ҽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅዳሴ ኣብ ብራስለስ፡ ‘ግህሰት ኣይትሸፈኑ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ርእሰ ከተማ ቤልጅየም ብራስለስ ዕለት 29 መስከረም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ኩሎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ኣብቶም ዝሳቐዩ ሰባት ዝዛረብ ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ክሰምዑ እምበር ንዝፍጸም ግህሰት ፈጺሞም ከይሽፍኑ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰንበት ዕለት 29 መስከረም ንግሆ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ንጉስ ባውዱን ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ መወዳእታ ህዝባዊ ፍጻመታት ናይቲ ን4 መዓልታት ዝሸፈነ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ሉክሰምበርግን ቤልጅየምን መዛዘሚ ኮይኑ፥ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ብጽዕቲ ኣና ኸሱስ፥ ነቲ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ዝነበረት ስጳይናዊት መነኮስ ንቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ ዝገበረቶ ጽገና ስርዓት ካርሜላውያን ናብ ቤልጅየምን ካልእ ክፋላት ኤውሮጳን ዘምጽአት ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ንብጽእቲ ኣና ኸሱስ ብድኽነትን ብፍላይ ድማ “ብመሪር ዘሕዝን ዓንቃፊ ተግባራት” ኣብ ዝተለለየሉ እዋን ብጸሎትን ብሰናይ ተግባርን ብዛዕባ እምነት ክርስትና ብምምስካራ ኣመስጊኖም፥

“ነቲ ‘እንስታዊ ቅዲ ቅድስና’ ዝሃበትና ኣብነት፡ ለዋህ ግን ከኣ ሓያል፡ ብምስጋና ንቕበሎ”

እንክብሉ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቤልጅየም ዝተራእየ ብዙሓት ኣብነታት ቅድስና ዝኾኑ፥ ብፍላይ ቅዱስ ዳምያን ደ ቬውስተር፣ ቅዱስ ጋይ ኣንደርለክት፣ ቅዱስ ጉዱላን ብውሕዱ ይጠቕሱ።

ክፉትነት ንዕድመ መንፈስን ንኹሉ

ቀጺሎም ክርስትያን ብጸያፍ ተግባራት “ኣብ ቅድሚ ሓደ ንኣሽቱ ዕንቅፋት” ከይገብሩ ኣጠንቂቖም።

ናይ ዕለቱ ምንባብ ዛዕባ “ናጻ ተግባር መንፈስ ቅዱስ” ዝዛረብ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ከምቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሓደ ካብኦም ስለ ዘይኮነ ብስሙ ጋኔን ከየውጽኡ ከም ዝኸልከልዎ ጠቒሶም ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን፡ ብመሰረት ጥምቀት፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ኣለዎ፡ እዚ ድማ ድሩትነትናን ሓጢኣትናን ዝሰግር ህያብ ምዃኑ ኣብሪሆም፥

“ማሕበረሰብ ኣመንቲ ናይ ውሑዳት ፍሉይ ዕድል ናይ ዘለዎም ዝተመርጹ ሰባት ዓንኬል ኣይኮነን፤ ስድራ ናይቶም ዝደሓኑ እዩ . . . “ንሕና ወንጌል ናብ ዓለም ክነበስር ዝተጸዋዕና ብጸጋ እግዚኣብሔር ደኣ እምበር፡ ብናይ ገዛእ ርእስና ብቕዓት ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጸብጻብባትና ምስማዕ

