ҽ

2024.09.04 Viaggio Apostolico in Indonesia - Incontro con i Gesuiti 2024.09.04 Viaggio Apostolico in Indonesia - Incontro con i Gesuiti  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኢንዶነዥያ ምስ ማሕበር ኢየሱሳውይን 'ሕውነታዊ ኣኼባ' ኣካይዶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ናይቲ ናብ ኢንዶነዥያ ዝገበርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣሓዉ ኣብ ጃካርታ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ሓውርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ተራኺቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ናብታ ሃገር ዝገበርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ብምቕጻል ትማሊ ሮቡዕ ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ኢንዶነዥያ የገልግሉ ዘለዉ ተራኸቡ ።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስ ሰበ- ስልጣን ኢንዶነዥያን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ከምኡውን ምስ በርገሳውያን ኣካላት ኣብ ቤተ-መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ድሕሪ ምርኻቦም ኣብቲ ኣብ ከተማ ጃካርታ ዝርከብ ሕንጻ ሐዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኢዮም ዝተራከቡ።

ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ እተረኽቡ ብፁዕ ካርዲናል ጁልየስ ሪያዲ ዳርማያትማድያ  ኮይኖም ኣብ ጃካርታ ዚነብሩ ወዲ 79 ዓመት ዝዕድሚኦም ልሂቅ ሊቀ-ጳጳሳት (1996-2010) ኢዮም።

ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝገብርዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓደ ሰዓት ዚኸውን ብብሕቲ ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ተዘራረቡ ንእተፈላለየ ሕቶታት ድማ መለሰሎም።

'ኣብ መንጎ መማኽርቲ ሕውነታዊ ምብጻሕ'

ብመሰረት እቲ ምክትል ጸሓፊ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፍት ዝኾኑ ክቡር ኣባ ኣንቶንዮ ስፓዳሮ ዝሃብዎ ጸብጻብ እቲ ኣጋጣሚ ምዉቕን ስድራቤታዊ መንፈስ ኢዩ ዝነበሮ ።

ክቡር ኣብ ስፓዳሮ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ - "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወትሩ ህድእ ዝብሉ ኢዮም ። ከም ገዝኦም ኮይኑ ስለዝስምዖም ድማ ኣብ መጀመርያ ነቲ ኣብ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዝስምዖም ዝለኦ ሓሳት ኢዮም ዝገለጹ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢንዶነዥያ ኣብ ዘለዊ ማሕበር ኢየሱሳውያን ብዙሓት መንእሰያት ብምርኣዮም እተሰምዖ ኣግራሞትን ሓጐስን ገለጹ።

"ምናልባት እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝተንከፈኒ ነገር እዚ ኢዩ " በሉ ኣባ ስፓዳሮ "ቅዱስ ኣቦና እቶም ኣብ ኢንዶነዥያ ዘለዉ ማሕበር ኢየሱሳውያን ክሳዕ ክንደይ መንእሰያት ምዃኖም ምስትሃሎም ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ማሕበር ኢየሱሳውያን ከምኡውን ብዛዕባ ኣገዳስነት ሜመያን ጸሎትን ከም እተዛረቡ ኣመልከቱ።

እቲ እተመያየጠሉ ኣርእስትታት ምስ ካልእ ኣብ ኢንዶነዥያ ዘሎ ኣገዳሲ ጕዳያት እተተሓሓዘ ምዃኑ ብምግላጽ "እቲ ካብቶም ኣሕዋት ኢየሱሳውያን ዝነኣሰ ኣባል ንቅዱስነቶም ኣበይ ከም ዝጽልዩ ሓተቶም ሒደት መዘኻኸሪታት ድማ ኣካፍሉና" በሎም።

እቶም ኢየሱሳዊ ካህን ወሲኾም "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲቸስኮ ነተን 'ዜሮ ነጥቢ' (0....%) ኢለ ዝጽውዕየን ኣብያተ-ክርስትያን የፍቅረን እየ። ኣብ ኢንዶነዥያ 3 ሚእታዊት ስለ ዝዀንና ሒደት ሚእታዊት ህዝቢ እኳ እንተሎና ክሳዕ ሕጂ ግን 8 ሚልዮን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣለዉ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ከኣ ብዙሓት ምእመና ኢዮም ዘለዉና ። ፍራንዝ ስፓዳሮ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ - "ዕላማ ክርስትያን ንዕቤት እታ ሃገር ኣበርክቶ ምግባር ኣብ መሎሲ እተሓዋወሰ ማይ ብሑቝ ከም ምዃና ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ንርእሰ ሊቃነ ጳፓስት ብሓቂ ኣገዳሲ ኢዩ ። እቲ ንክርስትያናን ዚወሃብ መልእኽቲ ካብ ቍጽርታት ንላዕሊ ሓባራዊ ጥቕሚ ምሉእ ብምሉእ ምትሕብባር እዩ፣ ንቅዱስ ኣቦና እቲ ዘገድስ ሓይልን ናይ ምፍጣር ክእለትን ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኢየሱሳውያን ክልተ ተወሳኺ ኣኼባ ክገብሩ ተመዲቡ ኣሎ እቲ ሓደ ኣብ ቲሞር-ለስተ እቲ ሓደ ኸኣ ሲንጋፖር ኢዩ።

ክቡር ኣባ ስፓዳሮ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንፍሉይነት እተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ኣብያተ - ክርስትያን ብምርኣዩም እተሰምዖም ሞሳ ውን ገለጹ ።

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር እቲኣ ስኒት ክህሉ ከም ዝኽእል ተገንዚቦም ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ብዙሕ ኵነታት ዝሰማማዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ" በሉ። "ሎሚ እቲ ርእሰ ብሔር እታ ሃገር  እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ስኒትን ንሕዝቢ ተዛሪቡ ኢዩ። ዓለም ኣብ እተኸፋፈለትሉን እተሰባበረትሉን እዋን ኣዝዩ ዘስግእ መጻኢ ክህሉ ከም ዝኽእል ስግኣታት ኣለኒ ኢዩ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ምስ ኢየሱሳውያን ዝገበርዎ ኣኼባ ዝገልጽ ምሉእ ጽሑፍ ኣብቲ ላ ሲቪልታ ካቶሊካ  ዝተሰምየ መጽሔት ማሕበር ኢየሱሳውያን ናብ ሮሜ ምስ ተመልሱ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ክሕተም ኢዩ ።

06 September 2024, 06:16