ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ዑደት ከካይዱ እዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ዑደት ከካይዱ እዮም  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ዑደት ከካይዱ እዮም

ዋና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማቴዮ ብሩኒ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ከካይዶዎ ዝኾነ ዓለም ሓቆፍ መበል 46 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቦም፥ እቲ ዑደት "ኤውሮጳ ናብ ዳግማይ ግርጭት ኣብ ዝድርኽ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐትሉ እዋን ዝካየድ ብምዃኑ ‘ሰላም’ ዝብል ቃል መርሕ ዝገበረ ምዃኑ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 26 - 29 መስከረም ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን መበል 46 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደቶም ከካይዱ እዮም፡ ሰላም፣ ስደት፣ ህጹጽ ኩነታት ከባቢ ኣየርን መጻኢ መንእሰያትን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ኣርእስታት ክድህስሱን ኣብ ጉዳያት ቤተክርስትያን፣ ተራ ክርስትና ኣብቶም ብዓለማውነት ዝተለለዩ ሕብረተሰባትን ኣበርክቶ ክርስትያናዊ ትምህርትን ዘተኮረ ከምዝኸውንን ኣብ 1425 ዓ.ም. ዝተመስረተ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉቫን ዘብዕሎ መበል 600 ዓመት ምስረታኡ ድማ ሓደ ካብ ምኽንያታት ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ምዃኑ ብሩኒ ይሕብሪ።

ኣብ ኣሰር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

ብዛዕባ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዝርዝር ሓበሬታ ዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማቴዮ ብሩኒ፡ ብሰንኪ "ቅልል ዝበለ ሰዓል ዝመስል ኩነታት" ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 መስከረም ዝነበሮም መርሓ ፍጻሜታት ከም ዝሰረዙን ነዚ መሰረት ብምግባር ብዛዕባ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ዝኾነ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዘየለን፡ "ንሕጂ መደባቶም ኩሉ ልክዕ ከምቲ ዝተወሰነ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ" ይብሉ።

እዚ ዝመጽእ ምብጻሕ’ውን ኣሰር ናይቲ ኣብ 1985 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝገበርዎ ዑደት ዝስዕብ ኮይኑ፡ ምስ ተመሃሮን መምሃራንን ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉቨንን ማሕበርሰብ ስነ ፍልጠትን ክራኸቡ ከም ዝኾኑን፡ እዚ ክልተ ፍጻሜታት’ውን ኣካል ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዘካየድዎ መደብ እዩ። ኣብ ስታድዩም ንጉስ ባውዱይን ናይታ ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ገዳም ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ዝመርሐት ክብርቲ ኣና ደ ጀሱስ ብጽዕና ንምእዋጅ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ቤልጅየም ንዝኽሪ ናይቲ ብዝያዳ ብዳምየን ዘ ሞሎካይ ዝፍለጥ ቅዱስ ዳሚን ደ ቬስተር፡ ኣብ መንጎ ለምጻማት ህይወቱ ዘወፈየ ዓቢ ቤልጅማዊ ልኡከ ወንጌል ብጽዕና ከም ዝኣወጁ ብሩኒ የዘኻኽሩ።

ክርስትያናዊ ምስክርነት ኣብ ኤውሮጳ

ቅድሚኡ ብዙሓት ካልኦት ቅዱሳንን ሚስዮናውያንን ኣብዘን ሎሚ ኣብ ቤልጅየም ኣስታት 8,400 ካቶሊካውያን ኣብ ሉክሰምበርግ ድማ ትሕቲ 300 ካቶሊካውያን ዘለወን ሃገራት ኣብ ዘመናት ዘርኢ ክርስትና ዘሪኦም እዮም።

"ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ሓደ ጕዳይ እውን እዩ እንተዀነ ግን ምናልባት ኣብታ ክርስትና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ዘይፍለጥ ዝኾነላ ንዘላ ብዙሕ ሕቶታት ዝመለኣ ብዙሓ ዘይግለጸላ ንዘላ ኤውሮጳ ክርስትያናዊ ምስክርነት በዳሂ ኢዩ ዝኸውን። "ኣብ ውሽጢ እዚ ማሕበረሰብ እዚ ር.ሊ.ጳ. ዘተባብዕዎ ጕዳያት ምላሽ ንምሃብ ድሮ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።".

