ҽ

ር. ሊ. ጳ. ንሰበ ሥልጣን ኢንዶነዥያ - 'ሃይማኖታዊ ዘተ ሓባራዊ ኣኽብሮት ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ጃካርታ ምስቶም ናይ ኢንዶነዥያ መንግስታውያን ሰበ - ስልጣን አብ ዝተራኸቡሉ ነቲ ናይታ ሃገር ሃገር ጭርሖ "ሓድነት ኣብ ፍሉይነት" ብዝብል ጭርሖ ደገፎም ገለጹሎም፣ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ዘተን ሲቭላዊ ስኒትን ንምድጋፍ ዝገበረቶ ጻዕሪ ተመባጽዑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ምስ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገርን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ከምኡውን ዲፕሎማስያውያን ኣካላትን ኣብቲ ኣብ ጃካርታ ዝርከብ ናይ ቤተ መንግስቲ ህጻ ርእሰ ብሔር ኢስታና ኔጋራ ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣብ ሃገረ ኢንዶነዥያ ናይ መጀመርታ መደረኦም ኣቕረቡ።

ርእሰ ብሔር ጆኮ ቪዶዶ ብዙሓት ደቂ ኢንዶነዥያ ንሰንደቕ ዕላማ ሃገረ ቫቲካንን ኢንዶነዥያን እናኣምበልበሉን ኣብ ጐደናታት ብምውጻእን ከምኡውን ሓያሎ ኣባላት ኣኽበርቲ ጸጥታ ርእሰ ብሔር ብፍሉይ ሥነ ስርዓት ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ እታ ሃገር ብምፍራም ብቋንቋ ጣልያን እንክፍርሙ - "ኣብ ጽባቐ እዛ ሃገር እዚኣ ማለት ኣብ መንጎ እተፈላለየ ባህልታትን ሃይማኖታትን ኣብ ዝግበር ምክብባርን ዝርርባትን ስለ ዝሰጠሙ፣ ህዝቢ ኢንዶነዥያ ብእምነትን ብሓድነትን ብርሕራሔን ክዓቢ ኢየ ዝምነ። ኣምላኽ ንኢንዶነዥያ ይባርኻ!" ክብሉ ጸሓፉ።

ሓድነት ኣብ ፍሉይነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመንግስታውያን ሰበ - ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ንዅሎም ብሓባር ኣብ ኢንዶነዥያ ሓንጐፋይ ኢሎም ስለ እተቐበልዎም ኣመስገንዎም፣ ልክዕ ከምቲ ውቅያኖስ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ደሴታት ሓድነት ከም ዝህልወን ዝገብር ኣብዛ ሃገር ዘሎ ብዝሓ ብሔራትን እውን ብኸመይ "ሓድነት ዘለዎ ዓለባ" ተባሂሉ ክጽዋዕ ከም ዝኽእል ኣጕልሑ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ሃገራዊ ጭርሖኹም ቢነካ ቱንግጋል ኢካ (ቃል ብቓሉ ብዙሓት ግን ከኣ ሓደ) ነቲ እተፈላለዩ ህዝብታትብ ብዝሓ ብሔራትን ኣብ ሓንቲ ሃገር ብጽኑዕ ሓድነት ዝነብሩሉ ዘለዉ ፍሉይ መዳያት ዘለዎ ሓቂ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝገልጾ በሉ ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ በበይኑ ዝዓይነቱ ስኒት ኵሉ ሰብ ሰናይ ዘበለ ንምድላይ ናይ ሕውነት መንፈስ ክቕበል ከም ዝሓትት ውን ገለጹ ።