ኣውያት ውጹዓት ከም ትንቢታዊ ድምጺ ምስማዕ፥ ኣብቲ ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብር ሕብረት ኣተኴሮም፣ በዚ መሰረት ድማ "ኣብ ሓባራዊ ወፈያ ሓድነት ዘለዎ ፍቕሪ" ኢና ዝሰመርና፡ ነፍሲ ወከፍና ንግብረ ሰናይ ከሰናኽልን፡ ንንኣሽቱ ክጭፍልቕን” ብዝደልይ ርእሰ ፍትወት ንፍተን ኢና . . . መንገዲ ርእሰ ፍትወት፡ ዕጹው ኣተሓሳስባ፡ መናድቕን ዕንቅፋታትን - ‘ጽዩፍ ተግባራትን’ ክንብሎ ንኽእል - ናብ ንዋታዊ ነገራት ብሰንሰለት ኣሲሩ ካብ ኣምላኽን ካብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝፈልየናን መገዲ የመንጩ” ቢሎም፡ ዕለት 27 መስከረም ኣብ ብራስለስ ምስቶም ብኣባላት ውሉደ ክህነት ግህሰት ዘጋጠሞም ሰባት ዝገበርዎ ርክብ ዘኪሮም፥ "ግዳያት ግህሰት ስቓዮም ሰሚዐዮ፡ ኣብዚ ድማ እደግሞ ኣለኹ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ንኹሉ ሰብ፡ ንኹሉ፡ ንኹሉ ቦታ ኣሎ፡ ኩላትና ግን ክንፍረድ ኢና፡ ግህሰት ዝግበረሉ ቦታ'ውን የለን" ግህሰት ኣይትሸፍኑ እብል፡ ጳጳሳት ግህሰት ኣይትሽፍኑ ሕማም ግህሰት ክሕውዩ ድማ ሓግዝዎም! እብል።

"ክፍኣት ናብ ብርሃን ክወጽእ ኣለዎ . . . ክቃላዕ ኣለዎ፡ ከምቲ ገለ ግዳያት ግህሰት ዝገበርዎ፥ ብትብዓት ዝነግርዎ . . . እቲ ዝበደለ ድማ ይፍረድ። እቲ በዳሊ ይፍረድ፡ ዓለማዊ ሰብ ይኹን ካህን ወይ ጳጳስ: እቲ በዳሊ ይፍረድ።"

ዝሓሸ መጻኢ ዝሓልሙ ግን ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ግዳይ ምዝመዛ ዝኾኑ ስደተይናታትን ናይ መንነት ወረቐት ዘይብሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስደተይናታት ዘጋጥሞም ጸገም ኣመልኪቶም። ናይ ጸበባ ኣውያቶም ከም ትንቢታዊ ድምጽታት ክንቅበሎ ንሕተት . . . ኩላትና ናብ ምልዋጥ ዝተጸዋዕና ድኻታት ሓጥኣን ምዃንና ስለ ዘዘኻኽሩና ህያው ድምጺ መንፈስ ቅዱስ እያቶም . . . ነዚ ትንቢታዊ ድምጺ ብዘይተገዳስነትን ሸለልታን ክንሓንቆ ወይ ዘይሰምዕ ልብን እዝንን ክንህብሉ የብልናን።”

ወንጌል ምሕረት ክመርሓና ምፍቃድ

ደጊሞም ብዛዕባ ፍቕርን “ወንጌል ምሕረትን” ንምርጫና ክመርሕ ብምፍቃድ ዕንቅፋት ካብ ምዃን ክንቁጠብ ከምዘድሊ ኣጠንቂቖም፥ ነቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዝሃቦ ሓያል መልእኽቲ፥ “ጽጉማት ዝርእያ ግን ከም ዘይረእያ ዝኾና የዕንቲ ካባይ ኣርሕቕ! ሃብቲ ንምሕባእ ዝዕጸፋን ዕጽዋት መሰናኽል ዝኾና ኣእዳው! ካባይ ኣርሕቕ፣ ቀልጢፎም ንምዕንቃፍ ዝጎያ ኣእጋር፣ ነቶም ዝሳቐዩ ንምቕራብ ዘይኮነስ፣ ካብኦም ንምርሓቕን ዝጎያ ኣእጋር ካባይ ኣርሕቀን!” ብዝብል ጸሎት ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 September 2024, 14:08