ትካላት ኤውሮጳ

ቅዱስነቶም ብጀካ እቶም ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ዝመጹ ዝረከብዎ ብምዃኑ፡ መልእኽቶም ናብተን "ናይ ዝተፈላለያ ትካላት ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ቍጠባዊ ባህሪ ዘለወን" (ሉክሰምበርግ) ዘአንግዳ ክልተ ሃገራትን "መንበር ሰፊሕ ክፋል ናይቲ . . .  ምምሕዳር ሕብረት ኤውሮጳ" (ቤልጅየም) ከብጽሑ እዮም።

ማእከላይ ቅዉም ሓሳብ ሰላም

ሰላም ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣርእስታት ናይቲ ኣብቲ ዑደት ዘስምዕዎ 7 መደረታት ከም ዝኸውን ብሩኒ ገሊጾም እቶም መደረ ዘስምዕሎም ኣርእስታት፡ እታ ኣህጉር ዳግማይ ናብ ግጭት ክትጉተት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ኣብ እዋን ኲናት ድሕሪ ዘጋጠመ ስቓይ፡ ንሰላም ኩነታት ንምፍጣር ኣዚዩ ዝንገረሉ ደላይ ሰላም ታሪኻ ከዘኻኽሩ ምዃኖም ድማ ይሕብሩ፣

ለውጢ ሕብረተሰብ

ምስዞም ኣርእስታት ዝተተሓሓዘ ትምህርቲ ካቶሊክን ኣብዚ እደ ጥበባዊ ዕብየት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ዘመን ዘለዎ ተራን ከመላኽቱን ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉቨንን (ብቕደም ተኸተል 27ን 28ን መስከረም) ኣብ ዝካየድ ክልተ ኣኼባታት፡ ክሳተፉን "ክርስትና ክሳብ ሕጂ ንባህሊ ኤውሮጳ እንታይ ክብል ኣለዎ" ዝብል ሓሳባት ከቕርቡ ዕድል ዝፈጥር እውን እዩ።

ኣብቲ ምስ መምሃራን ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉቨን ዝካየድ ርክብ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓገዝን ስደተይናታትን ዝምልከት ናይ ምስማዐ ርእየት መደብ ክህሉ እዩ። ኣብ ትካላት መንበረ ጥበብ እውን ስደተይናታት ብምህላዎም፡ እቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ እዋናውን ንሕብረተሰብ ብድሆ ኮይኑ፡ ሕብረተሰብ ቤልጅየም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘሕለፎ ለውጢ ኣብ ግምት ዘእትው እውን ከም ዝኸውን ብሩኒ ይገልጹ።

ምስ ግዳያት ግህሰት ክግበር ዝኽእል ርክብ

ብዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ኣመልኪቶም ብሩኒ፥ ጉባኤ ጳጳሳት ቤልጅየም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ 15 ግዳያት ማለት ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮን ትሽዓተ ደቂ ኣንስትዮን ግላዊ ዘተ ከካይዱ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ዝሃብዎ ሓበሬታ ጠቒሶም፥ ብዛዕባ እቲ ርክብ ድሒሩ ጥራይ ኣብ ዝግለጽ ቦታን ዕለትን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ከምዘሎ ጳጳሳት በልጂም ከም ዝሓበሩ ድማ የረጋግጹ።

ኮይኑ ግን ብዛዕባ እዚ ርክብ እዚ ብሩኒ መረጋገጺ ከይሃቡ፥ እንተኾነ ግን "እዚ ፍሉይ ርክብ እንተሃልዩ፡ ድሒርና ብዛዕባኡ ሓበሬታ ክንህብ ኢና" ኢሎም።

ብዛዕባ ሓደ ወዲ ሓውቦኦም ሓዊሱ ብግህሰት ህጻናት ገበነይና ዝኾነ ጳጳስ ቫንገሉዌ ብዝምልከት ብሩኒ ይብሉ፥ ቅዱስ ኣቦና "ኣብ ቤልጅየም ዘሎ ቃንዛን መዓትን ስቓይን ይፈልጡዎ እዮም፡ ብርግጽ ድማ ነዚ መወከሲ ክንጽበ ንኽእል ኢና" ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ መደምደምታ፡ ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳን ተዛመድቲ ትካላትን ዝግበር ኣኼባታት ሓዊሱ ካልኦት ዝርዝራት ኣብቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝቕጽል ዑደት፥ ምስ መንእሰያትን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ርክብ ክህሉ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንቅድስቲ መንበር ወኪሎም ኣብ ኒውዮርክ ይሳተፉ ስለ ዘለዉ ኣብቲ ናይ ብራሰልስን በልጂምን ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣይክህልዉን እዮም። ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማርቸሎ ሰሜራሮ ኣብቲ ናይ ቅዱስነቶም ጉዕዞ ክሳተፉ ምዃኖም ብሩኒ ሓቢሮም ዝሃብዎ መልግለጺ ይዛዝሙ።

24 September 2024, 16:19