"እዚ ኣብ መንጎ ብዝሓ ባህልታትን እተፈላለየ ስነ-ምግባራዊ ራእያትን ከምኡውን ሓድነት ዘደልድሉ ኣተሓሳስባ ዘሎ ጥበበኛን ጠርናፍን ሚዛን ካብ ምምዝባል ብቐጻሊ ክትከላኸሉ ኣሎኩም" በሉ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ንዅሎም ኢንዶነዥያውያን ዘጠቓልል ኢዩ፣ ስኒት ማዕርነት ንሰብኣዊ መሰላት ምኽባር ቀጻሊ ዕቤት ከምኡውን ደድሕሪ ሰላም ንምስዓብ ክጽዕሩ ድማ ዓደምዎም ።

ቤተ-ክርስትያን ሓባራዊ ጥቕሚ ንምድንፋዕ ዝገበረቶ ጻዕሪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ዘተን ኣብ ምድንፋዕን "ሰላምን ፍረ ዘለዎ ስኒትን" ኣብ ምድንፋዕን ከም እትሳተፍ ተመባጽዑ።

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዚግበር ዘተ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይ ንምጥፋእን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ምትእምማንን ዚፈጥር ሃዋሁ ንምህናጽ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ውን ገለጹ።

"ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ኢያ እትዓዪ ዘላ፣ ምስ መንግስታዊ ትካላትን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ምትሕብባር ከተደልድል ዝሓሸ ሚዛናዊ ማሕበራዊ መዋቕር ክቐውም ከተተባብዕ ከምኡውን ዝያዳ ስሉጥነትን ቅንዕናን ዝርጋሐ ማሕበራዊ ደገፍ ከተሰልጥን ኢያ እትደሊ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ሓባራዊ ምክብባርን ፍትሕን

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ናይ 1945 ቅዋም ኢንዶነዥያ መቕድም ነቲ "ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽን" ከምኡውን ንማሕበራዊ ፍትሒ ብተደጋጋሚ ብሒደት መስመራት ከም ዘመልክት ገለጹ።

"ስለዚ ኣብ ምምዕባል ማሕበራዊ ፍትሒ ከምኡውን መለኮታዊ በረኸት ዘሎ ሓድነት ነቲ ማሕበራዊ ስርዓት ንምድራኽን ንምምራሕን ዝዓለመ መሰረታዊ ስርዓታት ኢዩ" በሉ። "ምስቲ ሓደ ሰብ ንቤት ዚሃንጸሉ ድልዱል መሰረት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ነቲ ኣብ ሃገራት ሲቪላውያን ሰበ-ስልጣን ሓድነት ክሃንጹ ኸለዉ ክለዓል ዝኽእል ውጥረት ብምጕሃይ እቲ ንመንግስቲ ኢንዶነዥያ ዝመርሕ ፍልስፍና "ሚዛናውን ጥበብ ዝመልኦን" ምዃኑ ገለጹ።

ብ1989 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ናብ ጃካርታ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን እተዛረብዊ ቃላት ውን ዘከሩ ንሰበ - ስልጣን ኢንዶነዥያ "ሰብኣውን ፖለቲካውን ህይወት ኵሎም ዜጋታት" ከኽብሩ ከምኡውን "ኣብ ተጻዋርነትን ኣኽብሮትን እተመርኰሰ ሃገራዊ ሓድነት ክዓቢ" ከተባብዑ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።

ወሲኾም ድማ ሰላም "ተግባረ ፍትሒ እዩ " ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዕዮ ውን ምዃኑ ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዚ ብምባል ውን መደረኦም ደምደሙ - "ንጥቕምናን ረብሓናን ናይ ምርኣይ ክእለትናን ጥራይ ዘይኰነስ ንጥቕሚ ዅሎም ደቅሰባት ድልድል ክንሓንጽ ውዕላትን ምትሕብባርን ከነተባብዕ ንዅሉ ዓይነት ስነ-ምግባራውን ቍጠባውን ማሕበራውን ጭንቀት ንምስዓር ከምኡውን ሰላምን ስኒትን ንምድንፋዕ ሓይልታትና ከነሕብር ምስ እንርከብ ስኒት ይብጻሕ ኢዩ" በሉ።

05 September 2024, 08:01