዛረቡ፣ ከምቲ ገሊኦም ዚርእይዎ "ነቲ ናይ ሓቂ ራእይ ህይወት ኣየጐልብቦን እዩ ፣ ኣብ ክንዳኡስ" ብብርሃን ፍቕሪ ንነገራት ከም እነመሓይሾም እዩ ዚገብረና።" በሉ።

ማርያም - ኣርኣያ እምነት

ኣብ መወዳእታ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ መእተዊ ካተድራል ከም ምሳሌ መልእኽቶም ገይሮም ብምቕታስ ። እቲ ኣብ ልዕሊ ቐስታዊ ቕርጺ ናይዚ ካቴድራል ዘሎ ሓወልቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብነት እምነት ምዃኑ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ድማ ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ከም እትድግፍ ይሕብረና በሉ።

ስለዚ ንሳ ከም ሓቀይና ምስሊ ሕውነት ብምዃን ንዅሎም እቶም ክኣትዉ ዝደልዩ መርሓባ ኢላ ከም ዝቕበሎምን እተገልግሎን ኢያ እተርኢ፣ " ነቶም... ኣብ ቤት ኣቦ ዝእከቡ እሕዚ ኣምላኽ ክትጓስዮምን እትከላኸለሎምን ኢያ።"።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘገልግሉ ዘለዉ ብዛዕባ ሓጐስ ትንሳኤ ክምስክሩ (ንቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዘቃልሕ) ምዕዳን ብምዝካር ዘቕረብዎ መደረ ዛዘመ። ከምኡውን "ብእምነት ብርቱዓት ብምዃን ንዅሎም ኣሕዋት ክፉታት ብምዃን ከምኡውን ንሓድሕዶም ብምድንጋጽን ብምቅርራብን" ኣብ ተልእኾኦም ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም።

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቤተ ክህነት ኢንዶኔዥያ
06 September 2024, 06:20